ጸሎት ንመላእ ዓለም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቅዕ ፍሉይ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኦ ማርያም ንስኺ ወትሩ ኣብ ጉዕዞና ከም ትእምርቲ ድሕነትን ተስፋን ትዅልዒ፡ ገዛእ ርእስና ነዓኺ ኣብ ትሕቲ መስቀል እምነትኪ ኣጽኒዕኪ ኣብ ስቓይ ኢየሱስ ዝሓበርኪ ረዳኢተ ሁሙማን ነማዕቁብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምስማዐ - ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም ኵሉ ኣብ ሓድነት ክጸንዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያን ዓለም ካብቲ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ከቢድ ፈተና ክትከላኸለሉ በማላድነታ ጸሎት ከዕርግ ይሓትቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መላእ ዓለም ዘንበርክኽ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ጸሎቶም፡ ብዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ብምስማዐ ርእየት ከምዘመሓላለፉን፥ ቅዱነቶም ነቶም በዚ ሕማም’ዚ ዝተጠቕዑን ዝሳቐዩን ንዘለዎን ኵሎም ቅርበቶም ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፡ ነቶም ዝሓመሙ ብግንባር ቀደም ንዘገልግሉ ዘለዉ ኵሎም ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ብሓባር ኵለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ጸሎት ከዕርጋ ሓደራ ቢሎም፡ ቅድስተ ማርያም ካብቲ ኣብ ሓደጋ ዘሎን ሓለዋ ክረክብን ኣብ ፈተና ዘሎ ኵሉ ካብ ፈተና ናጻ ክላቐቕን ከተማልድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ኵላትና ብሓባር ምእንቲ ህሙማንን ኣብ ጸገም ምእንቲ ዝርከቡን ንጸልይ፡

ትሕቲ ጽላልኪ ጸግዒ ነናድይ ኦ ቅድስቲ ኣደ ኣምላኽ፡

ናትና ኣብ ፈተና ናይ ዘሎና ልመና ኣይትንዓቒ፡

ካብ ኵሉ ፈተና ናጻ ኣውጽእና፡ ኦ ክብርትን ዝተባረኽን ድንግል፡

ምእንቲ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጽንኩር እዋን ናይ ሃይማኖት ባህሊ ፍልልያት ብዘየገድስ ብሓባር ጸሎቶም ንዘዕርጉ ዅሎም ክርስቲያንን ዅሉ ፍጥረት ሰብን ሰብ ጽቡቕ ድላይን አመስግን።

ጽኑዕ ናይ ፍራንቸስኮ ጸሎት

እቲ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ምዝዛም 2019 ዓ.ም. ኣብ ቻይና ካብ ዝተራእየሉ ንደሓር ዕለት 11 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ሓልዮ ክንክን ጥዕና ማሕበር እቲ ሕማም ለብዒ እንክብል ምስ ኣወጀን፡ ሎሚ መላእ ሃገራ ዓለም ዝምልከት ኰይኑን ልዕሊ 14 ሺህ ዜጋታት ዓለም ንሞት ከምዝዳረገ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስነቶም እቲ ሕማም ካብ ዝተበገሰሉን ክሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይ ምቁራጽ ወትሩ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ሓሳብ ዝገበረን፡ እግዚኣብሔር ካብዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መዓት ከናግፈናን በዚ ሕማም እዚ ንዝተጠቕዑ ፈውስን ንዝዓረፉ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን፡ ንኣባይቲ ስድራን ንሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ነዚ ሓድሽ ለብዒ ፍውሲ ንኽርከቦ ኣብ ምርምር ንዝተግሁ ዘለው ናይ ስነ ሕክምና ተመራመርትን ናይ ጸሎት ሓሳብ እናገበሩ የዕርጉ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

