ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ዝተገለልና እውን እንተዀንና ብናይ ፍቕሪ መሃዝነት ንደጋገፍ

ለምዘበን በዓለ ፋሲካ ብዘይ ተለምደ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ዝበዓል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም እቲ ናይ ትንሳኤ ብርቱዕ መልእኽቲ በዚ ኵነት’ዚ ብምንም ተኣምር ዝቕየር ኣይኰነን፡ “ኣብቲ ትንሱእ ኣኢየሱስ፡ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ሰዓረ”

“ነቶም ኣብ ስቓይ ንዘለዉ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  እዮም በሉለይ፥ ጐይታ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕሰም ናጻ መታን ከውጽኣና ይጽልዩ በሉለይ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቐድም ኣቢሎም ብምኽንያት ሰሙነ ሕማማት ዕለት 3 ሚያዝያ ምሸት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መልእኽቶም፡ ንዅሉ ብሓልዮትን ርህራሀን ክዛረቡ ኣብ ተስፋ ኣተባቢዖም፡ ነቲ ብለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ዝንበር ዘሎ ነቲ ናይ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ እዋን ብለጋስነት ንጠጠቀመሉ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም፡ ናብ ኣባይቲ ኵሉ ኣትዮም፡ ምስቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ስቓይ ምስ ዝርከቡን ምስ ኵሎም ብምኽንያት ለበዳ ኮቭድ 19 ኣብ ቤቱ ክዕጸው ምስ ዝተገደ መላእ ሕዝቢ ብዘመሕላልፍዎ መልእኽቲ ኣቢሎም ክራኸቡ ዘለዎም ድላይ ገሊጾም፡ ምስ ኣዴታትን ኣቦታትን ሕጻናት ምስቶም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ  ውዕዋዕነቶምን ትስፍውነቶም ምስ ዝዝመቶም መንእሰያትን ኣረጋውያንን ህሙማንን ምስቶም ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ሓዘን ምስ ዘለዉን፡ ፍቓድኵም እንተድኣ ኰይኑ በዛ መልእኽተይ ኣቢለ ምስኵልኻትኩም ክራኸብ ምድላየይ ኣይተሓዙለይ ቢሎም፥

    መላእ ኣባይቲ ስድራን ብፍላይ ዝሓመሙን ኣጋጣሚ ኰይኑ እውን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ድዩ ብኻልእ ምኽንያት እውን ፍቱዋቶም ዝሰኣኑን ኣብ ሓዘን ዝርከቡን ኰሎም ኣብ ልበይ እያቶም፡ ኣብዘን መዓልታት ነቶም     በይኖም ዘለው ነዚ ጽንኵር እዋን ክገጥሙ ከቢድ ዝኾኖም ኵሎም። ብፍላይ ከኣ ኣቶም ፍቱዋተይ ኣረጋውያን፡ ነቲ ብኮቪድ 19 ዝሓመመን ኣብ ኣባይቲ ሕምክና ዝድገፉን ዘለዉን።

ነቶም ተባዓት ሓኻይምን ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ

ቅዱስነቶም እቲ ህልው ኵነትን ፍጻሜታቱን ኩሉ ኣብ ውሽጦም ስኡል ብዝዀነ ኣገባብ ምልስ ቢሎም ነቶም ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ንምስናፍ በቢ ዕለቱ ምስቲ ዘይረኣይ ጸላኢ ዝፈነዎ ውግእ ንምፍሻል ዝገጥሙ ዘለዉ ኵሎም፥ ነቶም ተባዓት ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ነቶም ክግመት ዘይከኣል ዋጋ ዝኸፍሉ ንዘለዉን እናሓሰቡ፥

    ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ ንምፍዋስ ድዩ ንሕብረተሰብ መሰረታዊ ኣድላዪ ኣገልግሎት ውሑስ ንኽኸውን ዝዓዩን ልግስናኦም ኣብ ቅድመይ ህልው እዩ፡ ናይ ዕለታዊ ሕይወትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓትን ጀጋኑ     ዝዀኑን ነቶም ኣብ ሕጽረት ኤኮኖሚ ዝርከቡን ብዛዕባ ስርሖምን መጻእን ዓቢይ ስክፍታ ዘጓነፎም ዘለዉን ኵሎም፥ ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘለው እሱራትን፡ እቲ ለብዒ ዘተኣታትዎ ዘሎ ፍርሕን፥ ብዛዕባኦምን ብዛዕባ     ኣብይቲ ስድራኦም ዝሻቀሉን ነቶም ዘዕቅሎም ቤት ዘይብሎም ኣልቦ ቤት ዝዀኑን ኵሎም እሓስብ።

