ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብምኽንያት ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኮቪድ 19 ጸሎት ነዘዕርጉ ዘለዉ የመስግኑ

ቅዱነቶም ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ተላባዒ ዕማም ኮቪድ 19 ንምብዳህ ብቅድመ ግንባር ተዋፊሮም ዝዓዩ ንዘለዉ ኵሎም እናሓሰቡ

ብለበዳ ኮቫዲ 19 ንዝተጠቕዑ ህሙማን ንኣኣቶም ኣብ ምእላይን ምሕካምን ዝርከቡ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ስለ ኵሎም እቶም ኣብ ጸረ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝዓዩን  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሎሚ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘኪሮም እዚ ኹሉ ጻዕሪ’ዚ፡ ነቶም ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ሃገሮምን ቤቶም ሓዲጐም ዝተሰዱ ኣብ ዶብ ግሪኽን ቱርክን ዝርከቡ ስደተይናታ ኣየረሰዓና ሓደራ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ዝኽሰት ቅዱስ ኣቦና ንመጀመሪያ ግዜ ካብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ኰይኖም ብውሕዘት ቃልን ምስልን ብቐጥታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ከምቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 8 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዝበለዎ፡ ነቶም ኣብ ኢጣሊያን ካብ ኢጣሊያ ወጻእን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝዓረፉን ዝሳቐዩ ንዘለዉን ነቶም ዝሓመሙ ንምድሓን ብቅድመ ግንባር ዝጽዕሩ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያክንክን ጥዕናን ዘኪሮም ስሌኦም ንጸልይ ከምዝበሉ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፡

ህሙማንን ሓኻይምን ወለንተይናታን

ቅዱነቶም ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ተላባዒ ዕማም ኮቪድ 19 ንምብዳህ ብቅድመ ግንባር ተዋፊሮም ዝዓዩ ንዘለዉ ኵሎም እናሓሰቡ፥

ኣብዚ እዋን’ዚ ነቶም በቲ ለበዳ ተህዋስ ኮሮና ዝተጠቕዑ ህሙማንን ዝሳቐዩን ብዙሓት እቲ ሕማም ይሃልዎ ኣይሃልዎም ተወሺቦም ንዝርከቡን ኵሎም እሓስብ፡ ነቶም ብቅድመ ግንባር ደኺመ ከይበሉ ዘገልግሉ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ብልቢ አመስግን፡

ቢሎም፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እውን እቶም ብጥማቶ ፍቕሪ ነቶም ዝሓመሙን በቲ ተህዋስ ኮሮና 19 ዝተጠቕዑን ቀረባ ብምዃን ዝጽልዩ ንዘለዉ ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዕ ዓለም ዝርከቡ ምእመናንን ዝዓርግ ዘሎ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎት መቝጸሪያ ንዝደግሙ ዘለዉን ኵሎም  ከመስግኑ እንከለዉ - ቅዱስነቶም ካብ ዕለት 9 መጋቢት ጀሚሮም ወትሩ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ምእንቲ በቲ ተህዋስ ኮቪድ 19 ዝተጠቕዑን ዝጥቅዑ ንዘለዉን ነዚ ሕማም ንምብዳሕ ብዝተፈላለየ ሞያ ንዘገልግሉ ዘለዎ ሓሳብ ዝገበረ ክኸውን ከምዝወሰኑን ዘኪረን -

ስለ ኣቶም ዝሓመሙ ዝጽልዩ ናይ ሃይማኖት ፍልልያ ብዘየገድስ ንዅሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓቲብትን ክርስቲያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን አመስግን፡ ስለ ጻዕርታኵም ልባዊ ምስጋናይ አቐርብ

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ሶርያን ስቃይ ናይ ተመዛበልትን

ቅዱነቶም ኣብቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተክሮ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ለበዋን ቃል ሰላምንታን ብምኽንያት እቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ተህዋስ ኮሮና 19፡  መላእ ዓለም ትኵረቱ ናብዚ ኣዚዩ ዘሰፍክ ሕማም ዝገበረ ብምዃኑ ከምዚ ክኸውን እውን ህልው ኵነታት ዘገድድ እውን እንተዀነ፡ እቶም በሸሓት ዝቑጸሩ ዘሕዝኑ ተመዛበልቲ ሶርያውያን ከይርስዑን፡ ብፍላይ ኣብቲ ግሪኽን ቱርክን ዘዳብው ከባቢ ዝርአይ ዘሎ ናይዞም ተመዛበልቲ ጽንኵር ኩነት ከየርሳዕን መፍትሒ ክርከቦን ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፥

እቲ ኣዚዩ ዘሰፍክ ተላባዒ ሕማም ብርግጽ ምሉእ ትኵረት እውን ዝሓትት እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ነቶም  ካብ ውግእን ጥምየትን ሕማምን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝተሰዱ ኣብቲ ግሪኽን ቱርክን ዘዳብው ከባቢ ንዝርከቡ ድኻታት ኣሕዋትና ሶርያውያን ክርስዑ ከይገብር እላበው፡ ነቶም ብዙሓት ሕጻናት ዝርከብዎም ኣብ ከቢድ ስቓይ ንዝርከቡ ኣሕዋናን ኣሓትናን ኣይረስዓና!

ከምዝበሉ ጋብሪኤላ ቸራዞ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ብምኽንያ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኮቪድ 19 ጸሎት ነዘዕርጉ ዘለዉ የመስግኑ
11 March 2020, 16:46