መለኰታዊ ምሕረት መለኰታዊ ምሕረት 

ፍራንቸስኮን ካሮልን መለኰታዊ ምሕረትን፥ ኣብዚ ክቢድ እዋን ንዝሳቐዩ

እናቴ ፋውስቲና ኣብቲ ዝሰነደቶ መንፈሳዊ ድርሳና ኣብ ፍቕዲ 699፥ “እቲ ዝደልዮ በዓል ምሕረት - እቲ ሞት ስዒሩ ዝተስኤ ኢየሱስ ብኽልተ ድሙቕ ብርሃን ተሰንዩ ናይ ነፍሳት ዕርዲ መታን ክኸውን ሰብኣዊ ፍጥረት ናብቲ ምንጪ ዝዀነ ምሕረተይ ክሳብ ዘይተማሕጸነ ሰላም ኣይክረክብን እዩ” ከምዝበላ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዕለት 19 ሚያዝያ ቤተ ክርስቲያን እቲ ቅድሚ 20 ዓመት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንእናቴ በጽእት ፋውስቲና ኮዋልስካ ቅድስና ኣብ ዝዓወጅሉ ዕለት ዝደንገግዎ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝበዓል ዓመታዊ በዓለ መሎኮታዊ ምሕረት እተብዕለሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም ንምእመናን ፖላንድ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፍጻሜ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንመመናን ፖላንድ ሰላምታ ከቕርቡ እንከለዉ “ኢየሱስ ንእናቴ ፍውስቲና ኮዋልስካ፡ ሓዋርያ መለኮታዊ ምህረት ተባሂላ እትጽዋዕ ኣብ ፖላንድ ዓቢይ ኣኽብሮት ዘለዋ” ኣብ እዋን ቀዳማይን ደሓር እውን ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ነቲ ካብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ዝተቐበለቶ ራእይ”  እቶም ካብ ፖላንድ ዝመጹ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 30 ሚያዝያ 2000 ዓ.ም.መልሲ ከምዝሃቡሉን እነሆ ዕለት 19 ሚያዝያ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን “በዓለ መሎኮታዊ ምሕረት” ክበዓል ከምዝኣወጁን ኣዘኻኺሮም ንመላእን ኣብ መላእን ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ በዓል እዩ እንክብሉ ከምዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

መለኰታዊ ምሕረት
መለኰታዊ ምሕረት

ፋውስቲና ዝተቐበለቶ ራእይ

እናቴ ፋውስቲና ኣብቲ ዝሰነደቶ መንፈሳዊ ድርሳና ኣብ ፍቕዲ 699፥ “እቲ ዝደልዮ በዓል ምሕረት - እቲ ሞት ስዒሩ ዝተስኤ ኢየሱስ ብኽልተ ድሙቕ ብርሃን ተሰንዩ ናይ ነፍሳት ዕርዲ መታን ክኸውን ሰብኣዊ ፍጥረት ናብቲ ምንጪ ዝዀነ ምሕረተይ ክሳብ ዘይተማሕጸነ ሰላም ኣይክረክብን እዩ” ከምዝበላ ተመላኽት፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ 2000 ዓ.ም. ሰንበት ድሕሪ በዓለ ትንሳኤ ንብጽዕት ፋውስቲና ቅድስና ኣብ ዝኣወጅሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ቅድስቲ ፋውስቲና ዝተቐበለቶ ራእይ ኢየሱስ ካብ ሞት ዝተንስኤ ብኽልተ ድሙቕ ጩራ ብርሃን ተዓጂቡን መላእ ዓለም ዘብርህ ከምዝነበረ ገሊጾም፡ ካብቲ ብሰይፊ ዝተወግኤ ጐኑ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝኸድን ምሕረት ወሓዘ” ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ የዘኻኽሩ።

መለኰታዊ ምሕረት
መለኰታዊ ምሕረት

ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ንመሓሪ ኢየሱስ ጸሎትና ነቕርብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእመናን ፖላንድ ዘቕረብዎ ሰላምታ፥ “ምእንቲ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ብፋይ ከኣ ነቶም ኣብዚ ጽንኩር እዋን ዝሳቐዩ ንዘለዉን ኣባና ተስፋን ናይ እምነት መንፈስ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ህያዊ ክገብር ንመሓሪ ኢየሱስ ንጸልይ” ከምዝበሉ ዲ ቦሶሎ ሓቢሮም።

