ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ዝመጸ ተኣምራዊ ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ዝመጸ ተኣምራዊ ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ 

ቅዱስ ሰሙንን የዕይንቲ ናብ ቅዱስ ምስሊ ስቝል ኢየሱስን

ኣብ ክርስቲያናዊ ባህሊ ስነ ጥበብን ጽባቔን ናብቲ ዓቢይ ሚስጢር ንኸነብልን ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያን ጸሎትን ዝሕግዝን ቅዱስ መጽሓፍ ንኽንፈልጥ ኣብ ምድጋፍ ዓቢይ ግደ ዘለዎ

ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ስብከትን ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ፊት ቅዱስ ቍርባንን ብራኬ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለም ኣብ ዝሃቡሉ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ኣብ ኣፈት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓደ ሸነኽ እቲ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝርከብ ድሕነት ሮማውያን እተሰምየ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያምን በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ዝርከብ ተኣምራዊ ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ከምእተነብረ ክዝከር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ቅዱስ ሰሙን፡ ኣብ ናይ ሊጡርጊያ ዓመት ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝዀነን ዕለት 5 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በዓለ ሆሳዕና ምኽንያት ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ዝመጸ ተኣምራዊ ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ኣብ ማእከል ድሕሪ መንበረ ታቦት ተነቢሩ ከምዝነበረን፡ እዚ ቅዱስ ምስሊ’ዚ ኣብ 1519 ዓ.ም. ተኸሲቱ ካብ ዝነበረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝተረፈን ኣብ 1522 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ተኸሲቱ ዝነበረ ብርቱዕ ሕማም ተላገብ ከብቅዕ ሕዝቢ ነዚ መስቀል እዚ ኣምሪሑ ዑደት ፈጺሙን ድሕሪኡ እውን እቲ ሕማም ተላገብ ከምዝጠፍኤ ኣብ ታሪኽ ተዘጊቡ ይርከብ። እቲ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ኣብ 1300 ዓመታት ካብ ዕንጨይቲ ዝተጸርበን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሕዝቢ ሮማ ንኣኡ ኣምሪሑ ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ዑደት ይፍጽም ከምዝነበረን፡ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅዱስ ዓመት ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. ኣብቲ ንመዓልቲ ምሕረት ተወኪፉ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክመጽእ ከምዝገበሩን፡ ሎሚ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ኵሉ ኣብ ገዝኡ ክውሸብን ክረሓሓቕን ዝብል ሕጹጽ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ መሰረት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምእመናን ብኣካል ክሳተፍሉ እውን እንተዘይከኣሉ ብምራኸቢ ብዙሓንን ብዓለም ሓቆፍ ናይ ተለቪዥን ማዕከናትን ናብ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ቤት ዝኣተወ statio orbis - ጸግዒ ዓለም፥  እቲ ለብዒ ኮቪድ 19 ከብቅዕ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ኣብ ዝፍፈጸምሉ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክቐውም ከምዘምጽኦ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ።

ቅዱስነቶም እቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ኣብ ዝፈጸምሉ እዋን ኣብ ሮማ ዝናም ከምዝነበረን እቲ መስቀል እውን በቲ ዝሃርም ዝነበረ ዝናም ክሕጸብ ኩሉ ነቲ ስነ ስርዓት ጸሎት ብመራኸቢ  ብዙሓን ድዩ ብማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ዝከታተል ዝነበረ ብፉሉይ ነቲ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ሓደ ካብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ (ዮሓ. 19,34)  ዝብልን ነቲ ናብ ኣቡኡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ ኣንክብል ዘዕረጐ ጸሎት ምእንታና ምእንቲ ኣብ ፈተና ንእንርከብ ኣብዚ እዋን’ዚ ምእንታናን ኣብ ነፍሲ ወከፍናን ዘዕርጐ ከምዝዀነ ንኸስትውዕል ይገብሮ። በቲ ዝሃርም ዝነበረ ማይ እቲ መስቀል ካብ ዕንጨይቲ ዝተጸርበን ናይ ነዊሕ ዘመን እውን ብምዃኑ ነቲ ዘጋጠሞ መጉዳእቲ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክር ከም እተጸገነ እውን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ ድሕሪ በዓለ ፋሲካ ናብቲ መንበሪኡ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ምርቸሎ ክምለስ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክርስቲያናዊ ባህሊ ስነ ጥበብን ጽባቔን ናብቲ ዓቢይ ሚስጢር ንኸነብልን ኣብ ስርዓተ ሊጡርጊያን ጸሎትን ዝሕግዝን ቅዱስ መጽሓፍ ንኽንፈልጥ ኣብ ምድጋፍ ዓቢይ ግደ ዘለዎ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ተኣምራዊ  ቅዱስ መስቀል ዘምርሔ ብዙሕ መንፈሳዊ ዑደት ከምእተኻየደን ነዚ ቅዱስ መስቀል’ዚ ዘማእከለ ስርዓት ሊጡርጊያን ጸሎትን ኵሉ ብፍላይ ምእመናን ካብ ኵሉ ንላዕሊ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘስዕቦ ዘሎ ስቓይ ንኽስትውዓልን ምእንቲ’ዚ ንዅላትና ንጸሎት ዝዕድም ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

05 April 2020, 19:41