ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዋሜ ቫቲካናዊ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣጽዲቖም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዋሜ ቫቲካናዊ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣጽዲቖም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዋሜ ቫቲካናዊ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ኣጽዲቖም

ኣልቢኖ ሊቻኒ (ካብ ዕለት 26 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 28 ምስከረም 1978 ዓ.ም. ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ) ድርሳናቶምን ትምህርቶምን ሃይማኖታውን ባህላውን ውርሻታቶም ማእከል ዝገብር ዓውደ መጽናዕትታን ዓውደ ጉባኤን ናይ መጽናዕቲ ዓውደ መድርኻትን ዘነቓቕሕን ዘሳልጥን ማሕበር ንኽቐውም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ፍቓድ ከምዝሃቡን፡

ማሕበር ኣልቢኖ ሉቻኒ -  ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓርሊኒ ዝምራሕ ኮይኑ ክቐውም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዘፍቀዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ስልጣናዊ  ትምህርቲ እዋናውን ምዃን ክንገር እንከሎ፡ ቀረባን ትሑትን ገርሄይናን ጽኑዕ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ብጻይን ምትሕብባርን ዝብል መግለጺኦም ከምዝኾነ ናይ ታሪኽ ሕይወቶም የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ተክለ ሰብነትን ሚሳልን ትምህርትን ዘዕሙቕን ነዚ ምዃን’ዚ ሕይወት ዝህብ ቫቲካናዊ ማሕበር ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ንክቐውም ዝቐረበ ሕቶ ይኹንታ ከምዝሃብሉ ዜና ቫቲካን ክሕብር እንከሎ፡ ኣልቢኖ ሊቻኒ (ካብ ዕለት 26 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 28 ምስከረም 1978 ዓ.ም. ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ) ድርሳናቶምን ትምህርቶምን ሃይማኖታውን ባህላውን ውርሻታቶም ትምህርቶምን ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕትታትን ዓውደ ጉባኤን ናይ መጽናዕቲ ዓውደ መድርኻትን ዘነቓቕሕ ማሕበር ክኸውን እንከሎ፡ ናይዚ ማሕበር ኣቦ መንበር ንኽኾኑ ብኣካል ንናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምዝሰመዩን ካርዲናል ፓሮሊን እውን በቲ ካብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተቐበልዎ መዝነት መሰረት ናይቲ ማሕበር ቤት ምኽሪ ምሕደራ ኣቑይሞም ኣባላት ከምዝሰመዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይዚ ቤት ምኽሪ ኣባላት ንኽዀኑ ዶክተር ስተፋኒያ ፋላስቻን ብምኽትል ኣደ መንበርን ብጹዕ ካርዲናል በኒያሚኖ ስተላን ብጹዕ ኣቡነ ኣንድረያ ቸሊን ኣባ ዳቪደ ኪዮኮን ዶክተር ሊና ፐትሪን ዶክተር ኣልፎንሶ ካውተሩቾን ከምዝሰመዩ ኣፍሊጡ።

ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊኒ

ኣልቢኖ ሊቻኒ (ካብ ዕለት 26 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 28 ምስከረም 1978 ዓ.ም. ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ) ድርሳናቶምን ትምህርቶምን ሃይማኖታውን ባህላውን ውርሻታቶም ማእከል ዝገብር ዓውደ መጽናዕትታን ዓውደ ጉባኤን ናይ መጽናዕቲ ዓውደ መድርኻትን ዘነቓቕሕን ዘሳልጥን ማሕበር ንኽቐውም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ፍቓድ ከምዝሃቡን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ታሪኻን ኣብነት ዝነበሩ ኣብነቶም ሎሚ ኣውን ጉሊሒ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምዝረአይን፡ ከምቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፥ እቲ ኣብነታውነቶም  ምስቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሕይወት ኣብ ዘገልገልሉ ሓጺር እዋን ዝተመጣጠነ እዩ፡ ታሪኽ ኣልቢኖ ሉቻኒ ጓሳን ቀረባን ንሕዝቢ፥ ኣብቲ ናይ እምነት ሕመረት ዘተኮሩን ፍሉይ ማሕበራዊ ቅድውነት ዝነበሮምን፡ ስልጣናዊ ትምህርቶም እዋናውን ቅርበትን ትሕትናን ገርሀይናን ጽኑዕ ኣብ ምሕረት እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ንብጻይን ምትሕብባርን ዝብል መስተውዓሊ መግለጺ መንነቶም ምዃኑ ይንገርን ብታሪኽ ምስኩር እውን እዩ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ተመክሮ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነበሩን ኣብቲ ሓጺር እዋን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሕለፍዎ ሕይወቶም ንዕብየትን ስጉምትን ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ግብሪ ዘውዓሉን ናይ ቤተ ክርስቲያን ልኡከ ወንጌላውነት ዘበራቱዑን ሲኖዶሳውነት ወይ ጉባእያውነት ቤተ ክርስቲያንን ኤቅለሳዊ ድኽነት ኣብ ኣገልግሎት ዘተባብዑን ዘተሓሳሰቡን ኣብ ፍትሕን ሰላምን ኣብ ዝብሉ ክብርታት ጸኒዖም ኣብ ድልያ ሓድነት ክርስቲያንን ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምስ እዋናውነትን ዓለም ለኽካውን ናይ ሓባር ዘተ ብትብዓትን ብውዕዉዕ ስምዒትን ቀልብን ዘነቓቑሑን ዘተኮሩን ከምዝነበሩ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብጹዕ ፓሮሊን ነተን ናይ ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማዊ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ትምህርቶም ዘኪሮም፡ ኣብ ኤቅለሳዊ  ድኽነትን ኵላዊ ሕውነትን ጭቡጥ ፍቕሪ ንድኻታትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ተግባር ዘነቓቕሑን ዕለት 10 መስከረም 1978 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንናይ ሓባር ጸሎት ዓዲሞምን ዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካን ቀንዲ ተልእኾ ካብ እምነት ዝነቕል ምዃኑ ዘነጸሩን . . . ልባትና ንኹሉ ሕዝብን ባህልታትን ዓሌትን ክፉት ክኸውን እንክብሉ በማኢት ዝቑጸረ ናይ ዓለም ሓቆፍ ልኡካነ ወንጌል ወከልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዘስመሩሉን ዕለት 10 መስከረም 1978 ዓ.ም. ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ  ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖት ንጸሎት ከምዝዓደሙን ብጹዕነቶም ዘኪሮም . . .  ኣብ ሓሴትን ተስፋን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኮረ ምስቲ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝጣመር ሓዋርያዊ መርሕነቶም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ናይ ሕዝቢ ስቓይን ጽምኢ ፍቕሩን ቀረባ ናይ ምዃን ጸዋዕታኣ ዘተባብዑ እዮም እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ይገልጽዎም።

 

29 April 2020, 17:07