መለኰታዊ ምሕረት
መለኰታዊ ምሕረት

ኣብ መሎኮታዊ ምሕረት ጥሙራት ዝዀኑ ክልተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት

መሎኮታዊ ምሕረት ብርግጽ እቲ ንዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዘተኣሳስር ዓቢይ ርእሰ ጉዳይ እዩ፡ እታ ናይ ዕለት 30 ሕዳር 1980 ዓ.ም. Dives in Misericordia - ብምሕረት ሃብታም ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 15 ዘዘንትዎ ታሪኽ ናይቲ ጥፉእ ውላድ ኣሞርኵይዞም ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብግብርን ብቓልን ዝነብርዎን ደሓር እውን ካብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ክሳብ ዕለት 20 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ኣብ ዝኣወጅዎ ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት የቃልሕዎ። ክልቲኣቶም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ብጹንኩር ታሪኽ ካብ ዝተፈተነ ሕብረተሰብን ካብ ታሪኻዊ ጸግማት ዝተነብሮ ከባቢ ጽመጹ እያቶም፡ እዚ ኢኹሉ ንሰብኣዊ ፍጥረትን ሰብኣውነትን መሰልን ክብረትን ዝብሉ ዓበይቲ ኣርእስታት ጥልቂ ኣስተውዕሎ ዘለዎም ምዃኖም ተስተውዕል። በዚ ኵሉ ጸገምን ሕቶ ድኻታትን ንመሎኮታዊ ምሕረት ኣዚዮም ቀረባ ክኾኑን እዚ መሎኮታዊ ምሕረት’ዚ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ዓለምን ናይ መሎኮታዊ ምሕረት ዘለዎ ሓይሊ ንምዝኽኻር ከምዝድርዀን ዲ ቦሶሎ ይገልጹ።

ፍራንቸስኮ፡ ምሕረት እቲ ዝበርተዔ ናይ እግዚኣብሔር መልእኽቲ እዩ

ድሕሪ ኣስታት 13 ዓመት ርሕቐት ዕለት 17 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ካርዲናል በርጎሊዮ ር.ሊ.ጳ. ኮይኖም ካብ ዝሕረይ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ  ድሕሪ እቲ ንብጹዓን ካርዲናላት ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቁምስና ቅድስቲ ሃና ንምእመናን ኣብ ዘዕረግዎ ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ “ንኣይ እቲ ዝዓበየን ዝሓየለን መልእክቲ እግዚኣብሔር ምሕረት እዩ፡ ንጻድቃን ኣይኮንኵን ዝመጻእኩ ንሳቶም ገዛእ ርእሶም ጻድቃን ገይሮም እዮም ዝርእዩ፡ ኢየሱስ ንሓጥኣን እየ ዝመጻእኩ ኢሉና እዩ፡ . . . ንምሕረት ገዛእ ርእስኻ ምውካፍ ቀሊል ኣይኰነ . . . ንኽትርድኦን ክትዕቅኖን ክትመዝኖን ዘይከኣል፡ . . . ጐይታ ኣብ ምሕረቱ ዘይደክም እዩ . . . ምህረቱ ኣብ ምሕታት እቶም ዝደክሙ ኣንሕና ኢና” ከምዝበሉ ዲ ቡሶሎ የዘኻኽሩ።

መለኰታዊ ምሕረት
መለኰታዊ ምሕረት

ፍራንቸስኮ ከም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘዕረግዎ ቀዳማይ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ኣብቲ ዘዕረግዎ ቀዳማይ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ፍራንቸስኮ፥ “ናይ እግዚኣብሔር ወጅሂ ምሕረት (መሓሪ ኣቦ)፡ ወትሩ ዕጉስን ዝጽበይን እዩ፡ ብዛዕባ ትዕግስቲ እግዚኣብሔር ሓሲብኩም ዶ ትፈልጡ? ንነፍሲ ወከፍና  ዘለዎ ትዕግስቲ? እምብኣር እዚ እዩ ምሕረቱ (ምሕረት እግዚኣብሔር)፡ ኣብ ምሕረቱ ዘይደክም ናብኡ እንምላስ እንተድኣ ኰይንና፡ መዝሙረ ዳዊት “እግዚኣብሔር ኣብ ምሕረቱ ዓቢይ እዩ” ዝብል ጠቒሶም፥ “ካርዲናል ካስፐር ምሕረት ምስ ብጥልቂ ምስ እትሰምዖ ኩሉ ይልወጥ - እዚ ምሕረት’ዚ ዝበለጸ ንሕና ምስ እንሰምዖ ዓለም ንዘበለጸ ይልወጥ፡ ንእሽተይ እውን ይኹን ምሕረት ምስ ዝስምዓናን ምስ እንነብሮን ዓለም ንዝበለጸ ይልወጥ፡ ቀዝሒ ዘይብሉን ቅኑዕን ይኸውን፡ እቲ ዕጉስ ዝዀነ መሓሪ ኣቦ ንኽንፈልጦ የድለየና ከምዝበሉ ዱ ቡሶሎ የዘኻኽሩ።

ኢዮቤል ምሕረት፡ እግዚኣብሔር ናይ ልቢ መዓጹ ጋሕ የብል

ቅዱስነቶም፥ “ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ወትሩ መሓሪ እዩ፡ ንዅላትና መሓሪ ልቢ ዘለዎ፡ ንሕና እውን ምስ ኩሉ መሓሪ ንኽንከውን ንመሃር፡ ነታ ዝተሰግወ ምሕረት እግዚኣብሔር ዝሓቖፈት ቅድስቲ ማርያም ኣማላድነታ ንለምን” እክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዘጠቓለሉን ኣብዚ ሓሳብ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ስልጣናዊ ትምህርቲ ጽማሬ ንረክብ። ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ Misericordiae vultus - ወጅሂ ምሕረት ብዝብል ኣርእስቲ ኢዮቤል ናይ ምሕረት ዓመት ኣብ ዝዓወጅሉ ማሕተም፥ በቲ ዘደንቕ ወትሩ ዘፍቕረና ምዃኑን ምሳና ሕይወቱ ክካፈል ዝደልይ እግዚኣብሔር መዓጹ ልባትና ጋህ ኣቢሉ ንምኽፋት ዘይደክም እዩ” ስለዚህ ብኣኡ ዝድነቑ ንኽንከውን ገዛእ ርእስና ንፍቀደ እንክብሉ ይዕድሙና።

መለኰታዊ ምሕረት
መለኰታዊ ምሕረት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ዝነብርዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘምሕረትን ከምኡ እውን ንፈለማ ግዜ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በቢ ዓመት ዝዝከር ዝኣወጅዎ ናይቲ ዝተነብረ ኢዮቤል ቅዱስ ናይ ምሕረት ዓመት ጸጋ ዝዀነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታትን ኣብ መንጐ ኢየሱስ እታ ኣመንዝራን ዝተኻየደ ርክብ ወንጌላዊ ዮሓንስ ዘዘንትዎ ታሪኽ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብ መንጐ Misericordia et misera - ምሕረትን ሓሳርን ዝተኻየደ ርክብ እንክብል ዝገለጾን ሓሳብ መሰረት ነዘን ክልተ ቃላት ኣርእስቲ ገይሮም ኣብ መዛዘሚ ኢዮቤል ናይ  ምህረት ሓመት ንንባብ ዘብቅዕዎ ሓዋርይዊ መልእኽቶም ኣብ መዛዘሚ ናይ ምሕረት ዓመት ካህናት ጽንሲ ናይ  ምንጻል ሓጢኣት ክፈትሑ ስልጣን ከምዝሃቡን ብናይ ንስሓ ሚስጢር ምሕረት እግዚኣብሔር ንኽንዕደል ይምዕዱን፥ ኣብ ንስሓ ልክዕ ኣብ መወዳእታ ኢየሱስን እታ ኣመንዝራን ዝተረፉ፥ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኣና ሓጥኣን ንኸፍቅረና ክመጽእ እንከሎ ዘሎ ርክብ፥ ምሕረትን ሓሳርን ከሰስትኻ ኵሎም ይኸዱ እሞ ምሕረትን ሓሳርን በይኖም ይተርፉ እንክብሉ ዝተንተንዎ ሓሳብ መሎኮታዊ ምሕረት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ስልጣናዊ ትምህርቲ ማእከል ምዃን የረጋግጽ።

ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 3 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣባላት ተቐቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣብ ምሕረት ዘተኮረ ከምዝነበረን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጠቒሶም፥ ናይ ጐይታ ናይ ግብረ ምሕረት ምእከል ኢና ሎሚ እውን! ዝብል ሓሳብ እውን ከምዘስመሩሉ ዘዘኻኸሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፥

ካሮል፥ እውነተይና ምሕረት ናይ ሕድ ሕድዊ ተግባር እዩ

“ምሕረት ሓደ ጐናውነት ኣይኮነን ሕድ ሕዳዊ እዩ፥ [ . . . ] ምዚ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ናይ ፍቕሪ ተግባር ከምዝኾነ ክስትውዓል ዝኽእል እንህቦ ምሕረት ዝቕበሉ ክህልዉ እነስተማቕሮ ሓቂ እዩ፥ ክልተ ጐናውነት እዩ፡ ኣንሕና እውን ብወገንና ክንትግብሮ እንከለና፡ ምሕረት ኣብ ምሃብ ምቕባል ምሕረት ኣሎ፡ እዚ እንተድኣ ተዘንጊዑ ተግባራትና እውነተይና ናይ ምሕረት ተግባር ኣይኰነን ማለት እዩ” እንክብሉ ካሮል ዎይትይላ እውነተይና ምሕረት እንታይ ማለት ምዃን ከምዝመዓዱ የዘኻኽሩ።

ፍራንቸስኮን ካሮልን መለኰታዊ ምሕረትን፥ ኣብዚ ክቢድ እዋን ንዝሳቐዩ

Photogallery

መለኰታዊ ምሕረት
16 April 2020, 15:41