ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ሰላም ንጸልይ

ኣቦ፡ ብሱቕታን ኣብ ጽሞናን ስቓዩ ብውሽጡ ምንባር ዝፈልጥ እዩ፡ ግዜን ኩነትን ዝርእን ዝፈልጥን፡ ሕሱም እዋን ክሓልፍ ዝብል ትዕግስቲ ዘለዎ፡ … ገለ ገለ እዋን ኣቦ ኣብ ቅድሚ ጉድለታትን ግድፈታን ደቃቱ እናፈለጠ ከምዘይፈልጥ … ዓሻ ተመሲሉ እውን ነገራት ንኽሓልፉ ዝፈቕድ ይኸውን

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዕለት 14 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ብፍላይ ኣብዚ ብለበዳ ኮቫዲ 19 ምኽንያት ተፈጢሩ ኣብ ዘሎ ጽንኩር እዋን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራ ሰላምን ሓሴትን ጽንዓት ዓቂቦም ንቕድሚት ከብሉን ኣተሓሒዞም እውን ኣካለ ስንኩላን ንዝርከቡለን ኣባይቲ ስድራ ንጸልይ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

ቅዱስነቶም ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ምእንቲ እቲ ኣብ ዓለም ብኮቫዲ 19 ሕማም ንዝጥቅዑ ዘለዉ ዜጋታትን ነዚ ተላባዒ ሕማም ንምብዳህ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎትን ሎሚ ንጐሆ እውን ኣቕሪቦም፡ እቲ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብቐጥታ ውሕዘት ከምእተመሓላለፈን፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ምንባብ ካብ ትንቢት ምልክያስ ምዕ. 7፡ 14-15, 18-20ን ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 15፡ 1-3, 11-32 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡

በቲ ኮቫዲ 19 ለበዳ ንዝሳቐዩን ዝሓመሙን  ኵሎም ጸሎት ምቕራብ ኣይነቋርጽ፡ ሎሚ ብፍላይ ብምኽንያት ለበዳ ኮቫዲ 19 ኣቢያተ ትምህርቲ ተዓጽዩን ወለድን ደቃቶምን ብቕጽብት ካብ ኩሉ ዕዮን ስራሕን ንውሕስነት ጥዕናን ሕይወትን ብዝብል ውሳኔ ኣብ ቤቶም ክውሸቡ ተገይሮም ክመዘለዉን፡ ነዚ ኵነት’ዚ ