ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ጸሎት መቝጸሪያን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ጸሎት መቝጸሪያን 

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ጸሎት መቝጸሪያን

ኣብ 1937 ዓ.ም. ፒዮስ መበል 11: ምእመናን ክሳብ እቶም ጸላእቲ መሎኮት ኵሎም (. . .) ርእሶም ዘድንኑን ናብ ንስሓን ጣዕሳን ከብሉን ናብቲ ቅኑዕ መገዲ ክሳብ ዝምለሱን ኵሉ ንሓለዋን ክንክንን ማርያምን ንኸነማሕጽን ጸሎት መቝጸሪያ ክትደግሙ እላበው”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጸሎት መቝጸሪያ ኣብ እዋን ምፍንትታን በይናውነትን፡ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ቤትን ኣብ ማርያማዊ ወርሒ ግንቦት ሓደራ ይብሉ፡ ኣብ ወንጌል ዝተወሰጠ ዘመናት ዘቑጸር ህዝባዊ ጸሎት፡ ር.ሊ.ጳ. ሲስቶ ራብዓይ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጸሎት መቝጸርያ ብወግዑ ኣጽዲቖምን ደንጊጐምን ክጸልይ ከምዝወሰኑን፡ ቅድሚ ምጽዳቑ ቅድሚ ክልተ ዘመን ጸሎት መቑጸሪያ ምናልባት ነቶም ከንብቡን ክጽሕፉን ዘይክእሉ ንዝነብሩ ንምሕጋዝ ተበሂሉ ካብ ገዳመ ሲታውያን ዝተበገሰ ይኸውን ተባሂሉ እዩ ክንገር እንከሎ፥  

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስዒቡ 150 ግዜ ሰላም ነዓኺ ይድገም ከምዝነበረን ደጋጊምካ ንማርያም ሰላም ንዓኺ ኣናበልካ ሰላምታ ምቕራብ ኣኽሊል ጽገሬዳ (ናይ ዕምባባ ኣኽሊል)- ሮሳሪዩም (ብቋንቋ ላቲን) ንቅድስቲ ማርያም ከም ምቕራብ ይሕሰብ፡

ክልተ ዘመን ንቕዋሜ ጸሎት መቚጽሪያ

ኣብ 15 ክፍለ ዘመን ብዶመኒካውያን ድጋፍ ኣብ ናይ ኢየሱስ ሕይወት ዘስተንት ኮይኑ ብጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ምንጋወ ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ዶመኒካዊ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣንቶኒዮ ጊስለሪ ደሓር ተኽከታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽኾኑ ዝተሓርዩ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስና መጸውዕ ስሞም ፒዮስ ሓምሻይ፥ ጸሎት መቝጸርያ ብ 15 ሚስጥራት ተሰንዩን ዕለት 7 ጥቅምቲ 1571 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ ማርያም ዘሮዛሪዩም በዓል ከምዝደንገጉ ናይ ቤተ ክርስቲያ ናይ ታሪኽ ማህደር የመላኽት።

ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2002 ዓ.ም. ጸሎት መቑጸርያ ብሓሙሽተ ሓደስቲ ምስጢርት ምሉእ ገይሮሞን እዚ 20 ኣቡነ ዘበሰማያትን 20 ስብሓት ንኣብን 200 ሰላም ገብርኤልን ዝጠርነፈ ጸሎት ምሉእ ጸሎት መቑጸርያ ኣብ ናይ ደስታን ናይ ብርሃንን ሕማምም ክብሪን ብጠቕላላ ኣብ ኣርባዕቲ ምስጢራት ዝከፍፈል ኰነ፡ ካብ ብ1571 ክሳብ 2002 ዓ.ም. ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘይ ምቍራጽ ንጸሎት መቝጸሪያ ቤተ ክርስቲያንን መላእ ምእመናን የተባብዑ። ሊዮነ ሻምናይ ኣብ ወረሒ መስከረም 1893 ዓ.ም. በታ Laetitiae Sanctae - ቅዱስቲ ሓሴት ብዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣቢሎም፥ ብዓቢይ ክንክንን በተገዳስነትን ሓልዮትን ዝድገም ጸሎት መቝጸሪያ ኣብ ውሽጡ ዝዓቝሮ ግብረ ገባዊ ሓይሊ ንውልቀ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነ ንማሕበረሰብ እውን ፍድፋድ ጸጋ ዘውሕዝ ምንጪ እዩ ንዝደግምዎ ጥራሕ ዘይኰነ ንሕብረተሰብ እውን ፍድፋድ ጸጋ የውሕዝ” ቢሎም ኣብ እዋን ዳግማይ ሰውራ ኢንዳስትሪ ኣብ ሕብረተሰብ ዘይምርድዳእ ዝፈጥርን ዘብእስን ንዝነበረ ግብረ እከይ ኩሉ ይኹንኑ።

ጸሎት ናይ ጽንኩር እዋን

ኣብ 1937 ዓ.ም. ፒዮስ መበል 11 ኣብቲ Ingravescentibus Malis – ወትሩ ኣናበኣሰ ንዝኸይድ ሓደጋ  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን “ብሔራዊ-ማሕብረሰብኣውነትን ስታሊናውነትን ብትዕቢት ተዋሒጡ ናይ ዝሓለፈን ዘሎን ዘመን ብዘይ ፍልልይ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን እዚዩ ክቡር ዝኾነ ጸሎት መቝጸሪያ ይነጽግ” ቢሎም ምእመናን ክሳብ እቶም ጸላእቲ መሎኮት ኵሎም (. . .) ርእሶም ዘድንኑን ናብ ንስሓን ጣዕሳን ከብሉን ናብቲ ቅኑዕ መገዲ ክሳብ ዝምለሱን ኵሉ ንሓለዋን ክንክንን ማርያምን ንኸነማሕጽን ጸሎት መቝጸሪያ ክትደግሙ እላበው” . . .  ካልኣይ ውግእ ዓለም ክልተ ዓመት ቅድሚ ምብራዑ ፒዮስ መበል 11 “ጸሎት መቝጸሪያ ጸላእቲ እግዚኣብሔርን ሃይማንትን ንኽስዓሩ ጥራሕ ዘይኮነ ወንጌላዊ ክብርታት ብጥበብ ከስርጽን ኣብ መንፈስና ክጥጥዕ ይገብር” ብዝብል ሓሳብ ኣቢሎም ሓይልን ጥልቀትን ጸሎት መቝጸሪያ የብርሁ።

ዮሓንስ መበል 23 ንዝውለዱ ሕጻናት ጸሎት መቝጸሪያ ይደግሙ

ዕለት 4 ግንቦት 1963 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ዮሓንስ መበል 23 ናይ ኢጣሊያ ህያው መቝጸሪያ ነጋድያን ተቐቢሎም ምስ ብዙሓት ህሙማን ሕጻናትን ተራኺቦም “ናይ የዕንትና መርዓት ዓይኒ ኢኻትኵም . . . ኣብ ንኡስ ዕድመዅም ናይ ጸሎት ኣብነት ኢኻትኩም . . . ኣብ መዓልቲ ክሳብ ዓሰርተ ሳዕ ጸሎት መቝጸርያ ደጋምያን . . . ብዘይ ጸሎት ሰማይ ብዘይ ከዋኽብቲ . . . ናይ ኣታኽልቲ ስፍራ ብዘይ ዕንባባ ማለት እዩ”  ከምዝበሉ ይዝከር።

ኣብ 1961 ዓ.ም. ዮሓንስ መበል 23 ናብ “ጉባኤ ሃይማኖት” ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ እቲ ጉባኤ ዝፈጠረሎም ሓጐስ ገሊጾም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልት ስለ ዝውለዱ ሕጻናት ዓሰርተ ሳዕ ጸሎት መቝጸሪያ ንድገም . . . ዝውለዱ ሕጻናት ንኢየሱስ ነወክፍ . . .” ከምዝበሉ ኣብቲ Grata Recordatio - ሓሴታዊ ዝኽሪ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 1959 ዓ.ም. ንንባብ ኣብ ዘብቅዕዎ ዓዋዲ መልእኽቶም . . . ጸሎት መቝጸሪያ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ብኣስተንትኖ ተሰንዩ ዝፍጸም ብሉጽ ጸሎት እዩ፡ ኣብ ምሉእ ዓመት ጸሎት መቝጸርያ ዘይንደግመላ መዓልቲ ከይትህሉ . . . ቢሎም ምእመናን ነቲ ዝተጸውዔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብጸሎት መቝጸሪያ ከሰንዩ ይዕድሙን . . . ።

ብዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣዚዩ ፍቱው ዝዀነ ጸሎት

ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንማርያም ዓቢይ ክብሪ ዘለዎም፥ Totus Tuus – ኵሉ ናትኪ ዝብል ቃል ናይ ሓዋርያዊነቶም መርሕ እዩ ዝነበረ፡ ኣብቲ 27 ዓመት ር.ሊ.ጵጵስናኦም ደጋጊሞም ጸሎት መቝጸሪያ የተሓሳስቡ፡ ኣብ 2002 ዓ.ም.  Rosarium Virginis Mariae - ናይ ድንግል ማርያም ጸሎት መቝጸሪያ፥ ብዝብል ኣርእስቲ ንንባብ ኣብ ዘብቅዕዎ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ሓደ ጸሎት ትሑት ብዝኾነ ረቛሒታቱ ንናይ ወንጌላዊ መልእኽቲ ዑምቀቱ ዘተኮረ እዩ . . . ኣብ ጸሎት መቝጸሪያ ኵሉ ካብዚ ጸሎት’ዚ ፍዳፍድ ጸጋ ይረክብ . . . ካብ ኣደ መድሓኒ ዓለም ኢድ ዝቕበሎ”። ኣብ 1978 ዓ.ም. ክልተ ወርሒ ድሕሪ ሕርየቶም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጸሎት መቑጸርያ ኣብ ንእስነቶምን ዝነበሮ ልዑል ስፍራን ኣዚዮ ፍቱዎም ጸሎት ምዃኑ ከምዝገለጹ ይዝከር። ኣብቲ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ከኣ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2002 ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ 2003 ዓ.ም. ናይ መቝጸሪያ ዓመት ከምዝኣወጁ ይዝከር፡ ምእመናን “ምስ ማርያም ሓቢሮም ወጅሒ ክርስቶስ” ብጸሎት መቐጸሪያ ኣቢሎም ከስተንትኑ የተሓሳስቡ።

ኣብ በርቂ ሳልሳይ ሺሓዊ፡ እቶም ተወላዲ ፖላንድ ር.ሊ.ጳ.፥ ጸሎት መቝጸሪያ ዕሽሽ ዝበሃል ከምዝመስልን ኣብዚ ፍሉይ ኣዋን ታሪኻውን እዋናዊ ቲዮሎግያዊ ጸሎት መቝጸሪያ ዘለውዎ ክብሪ ንምንእኣስን ናብ ሓድሽ ወለዶ ኣብ ምትሕልላፉ ንሓደጋ ዝተቓልዔ ይመስል” ቢሎም ናይ ኣቢያቲ ስድራ ጽንኩር ኩነታቱ ክዝክሩ፥ “በቲ ብዅሉ ጸፍሕታት ህልዮኣውን ተግባራውን ብዝኾነ በታታኒ ሰላሕታዊ ሓይሊ ዝተኸበ እዩ” ምእንቲ’ዚ ናይዚ መዋዕላዊ በታታኒ ሰላሕታ ሳዕቤናቱን ዘተኣታትዎ ቅልውላውን ንምድራት ጸሎት መቝጸሪያ ሓደራ” ይብሉ።

ናይ ጸሎት መቝጸርያ ሓድሽ ጽድያ

በነዲክቶስ መበል 16 ጸሎት መቝጸሪያ ከሕይወት፥ “ጸሎት መቝጸሪያ ግዚኡ ዝሓለፎ መንፈሳዊ ተግባር፡ ብናፍቖት እትዝኽሮ ክፍሊ ሕሉፍ ታሪኽ ኣይኮነን” እንክብሉ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ዕለት 3 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ጸሎት መቝጸሪያ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን ገሊጾም፡ “ጸሎት መቝጸርያ እቲ ሓድሽ ወለዶ ንኢየሱስን ነዲኡ ቅድስቲ ማርያንን ዘቕርቦ ብርቱዕ ዓደበተ ርቱዓን ካብ ዝብሃሉ ትእምርቲ ፍቕሪ ሓደ እዩ፡ ኣብዚ ኣዚዩ ዝተገማምዔ ህልው ዓለም እዚ ጸሎት’ዚ ክርስቶስ ማእከል ሕይወትና ንኽንገሮ ይሕግዘና” ከምዝበሉ ይዝከር።

ሰለስተ ዓመት ቅድም ክብል ኣብ ወርሒ ግንቦት 2003 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 “ጽሎት መቝጸሪያ ናይ ማርያም ገርሄይናነትን ዑምቐትን ንኽንመሃር ዝድግፍ ናይ ጸሎት ጥበብ እዩ” ቢሎም ምእመናን ጸሎት መቝጸሪያ ክደግሙ ይምዕዱ። ወርሒ ግንቦት 2006 ዓ.ም. በነዲክቶስ መበል 16 ምእመናን ጸሎት መቝጸሪያ ከበርትዑ ይምዕዱ፡ ኣብቲ እዋን ንሓደስቲ መራዑት ክምዕዱ እንከለዉ፥ “ኣብ ስድራ ቤት ጸሎት መቝጸሪያ ምድጋም ኣብ ትሕቲ ልግሲ ቅድስቲ ማርያም ኣብ መንፍሳውነት ዘዕብይ ህሞት እዩ” ንህሙማን ምዕዳን ክልግሱ እንከለዉ፥ “ብእምነት ናብ ማርያም ቅረቡን በዚ ኣገባብ’ዚ ኩሉ ዘድልየኩም ንኣኣ ኣወክፉ” ከምዝበሉ ይዝከር።

ኣብዚ ጽንኵር እዋን’ዚ

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመላ “ኣብዚ ዘሕዝን ብካህናትን ኣባላት ውፉይ ሕይወትን ዓለማውያን ምእመናንን ዝተፈጸመ ንምግምማዕ ዝዳረገ ናይ ወሲብን ስልጣንን ሕልናን ዓመጽ ምኽንያት፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓቢይን ከቢድን ስቓይ ኣብ እትርከቡሉ እዋን ቅድስቲ ማርያን ንቤተ ክርስቲያን ክትሕግዛ መታን” መላእ ምእመናን ጸሎት መቝጸሪያ ክደግሙ ሓድራ ከምዝበሉን፡ ፍራንቸስኮ “ኣብቲ ንማርያም ዝውከፍ ወርሒ ግንቦት ዋዜማ ብሓባር ብልቢ ማርያም ናይ ክርስቶስ ወጅሂ ነስተትን”፡ ጸሎት መቝጸርያ ከም መንፈሳዊ ስድራ ቤት የሕብረናን ፈተና ኩሉ ንኽንሰግር ይድግፈናን” ቢሎም ምእንቲ ህሙማን ጸሎቶም ዘየቋርጽ ምዃኑ ደጊሞም ከምዘረጋገጹ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዣን ሻርል ፑዞሉ ኣብ ዘቕረብዎ ዘገባ የመላኽቱ።

ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ጸሎት መቝጸሪያን
27 April 2020, 17:42