ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ ዝተንስኤ ናይ ሓድሽ ተስፋ መሰል ይጽግወና

“ንሕና ነጋድያን ደለይቲ ተስፋ” ከምተን ካብቲ ጥርሑ ዝነበረ መቓብር ዝምለሳ ዝነበራ ኣንስቲ ኣብቲ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ዝጸገዎ ህይወት ንተሓቛቕፍ፡ እዚ ሕይወት እዚ ኣብቲ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ኣብ ዝሓብር ዘሎ መላእ ዓለም እቲ ”ናይ ሞት ገዓርን ውግእን ዘይኮነ መግቢ ዕለት ዘድልዮን “ምህርትን ንግድን ኣጽዋር ውግእን ጽንሲ ምንጻልን” መታን ክዕበስ ማህሌት ክኸውን ኣለዎ

ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ኣብታ ቅድስቲ ለይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ እግዚኣብሔር “ካብ መቓብር ንዘተንስኦ” ናይ ሕይወት ማህሌት ክብ የብሉ፡ ንኢየሱስ ኣብ ፍርሕና ትብዓት ክጽግወና ንሕተቶ እንክብሉ ንኸይነስተልም ይዕድሙ፡ ምስኡ ጥራሕ እዩ ኩሉ ሰናይ ዝኸውን፡ ኣብ ናይ ሞት እዋን ክርስቲያን “ሕይወት ዘበስሩ ይዅኑ”፡ ውግእን ወረ ውግእን ደው ክብልን ሕይወት ምንጻልን ክግታእን ጻውዒት የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ጸላምን ደልሃመትን ናይቲ ዝተንስኤ ኢየሱስ ብርሃን እቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ዘይበርስ “ናይ ሓድሽ ተስፋ መሰል” ይጽግወና፡ ምኽያቱ ንሱ “ካብ መቓብር እውን ሕይወት ዘተንስእ እዩ”። ኣብ “ጸሎት ልብና ምኽፋት” ጥራሕ እዩ ዝኣክል፡ ዝዀነ ይኹን እቲ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ “ፍቕሪ ክዘምተና ኣይከኣሎን፡ ኣብቲ  ናይ ሞት እዋን ሕይወት ዘበስሩን ዘተባብዑን ክርስቲያን” ስለ ዝዀንና ነቲ ዝተቐበልናዮ ናይ ተስፋ ብስራት ኣብቲ “ዝተባርከ ቀጽርታትና ኣይንዕጸዎ”።

ነቲ ናይ ሞት ገዓር ሱቕ ዘብል ናይ ሕይወት ማህሌት

ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ቅዱስቲ ለይቲ እቲ ቅዱስ ኣቦና ካብ መንበረ ታቦት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሕይወት ማህሌት እዩ ክብ ዘበሉ። “ንሕና ነጋድያን ደለይቲ ተስፋ” ከምተን ካብቲ ጥርሑ ዝነበረ መቓብር ዝምለሳ ዝነበራ ኣንስቲ ኣብቲ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ዝጸገዎ ህይወት ንተሓቛቕፍ፡ እዚ ሕይወት እዚ ኣብቲ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ኣብ ዝሓብር ዘሎ መላእ ዓለም እቲ ”ናይ ሞት ገዓርን ውግእን ዘይኮነ መግቢ ዕለት ዘድልዮን “ምህርትን ንግድን ኣጽዋር ውግእን ጽንሲ ምንጻልን” መታን ክዕበስ ማህሌት ክኸውን ኣለዎ።

ብርሃነ ክርስቶስ

እቲ ብዓቢይ በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ መእተዊ ብርሃነ ሰማይ ተኸፊቱን ሓድሽ ብርሃን ብምብራኽ ተበጊሱን ቅዱስነቶም ተዓጂቦም ናብ መንበረ ታቦት ምስ በጽሑ እቲ ብርሃን ሰማይ መእትው ንኽዕጸው ብርሃነ ክርስቶስ መዝሙር ምስ ተሰምዔ ዲያቆን ናይ ትንሳኤ ብስራት ተሃሰዩ ዝብል መዝሙር ብላቲን ቋንቋ የስምዕ።

