ሻድሻይ ኣስተንትኖ ሻድሻይ ኣስተንትኖ 

ሻድሻይ ኣስተንትኖ

ምድረበዳ ናይ ሕይወት ስፍራ እዩ፡ ናይ ፈተና ስፍራ እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ … እግዚኣብሔር ሕዝቡ ኣብ እምነት መታን ክበርኽ ኣብ ፈተና ይሓድጐ እምበር ኣብ ፈተና ኣየእተዎን፡ ኣብ ፈተና ክሓድጐ እንከሎ ግና ካብቲ ጽንኩር ኩነትን ፈተናን ከናግፍዎ ዝሕግዝዎ ሰባት የለዓዕል

ኣባ ፒየትሮ ቦቫቲ ዕለት 4 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ንናይ ኵሪያ ሮማና ልላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓለፍትን ኣብ ኣሪቻ፡ ቅዱስ ኣቦና ካብ ሃገረ ቫቲካን ከይኖም ዝከታተልዎ ዘለዉ፡ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣስተንትኖ ቀጺሎም፥ ጉዕዞ ሕዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረበዳ፡ ናይ ፈተና ጉዕዞን ናይ ፈተና ጥራሕ እውን ዘይኰነ ናይ እግዚኣብሔር ሓልዮት ንህዝቡ ዝግለጸሉ ስፍራ እውን እዩ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ዘቕረብዎ ሻድሻይ ኣስተንትኖ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ታሪኽ ዘጸኣት፡ ዝንገር ምድረበዳ፥ ናይ ሓልዮት እግዚኣብሔር ስፍራ እዩ፡ ምስ እስራኤል ቃል ኪዳን ናይ ዝኣሰረ እግዚኣብሔር መስተርኣዪ ስፍራ፡ ከምኡ እውን ኵሉ ቆስሞሳውያን ሓይልታት ኣብ ትሕተኡ ከምዝዀኑ ዝስትርኣየሉ ስፍራ እዩ ቢሎም፡ እግዚኣብሔር ሰራሕ ናይ ድሕነት ታሪኽ ምዃኑ ዝግለጸሉ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ሰብ ብናጽነት ናጻ ዝዀነ መልሲ ዝህበሉ ስፍራ እዩ፡ እግዚኣብሔር ዝዓየሉ ስፍራ፡ ከምዚ ብምዃኑ ግና ሰብ ከም ተቐባሊ ተግባር ክኸውን ኣለዎ ዘይኰነስ፡ ሰብ ብእግዚኣብሔር ኣርኣያም ኣምሳልን ዝተፈጥረ ብምዃኑ ኣብ ዘፍጥረት ዘለዎ ቦታ ዘመላኽት እውን እዩ፡ ተሳታፊ ኣብ መደብ ምድሓን እግዚኣብሔር።

እግዚኣብሔር ካብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝሓትቶ ተባዕ ተሓባባርነት እዩ፡ ስለዚህ ሰብ መልሲ ንኽህበሉ ዝሓትት መደባት የንብር፡ እግዚኣብሔር ግና ነቲ ካብ ሰብ ዝደልዮ መልሲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጸቕጢ ዘንብሮ ኣይኰነን፡ ኣብ ሰብኣዊ ኩነት ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን ታሪክ ንኽዋሳእ ይጽውዖ።

ምድረበዳ፥ ምልክት ሕይወት (ተክለ ሕይወት)

ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረበዳ ማለት መላእ ሕይወት ማለት እዩ፡ መዋዕል ይውክል፡ ምድረበዳ እንነብረላ መሬት ዝውክል እዩ፡ ኣበይ ሰብ ዝሳቐየሉን ኣበይ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ዘስተርእየሉን ስፍራ እዩ፡ ንናይ ሓባር ረብሓ ንምዕያይ ሕራይ ዝበሀለሉ፡ እነኹልካ እትብለሉን እተገልግለሉን፡ ኣእዳውካ ናይ እግዚኣብሔር ኣእዳው ዳርጋ ዝዀነሉ ስፍራ እዩ፡ ስለዚህ እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ቃል ኣምላኽ ዝሰምዓሉን ናይ ሕዝቢ ገዓር ጽን ዝብለሉን። ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ናይቲ እግዚኣብሔር ብሓላፍነት ናይ ዝሃበካ ሕዝቢ ገዓር ምስማዕ ማለት ዝዀነሉ ስፍራ።

