ድለ

መዓልቲ መሬት 2020 ዓ.ም.፥ ካብ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሓባር ረብሓ ምብጋስ መዓልቲ መሬት 2020 ዓ.ም.፥ ካብ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሓባር ረብሓ ምብጋስ 

መዓልቲ መሬት 2020 ዓ.ም.፥ ካብ ናይ መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ናይ ሓባር ረብሓ ምብጋስ

እዚ ናይ ለምዘበን መበል 50 ዓመት መዓልቲ መሬት ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእክቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝውፈይ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ኢጣሊያ። “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንነብረላ መሬት ንምክንኻን ስለ እተካይድዎ ጻዕሪ ዕድለይናታት ኢና፡ ኩሉ ኣብዚ ሰናይ መደብ እውን ንኽሓብር ስለ ኣተካይድዎ ጻዕሪ ነመስግን” ብዝብል ሓሳብ ተመሪሑ ተዘኪሩ ከምዝወዓለን

ዕለት 22 ሚያዝያ መበል 50 ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ዝዝከረሉ ዕለት እዩ። እዚ ናይ ለምዘበን ዓመታዊ መዓልቲ መሬት ካብ ተስፋን ካብቲ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ካብ ዘስዓቦ ቅልውላው ብሓድሽ ቅቡልን ዘላቕን ዝኾነ ኣገባብ ሕይወት ካብ ምስትውዓል ምብጋስ ብዝብል መርሕ ሓሳብ ተዘኪሩ ዝውዕ ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ ኢጣሊያ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ን12 ሰዓት ብቐጻሊ ዝመሓላለፍን ምስ ናይ ዝተፈላለያ ዓለም መራኸቢ ብዙሓን ብምርኻብ ናይ ሓባር ቤትና ንምክልኻል ዘተባብዑ ዝተፈላለዩ መደባት ከምዝቐረቡን፡ እታ ይሴባሕ ብዝብል እርእስቲ ዝደርስዋ ናይ ሓባር ቤትና ንኽንከናኸን እትምዕድ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ናይቲ ዝኽሪ መሬት ፍጻሜ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተወፈየ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ  ናይ ለምዘበን መበል 50 ዓመት መዓልቲ መሬት ብምኽንያት ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእክቶም ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝውፈይ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ኢጣሊያ። “ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እንነብረላ መሬት ንምክንኻን ስለ እተካይድዎ ጻዕሪ ዕድለይናታት ኢና፡ ኩሉ ኣብዚ ሰናይ መደብ እውን ንኽሓብር ስለ ኣተካይድዎ ጻዕሪ ነመስግን” ብዝብል ሓሳብ ተመሪሑ ተዘኪሩ ከምዝወዓለን፡ ኣብዚ ጽንኩር እዋን ጻውዒቶም ለበዋኦምን ኣገዳሲ ምዃኑ ብኹሉ ዝግለጽን ርኡይን ምዃኑ ደኒስ ሃየስ መስራቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬትን፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ መዓልቲ መሬት መረብታዊ ርክባት ኣደ መንበር ካትሊን ሮጀርስ ከምዝገለጹን፡ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቶም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ናይ ሓባር ቤትና ዓቢይ ግደ ከምዘለዎን ናይ ሓባር ቤትና ምክልኻል ካብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ጥዑይ ርክብ ምስ መሬት ዝብገስ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ሮጀርስ የሕብራ።

ናይ ተስፋ ዝኽ፥ ክንየው ለብዒ

ዝኽሪ መዓልቲ መሬት ንፈለማ ግዜ ብምንቅስቓስ ሓልዮ መሓድሮ መዓልቲ መሬት መረብታዊ ርክብ ተነቓቒሑ ዕለት 22 ሚያዝያ 1970 ዓ.ም. ከምእተበገሰን፡ እዚ ዝኽሪ’ዚ ካብ 2009 ዓ.ም. በውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተቀባልነት ረኺቡን ኣብ 193 ሃገራት ይዝከርን፡ 75 ሺሕ መሻርኽቲ ዘለውዎ ከምዝኾነ ጂሶቲ ሓቢረን።

እዚ ናይ ለምዘበን ዝኽሪ መዓልቲ መሬት ፍልይ ዘብሎ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኣብ መላእ ዓለም ብኣማኢት ሽሓት ዝቑጸር ሕይወት ንሞት ዝዳረግ ዘሎ ለብዒ ዝተጸልወን ኵሉ ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ዝዝከረ ብምዃኑ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝኽሪ መዓልቲ መሬት ኣዚዩ ዝተፈልየን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝፍጸም ቀጥዒ ኣልቦ ምዝመዛ ይኣክል ዝብል ደውል ብዓውታ ኣብ ዘቃጭለሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ እዩ።

ሓደ ሕዝቢ ሓንቲ መሬት፥ ብመላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሓት ዝተመሓላለፈ መደብ

ዓለም ሓቆፍ መራኸቢ ብዙሓን ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ሓደ ሕዝቢ ሓንቲ መሬት ብዝብል እርእስቲ ዝተመርሑ መደባት ከምዝቐረቡን፡ ኣብ ኢጣሊያ በቲ ራይ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ናይ ቴለቭዥንን ራዲዮን መደብ ብዝመሓደር ራይፕላይ ብእተሰምየ ናይ ውሕዘት ጣቢያ ንጐሆ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሸሞንተ ብቕጥታ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ምስ ዝርከባ ናይ ተለቪዥን መደብራት ብምራኽብ ምስርክነትን ምስ መሓድሮ ዝተኣሳሰረ ሙዚቃውን ጥበባውን ፍጻሜን ዛዕባ መሓድሮ ኣብ ዘተኮሩ ዝተፈላለዩ ጥልቂ መጽናዕትታት ከምዝቐረቡን፡ ኣብቲ ናይ ዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ርክብ ናይ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓንን ቲቩ 2000 እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መደብር ተለቪዥንን ካልኦት ናይ ግሊ መራኸቢ ብዙሓን እውን ከምእተሳተፋ ጂሶቲ ገሊጸን ብፍላይ ናይ ተፈጥሮ ጥዕና ምስ ናይ መሬት ጥዕና ዝተኣሳሰረ ምዃኑን ኣብ ልዕሊ መሬት ዝፍጸም ዓመጽ ብከላን ኩሉ ሳዕቤኑ ንኹሉ ግልጺ እዩ፡ ስለዚ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘላቕን ቅቡልን መደብ ልምዓት ክስዕብ ዝዕድሙ ብስነ ምርምር ዝተደገፉ መጽናዕቲታት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታን መደብ ምንቕቓሕን ከምዝቐረበ ሓቢረን።

መዓልቲ መሬት 2020 ዓ.ም.
22 April 2020, 20:54