ቀዳም ጸላም እዩ ዝነበረ ከምቲ ዘለናዮ እዋን

ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓት ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ናይ ብርሃን ሊጡርጊያ ኣብ ዘዕረግሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 28 ካብ ፍቕዲ 1-10 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እቲ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ዝተነበ ዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ዘበስር ክፍሊ፡ ካብታ ሻብዐይቲ ዓባይ መዓልቲ ጽሞና ካብ ዝዀነት እዩ ዝብገስ፡ እዚ ሱቕታን ጽሞናን እዚ ብዝያዳ ኣብ እነስተውዕለሉ እዋን ንርከብ፡ ኣብተን ኣንስቲ ዝነበረ ስምዒት እቲ ሎሚ ንሕና እንበብሮ ዘሎና እዩ ዝመስል፡ ኣብኣተን ገዛእ ርእስና ንርእይ፡ “ኣብ የዕንተን ስቓይ ዝረኣየን ዝነበራ . . . ሞት ዝረኣያን ኣብ ልበን ሞት ዝነበረን” ንሳተን እውን ከምቲ ናይቲ መምህር ፍጻሜ ዘጋጥመን ኰይኑ ስለ ዝተሰምዐን ዶ ይኽከውን? ልክዕ ከማና “ንኣኣተን እቲ እዋን ኣዚዩ ጽልሙት” እዩ ዝነበረ . . .

እተን ኣስንትን ማርያምን ናይ ተስፋ ዘርኢ ይዘርኣ

ነቲ ፍቕሪ ዘይጠለማ “ኣብቲ ናይ ልቢ ጸልማት ምሕረት ይውልዓ . . . ማርያም እመ ጽሙረ ድሕሪ ፋሲካ ዘሎ መዓልቲ ንዓኣ ዝተወከፈላ ጸላይት ኣብ ስቓይ ኣብ ጐይታ እምነት ዝገበረት”፥ በዚ ኣግባብ እዚ ኣቢለን ነቲ ታሪኽ ዝቕይር መዓልቲ ይሰናደዋ ነይረን”።

ኢየሱስ ከምቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዓለም ሓድሽ ሕይወት ንኸጥጥዕ ኣብ ዝሰናደወሉ እዋን፡ እተን ኣንስቲ ብጸሎትን ብፍቕርን ነቲ ተስፋ የዐንብባ፡

ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ዘሕዝን እዋን ከምተን እተን ኣንስቲ ዝገበርኦ ተስፋ ዝዘሩኡን ዝዘርኡን ብዙሓት ኣለዉ! ብነኣሽቱ ናይ ምክንኻንን ናይ ሓልዮትን ጸሎትን ተግባራት”

ናይ ኢየሱስ ተስፋ ርጉጽ እምበር በናኒ ኣይኰነን

ኣብ ወጋሕታ እተን ኣንስቲ ኣብቲ ናይ መቓብር ስፍራ ምስ መላእኽቲ ይራኸባ፡ “ኣይትፍርሓ - ኣብዚ የሎን ተንሲኡ እዩ”፡ ይብልወን ደሓር ምስ ኢየሱስ ይራኸባ ንሱ ኸኣ “ኣይትፍርሓ”ይብለን፡ እዚ ናይ “ተስፋ ብስራት” ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፡ ሎሚ “ንዓና እውን ኣብቲ እነሕልፎ ዘሎና ጸላም እግዚኣብሔር ዝብሎ ቃል እዩ”።

ኣብዛ ለይቲ እዚኣ ማንም ክዘርፎ ዘይከኣሎ ሓደ መሰረታዊ መሰል ንዕወት፡ ናይ ተስፋ መሰልን ክብርን፡ ካብ እግዚኣብሔር ዝመጽእ ሓድሽን ህያውን ዝኾነ ተስፋ”