ምድረበዳ ናይ ሕይወት ስፍራ እዩ፡ ናይ ፈተና ስፍራ እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ … እግዚኣብሔር ሕዝቡ ኣብ እምነት መታን ክበርኽ ኣብ ፈተና ይሓድጐ እምበር ኣብ ፈተና ኣየእተዎን፡ ኣብ ፈተና ክሓድጐ እንከሎ ግና ካብቲ ጽንኩር ኩነትን ፈተናን ከናግፍዎ ዝሕግዝዎ ሰባት የለዓዕል፡ የነቓቕሕን ይጽውዕን፡ ንሙሴ ከምዝጸወዖ። ሙሴ ኣብ ምስማዕ እግዝኣብሔር ናይ ህዝቢ ገዓር ይሰምዕ። ነቲ ገዓር ዝመዓራረይ መልሲ ክህብ ዘይምኽኣሉ ኣብ ጸገም ይርከብ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብቲ ዘይምኽኣሉ ኣኻእሎ እግዚኣብሔር ይግለጽ፡ ንሕና እውን፡ ጸሎትና ፍጹም እውን እንተዘይኰነ … ብእምነት ዝቐርብ ምስ ዝኸውን ኣብቲ እግዚኣብሔር ዝህቦ መልሲ ፍጹም ይኸውን፡ ሙሴ ብእምነት ናብ ጐይታ ይጽሊ እሞ ፈተናታት ኵሉ ይስዕር፡ ጸሎቱ ይስማዕ።

ኣብ ምፍቃር ንምፍቃር ትምህር

ኣብ ምድረበዳ እግዚኣብሔር፡ ሕግን ስርዓት ንሕዝቡ የቕርብ፡ ኣብ ምፍቃር ንምፍቃር ንኽምህር መታን፡ ከተፍቅር እንከለኻ ምፍቃር ትምህር፡ ንእግዚኣብሔር ከተፍቅር እንከለኻ ንብጻይካ ምፍቃር ትምህር፡ ኣካላውን መፍነሳውም ምሕረት ዝተጣመረ ይኸውን፡ እዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኣብ ምድረበዳ ከምዝፈጸሞ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ልቢ ይበጽሕ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ንኽኣምኑ የብቅዖም እግዚኣብሔር ከምዝደልዮ ይዓዪ፡ ድላዩ ከኣ ፍቕሪ ስለ ዝዀነ ኣብ ፍቕርን ብፍቕርን ይዓዪ ዝበሉ ኣብ ቦቫቲ ዘቕረብዎ ሻድሻይ ኣስተንትኖ፥ ኣብ ወንጌል እነንብቦ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ዓለምን ፍርድን ዘብርህ ታሪኽ ኵሉ፡ ክልተ ነገራት እዩ ዘመላኽት፡ ንእግዚኣብሔር ከም እተፍቅሮ ነቶም ንኡሳን ብምፍቃር ምግላጽን ምንባርን ዝብል እዩ፡ ስለዚህ ብዛዕባ ዝሳቐዩን ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ኵሎም እዩ ዝዛረብ፡ ንንኡሳን ኣሕዋት ክንድግፍ እንከለና ከመይ ገይሩ እዩ ንእዚኣብሔር እነቕርቦ ድጋፍ ዝኸውን? የዕንትና ከመይ ገይርን እያተን በቶም ንኡሳን ኣሕዋት ኣቢለን ንእግዚኣብሔር ዝጥምታ? ከይረኣናዮን ብዘይ ክብርን ውዳሴን ነፍቅሮ፡ ክሳብ መወዳእታ ገዛእ ርእስና ብምውፋይ ኣብ ምፍቃርና ናይቲ ናይ ሕይወት እግዚኣብሔር ቡራኬን ምልኣተ ሰናይን ኣሎ እንክብሉ ኣጠቓሊሎም። 

ሻድሻይ ኣስተንትኖ
05 March 2020, 17:43