ዕለት 11 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ሳልሳይ ሰንበት ዘመነ ዓቢይ ጾም ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ኮቪድ 19 ተኸሲቱ ዘሎ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ጥዕና መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ኣዊጆም ሮማ ኣብ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መለኰታዊ ፍቕሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓተ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ 19 ምኽንያት እውን ኣብ መንጐ ሰባት ምርኻብን ሰላም ምብህሃልን ኣብ እኩብ ቦታ ምርኻብን ክልኩል ብምዃኑ ብኣካል ምእመናን ዘየሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጐም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፥   

ኦ ማርያም ንስኺ ወትሩ ኣብ ጉዕዞና ከም ትእምርቲ ድሕነትን ተስፋን ትዅልዒ፡ ገዛእ ርእስና ነዓኺ ኣብ ትሕቲ መስቀል እምነትኪ ኣጽኒዕኪ ኣብ ስቓይ ኢየሱስ ዝሓበርኪ ረዳኢተ ሁሙማን ነማዕቁብ፡ ንስኺ ድሕነት ሮማውያን፡ ድሕሪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ እዋን ፈተና ልክዕ ከምቲ ኣብ ቃና ዘገሊላ ሓሴትን እውነተይና በዓልን ክምለስ ዝገበርኪ ዘድልየና ኩሉ እትፈልጢ ኢኺ እሞ ስለ ሓልዮትኪ ኣይንጠራጠርን፡ እኖ መለኰታዊ ፍቕሪ ደግፍና፡ እቲ ስቓይና ናቱ ገይሩ ብመስቀሉ ኣቢሉ ናብ ናይ ትንሳኤ ሓሴት ዘቕነዖ ኢየሱስ ዝበለና መታን ንኽንፍጽም ኣብ ፍቓድን ድላይን ኣቦ ኣጽንዕና፡ ኣሜን!

ትሕቲ ጽላልኺ ዑቕባ ነናድይ፡ ቅድስቲ ማርያም ኣደ ኣምላኽ፡ ኣብ ፈተና እንርከብ ንኣና ደቅኺ ኣይተሕፍርና ካብ ሓደጋ ኣድሕንና ኦ ክብርትን ዝተባረኽን ድንግል!

ዝብል ጸሎት ከምዝዕረጉ ክዝከር እንከሎ፡ ዕለት 15 መጋቢት 2020 ዓ.ም. እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ለበዳ ኮቫዲ 19 ከብቅዕ ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያን ዓባይ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ኣብ ቅዱስ ማርቸሎ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝርከብ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ናይ ምህለላ ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝዝከር እዩ።

ቅዱስነቶም ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮቫዲ 19 ከብቅዕ ኣብ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ናይ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመታት ኣብ ዝዀነ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን እቲ  ኣብ 1522 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ተኸሲቱ ዝነበረ ከቢድ ሕማም ተላገብ ብተኣምራቱ ክውገድ ዝገበረ ተባሂሉ ዝንገረሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ፊት ናይ ምህለላ ጸሎት ከምዘዕረጉን ልክዕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቐትሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብግሎም ማንም ክይተጸበዮ እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሕማም ኮቫዲ 19 ምኽንያት ዘጋጥም ሞትን ሕማምን ከብቅዕ ጸሎት ምህለላ ንኸቕርቡ እቲ ሕማም ካብ ዝተቐልቀለሉ እዋን ንመጀመሪያ ግዜ ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ፊት እቲ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ዝርከብ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ጸሎት ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ቀጺሎም እውን ኣብ ጐደና ደል ኮርሶ ኣብ ዝርከብ ኣብ እቲ ኣብ 1522 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ተኸሲቱ ዝነበረ ሕማም ተላገብ ንኸብቕዕ ዝገበረ ገባሬ ተኣምር ተባሂሉ ዝንገረሉ ቅዱስ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ፊት ጸሎት ከምዘዕረጉ ይዝከር።

ጸሎት ንመላእ ዓለም፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከብቅዕ ፍሉይ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ
25 March 2020, 16:56