እዚ ሃውጺ ትስፉውነት ወይ ከኣ ኣጆኻ ዝብል ዝባን ጠፍ ምባልን ከከም ኣጋጣሚ በርትዕ ምባልን ሓላፊ ፍሽኽታን ማለት ኣይኮነን፡ ካብ ሰማይ ዝመጽእ ጸጋ እዩ፡ ባዕልና ክንረኽቦ ዘይከኣለና እዩ፡ ኣብ ዝስዕቡ ሰሙናት ብትብዓት ኩሉ ሰናይ ክኸውን እዩ ንበል፡ ማዓልታት ምስ ዝሓለፍን ፍርሒ ኣናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እቲ ቆራጽ ተስፋ እንብሎ እውን ከነብንኖ ዝከኣል እዩ፡ እቲ ናይ ኢየሱስ ተስፋ ግና ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ኣብ ልባትና እግዚኣብሔር ኵሉ ናብ ሰናይ ክቕይሮ እዩ ዝብል ርግጽነት ዘንብር።

ምርኰ ኣይፋል ንበል፡ እግዚኣብሔር ንበይንና ኣይሓድገናን እዩ

ከምእንፈልጦ “መቓብር ሓንሳብ ምስ ኣተኻዮ ዘይትወጾ እዩ” ኢየሱስ ግና ወጺኡ እዩ፡ ምእንታና ተንሲኡ እዩ፡ ኣብቲ ሞት ዘለሉ ሓድሽ ህይወት ንኸብጽሕ፡ ኣብቲ እምኒ ተነቢርዎ ዝነበረ ሓድሽ ታሪኽ ንከበግስ፡ ልክዕ ክምቲ እቲ መቓብር ተዓጽዩሉ ዝነበረ ከቢድ እምኒ ዝተገልበጠ፡ እቲ ንልባትና ዝዓጽው ነቕ ዘይብል መላሕጐ ዝኣልይ” ስለዚህ “ንምርኰ ኢድና ኣይንሃብ” ተስፋ ንግበር ክንገብር እውን ግቡእ እዩ፡ ስለምታይ “እግዚኣብሔር እሙን እዩ” ጠሪሹ “በይንና ኣይሓደገናን” ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነት “ዝመጸን ዝመጽእን ኣብ ስቓይናን ኣብ ምጭናቕናን ኣብ ሞትን ዝመጽእ”፡ እቲ  ናይ መቓብር ጸልማት ዝዀለዔ ናቱ ብርሃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሕይወት ኵርናዕ ጸላም ክበጽሕ ዝደልይ እዩ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ልብኻ እታ ተስፋ ዝቐበርካያ እውን እንተዀንካ ኢድካ ኣይትሃብ”፡ ምስ እግዚኣብሔር ዝጠፍእ ሓደ’ኳ የልቦን፡ ጸላምን ሞትን ናይ መደምደምታ ቃላት ኣይኰኑን”፡

ንእግዚኣብሔር ልብና እንተድኣ ከፊትናሉ ንሱ ትብዓት ይጽግወና

“ትብዓት (ቆራጽ) ዝብል ቃል ኣብ ወንጌል ኢየሱስ ጥራሕ ዝተጠቐመሉ ቃል ዳርጋ ክበሃል ይከኣል፡ “ኣብ ጉዕዞ ተኣፋፍን ድኹምን ኣንተድኣ ኴንካ እንተወደቕኻ ኣይትፍራሕ እግዚኣብሔር ኣእዳውካ ክሕዘካ እዩ - በርትዕ- ይብለካ” . . .

ነዓ ኢየሱስ፡ ኣብ ፍርሐይ ንዓይ እውን በርትዕ በለኒ” ምሳኻ ጐይታ ኣብ ፈተና እውን ንሃሉ ኣይንናወጽን! ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ውሽጥና እውን ሓዘን እንተሃለወ ተስፋ ክንገብር ከምዘሎና ነስትውዕል፡ ስለምንታይ ምሳኻ እታ መስቀል ናብ ትንስኤ እያ እትበርቕ፡ ንስኻ ኣብቲ ጸልማት ለይትና፥ ኣብቲ ዘይርጉጽነትና ርጉጽና፥ ኣብ ጽሞናና ቃልን ነቲ ንኣና ዘሎካ ፍቕሪ ሓደኳ ዝምንዝዓና የልቦን!

