ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ  

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል መሎኮታዊ ምሕረት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ

ቅድስቲ ፋውስቲና ዝተቐበለቶ ራእይ ኢየሱስ ካብ ሞት ዝተንስኤ ብኽልተ ድሙቕ ጩራ ብርሃን ተዓጂቡን መላእ ዓለም ዘብርህ ከምዝነበረ ገሊጾም፡ ካብቲ ብሰይፊ ዝተወግኤ ጐኑ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኸድን ምሕረት ወሓዘ” ነተን ኣብኡ ጸግዕን ዕርድን ዝደልያ ነፍሳት ብፍላይ ከኣ ንድኻታት መዕቆቢ ከምዝኸውን እውን ከምዝሓበራ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ 2000 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝደንገግዎን ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ግጻዌ በዓላት ዝተሳዂዐ ሰንበት ዕለት 19 ሚያዝያ ዝበዓል ዓመታዊ በዓል ንመሎኮታዊ  ምሕረት ዝተወከፈ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ እዮም። እዚ በዓል እዚ ከምቲ ኢየሱስ ብራእይ ንቅዱስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ዝሓተታ መሰረት ዝተወሰነ እውን ምዃኑ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ በዓል መሎኮታዊ ምሕረት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መበል 20 ዓመት የቑጽር ከምዘሎን ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ንመሎኮታዊ ምሕረት ኣብ ዝተወከፈ ንህልው ኩነታት ኮቪድ 19 ግምት ብምሃብ ብግሊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን፡ ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ጸሎት ንግስተ ሰማያት ከደግሙን እዮም። ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ብምኽንያት እቲ ቅድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ዝተቐበለቶ ራእይ ንመሓሪ ኢየሱስ ዝተወከፈ ከምዝኾነን ቅዱስ ኣቦና ዕለት 19 ሚያዝያ ሰዓት 11 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብልክዕ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኮዋልስካ ዕለት 30 ሚያዝያ 2000 ዓ.ም. ቅድስና ዝኣወጁሉ መበል 20 ዓመትን ከምኡ ዕለት 23 ሚያዝያ 1995 ዓ.ም. ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ዘካየድሉ መበል 25 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ በዓለ መሎኮታዊ ምሕረት ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ በዓል ምዃኑ እውን የመላኽት።

ዕለት 23 ሚያዝያ 1995 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ካሚሎ ርዊኒ እታ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ዘሳሲያ ናይ መለኮታዊ ምሕረት መንፈሳውነት ማእከል ክትከውን ከምዝወሰኑን ሎሚ እቲ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ነቲ ቅድስቲ ኮዋልስካ ዝተቐበለቶ ራእይ መሰረት ዝተሳእለ ብትኽክል እውን ኣብቲ ብር.ሊ.ጳ. ሊዮነ ራብዓ ድላይ ኣብ ‘800 መፋርቕ ኣብ ዝተሓንጸን ደሓር እውን ብድላይ ጳውሎስ ሳልሳይ ኣብ 1538 ዓ.ም. ገጹ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክኸውን ኣብ ዝገበርሉ ቤተ ክርስቲያን ንዘሎ ቅዱስ ምስሊ መሓሪ ኢየሱስ ከምዝባረኹ ዲ ቡሶሎ የዘኻኽሩ።