ናይ ፍቕሪ መሃዝነት

ክቢድ እዋን፥ ጽንኵር እዋን ምዃኑ “ር.ሊ.ጳ. ይፈልጥዎ እዮም” ቢሎም ነቶም ነቲ ዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ተለቪዥናዊ መልእክቲ ዝከታተሉ ከምዘለዉ እናሓሰቡ፥ ከም ኣቦ፥ ኣብዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ በቲ ዝተኸስተ ለብዒ ምልኵት ዝዀነ ታሪኻዊ ህሞት፡ ነቲ ዘሎና ግዜ ጸጋ ምዃኑ ብምስትውዓል ንዝበለጸ ክንጥቀመሉን ፍርሕን ተስፋ ምቝራጽን ንምስናፍ፥ ዝብቕዕ ፈውሲ፥ ሓልዮት ንሱ ኸኣ ደረት ኣልቦ ዝዀነ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብቲ ምድረ በዳ ዝመስል ዘሎን ጽሞና ዝወሓጦን ከተማ ክሳብ ብስራት ፋሲካ ኮይኑ ክስማዕ ምቅላሕ ክምዘድሊ ክላበዉ እንከለዉ”፥

    እቲ ዘሎና ግዜ ንዝበለጸን/ብዝበለጸን ክንጥቀመሉ እንተድኣ ንደልይ ኰይንና፡ ለጋሳት ንዅን፥ ቅርበትና ንዝደልይ ንደግፍ፥ ስልኪ ደዊልና ድዩ ወይ ብማሕበራዊ መረብት ኣቢልና ነቶም ኣብ በይናውነት ዝርከቡ ንድለዮም፡     ኣብ ኢጣሊያን ኣብ መላእ ዓለምን ብጠቕላላ ፍቱናት ምእንቲ ዝዀኑ ንጐይታ ንጸልይ፡ ዋላ ተነጺልና ንሃልው ሓሳብናን መንፈስናን ብናይ ፍቕሪ መሃዝነት ክንየው ከብሉ ይኽእሉ፡ እቲ ሎሚ ዘድልይ ናይ ፍቕሪ መሃዝነት     እዩ።

ተስፋ ዘበርትዕ እምነት

ለምዘበን በዓለ ፋሲካ ብዘይ ተለምደ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ዝበዓል ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ዘኪሮም እቲ ናይ ትንሳኤ ብርቱዕ መልእኽቲ በዚ ኵነት’ዚ ብምንም ተኣምር ዝቕየር ኣይኰነን፡ “ኣብቲ ትንሱእ ኣኢየሱስ፡ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ሰዓረ” እዚ እምነትና ዘረጋግጾ ፋሲካ ተስፋ ዘበርትዕ ክኸውን ኣለዎ፡ ተስፋ ሕልሚ ኣይኮነ፡ ዘደናግር ኣይኮነን፡ ብቐዳምነት እቶም እምነት ኣሎና እንብል ዝሓሽና ኮይንና ንኽንርከብ ዝሓሸን ዝበለጸን ግዜ ክመጽእ እዩ፥ ኣስዒቦም መንፈስን ለውሃትን ፍቅርን ትዕግስትን ኣተሓሳሲቦም፥ ልክዕ ከምቶም ሰናይ ኣቦ ተባሂሎ ናይ ዝግለጹ ዮሓንስ መበል 23 ኣገላልጻ ብኣባታዊ ልሳን፥ ኣዚዮም ቀረባ ብምዃን ነቲ ለውሃትን ሓልዮትን ብኹሉ ክሳብ ዝስማዕ፥

    ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን ንሕጻናትን ንኣረጋውያንን ወስታ ሓልዮት ግበሩ፡ ር.ሊ.ጳ. ቀረባኹምን ጐይታ ካብቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሕሰም ናጻ መታን  ከውጽኣና ይጽልዩን በሉለይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምእንታይ ጸልዩ፡ ዝተባርከ ድራር     ይግበረልኩም፡ ብሩኽ ምሸት፡ ብቕልጡፍ የራኽበና፡

እንክብሉ ተለቪዥናዊ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ዛዚሞም።

04 April 2020, 01:32