እግዚኣብሔር ከምዘፍቕረካ ብምስትውዓል ኣብ ጉዕዞ ምብጋስ

ናይ ፋሲካ ብስራት፥ እንቕበሎ ተልእዀ ናይ ተስፋ ብስራት እዩ፥ “ኣይትፍርሓ፡ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም” እንክብል ከምእተዛረቦ . . .

ናብ ገሊላ ምምላስ፥ ብኣኡ ምፍቓርናን ከምእተጸዋዕናን እንዝክረሉ ስፍራ፥ ተዘክሮ፥ ነፍሲ ወከፍና ናቱ ናይ ገሊላ ታሪኽ ኣለዎ፡ ብናጻ ካብ ዝተቐበልናዮ ናይ ፍቕሪ ጸዋዕታ ከምእንውለድን ዳግም እንዓብን ከምዝኾንና ብምዝካር ኣብ ጉዕዞና ንበገስ፡ ኣብታ ናተይ ገሊላ፡ እዚ እዩ እቲ ዘገድስ ነጥቢ፡ ካብቲ ዝተበገስካሉ ምጅማር፡ ብፍላይ ቅልውላው ክህሉን ኣብ እዋን ፈተናን፡ ኣብ ዝኽሪ ናተይ ገሊላ፡

ክርስቲያን፥ ኣብ ግዜ ሞት ኣብሰርቲ ሕይወት

“ገሊላ ይብሉ - ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ - ኣብቲ እዋን ካብ ኢየሩሳሌም ኣዚኣ ዝረሓቐትን ፍልይትን ካብ ዝተፈላለያ ባህልታት ዝመጹ ዜጋታት እተእንግድ ከምዝነበረት ሓቢሮም፥ ስለዚህ እቲ ናይ ተስፋ ብስራት ኣብ ዝተባርኵ ቀጽርታትና ተወሲኑ ክተርፍ የብሉን፡ ናብ ኩሉ ክበጽሕ ኣለዎ ይብሉ፡ ካባና ካብቶም ናይ ሕይወት ቃል ብኢድና ዝተንከፍና ኵሉ ምጽንናዕ የድልዮ፡ “ዘጸናንዑ ክርስቲያን ምዃን ክንደይ ባህ የብል፡ ናይ ካልኦት ጾር ዝስከሙን ዘበራትዑን ኣብ እዋን ሞት ሕይወት ዘበስሩን!”፡

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገሊላ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ዓለም ናይ ዝርከብ ሰብኣዊ ፍጥረት ኩሉ ኣካል ኢና~ ስለምንታይ ኣሕዋትን ኣሓትን ስለ ዝዀንና፡ ናይ ሕይወት መዝሙር ነብጽሕ!

ናይ ሞት ገዓር ኵሉ ትም ነብል፥ ውግእ የብቕዕ! ምህርትን ንግድን ኣጽዋር ውግእ ደው ይበል! እቲ ዘድልየና እንጌራ እምበር ብረት ኣይኰነን”

ናይ ንጹሓን ሕይወት ዝቕንጽል፥ ምንጻል ጽንሲ ደው ይበል! ነተን ጥርሐን ዝኾና እዳው ብመሰረታዊ ኣድላዪ ኩሉ ክመልኣ መታን ልቢ ናይቶ ርዅባት ክፉት ይኹን፡

ንሕና ነጋድያን ደለይቲ ተስፋ ኣብቲ ትንሱእ ንተሓቛቖፍ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፥ እተን ኣንስቲ “ንኢየሱስ ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ” ነተን ሞት ዝረገጻን ተስፋ ዘርሃዋን ኣእጋሩ” ምእንቲ’ዚ “ንሕና ነጋድያን ደለይቲ ተስፋ” ኣብቲ ዝተንስኤ ኢየሱስ ንተሓቛቖፍ፥ ንሞት ሕቖና ንሃብ፡ “ልባትና ንኣኻ ሕይወት ዝኾንካ ነርህው እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ዛዚሞም።

12 April 2020, 13:13