ኣብ መንጐ ካሮል ዎይትይላን ሰንበት ድሕረ በዓለ ሰንበት ዘትንሳኤን ዘሎ ጥብቂ ምትእስሳር

ፖላንዳዊ ር.ሊ.ጳ. ገና ካብ ንእስነቶም ኣብቲ እታ ኣብ 33 ዓመት ዕድመኣ ኣብ 1938 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ክራኮቭያ ዝዓረፋ ኣብታ ከተማ ዕለት 8 ሚያዝያ 1993 ዓ.ም. ሰንበት ድህረ ሰንበት ዘበዓለ ፋሲካ ብጽዕና ዝኣወጁላ እናቴ ፋውስቲና እተነቓቕሖ ኣብ ዝነበረ መንፈሳዊ ኣምልኾ መሎኮታዊ ምሕረት ዝተመሰጡን ዓቢይ ኣምልኾን ኣኽብሮትን ከምዝነበሮምን ዕለት 2 ሚያዝያ 2003 ዓ.ም. ኣብቲ ንሶም ዝኣወጅዎ ዓመታዊ በዓል ሰኑይ ድሕረ ሰንበት ዘበዓለ ፋሲካ ከምዝዓረፉን፡ ዕለት 1 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ቀዳማይቲ ሰንበት ድሕረ ሰንበት በዓለ ፋሲካ በነዲክቶስ መበል 16 ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብጽዕና ከምዝኣወጁሎምን ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ድህረ ሰንበት ዘበዓለ ፋሲካ ብሓባር ምስ ዮሓንስ መበል 23 ቅድስና ከምዝኣወጁሎም ዲ ቡሶሎ የዘኻኽሩ።

ኢየሱስ ብራእይ ንቕድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ክቐውም ዝሓተቶ በዓለ መሎኮታዊ ምሕረት

እናቴ ፋውስቲና ኣብቲ ዝሰነደቶ መንፈሳዊ ድርሳና ኣብ ፍቕዲ 699፥ ኣብ 1931 ዓ.ም. ኢየሱስ ተገሊጹላ “እቲ ዝደልዮ በዓል ምሕረት - እቲ ሞት ስዒሩ ዝተስኤ ኢየሱስ ብኽልተ ድሙቕ ብርሃን ተሰንዩ ናይ ነፍሳት ዕርዲ መታን ክኸውን ሰብኣዊ ፍጥረት ናብቲ ምንጪ ዝዀነ ምሕረተይ ክሳብ ዘይተማሕጸነ ሰላም ኣይክረክብን እዩ” ከምዝበላ ተመላኽት፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2000 ዓ.ም. ሰንበት ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ንብጽዕት ፋውስቲና ቅድስና ኣብ ዝኣወጅሉ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ቅድስቲ ፋውስቲና ዝተቐበለቶ ራእይ ኢየሱስ ካብ ሞት ዝተንስኤ ብኽልተ ድሙቕ ጩራ ብርሃን ተዓጂቡን መላእ ዓለም ዘብርህ ከምዝነበረ ገሊጾም፡ ካብቲ ብሰይፊ ዝተወግኤ ጐኑ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኸድን ምሕረት ወሓዘ” ነተን ኣብኡ ጸግዕን ዕርድን ዝደልያ ነፍሳት ብፍላይ ከኣ ንድኻታት መዕቆቢ ከምዝኸውን እውን ከምዝሓበራ ኣብ መንፍሳዊ ጽሑፋታ ተመልኪቱ ከምዝርከብ ዲ ቡሶሎ የዘኻኽሩ።

ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ፥ ምሕረትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንሕሙማንን

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1995 ዓ.ም. ኣብቲ ጥቓ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ሓዎጾተ ኖልዎ ፈጺሞም፥ “እታ ቤተ ክርስቲያን ጥቓ እቲ ሞኽሳ ዝኾነ ቤት ሕክምና እትርከብ ብምዃና ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንሕሙማንን ናይ መሎኮታዊ ምሕረት መንፈሳውነት ማእከልን እዚ መንፈሳውነት’ዚ ዝነቓቕሓሉን ክኸውን ሓደራ ከምዝበሉ እውን ዲ ቡሶሎ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ በዓል ንዝሳተፍ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ልክዕ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ 2000 ዓ.ም. ብናይ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ኣቢሎም ሰንበት ድህረ በዓለ ፋሲካ ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ንዝሓብሩ ንኽብሪ መሎኮታዊ ምሕረት ካብ ኵሉ ሓጢኣት እርሕቕ ዝብል ዝኑዕ ፍቓድን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣቡነ ዘበሰማያትን ተኣምኖተ ሃይማኖትን ጸሎት ኢየሱስ ጐይታ መሎኮታዊ ምሕረትን ዝደግም ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገው እዩ ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ ምልስ ቢሎም ይዝክሩ።

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል መሎኮታዊ ምሕረት ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ
18 April 2020, 16:04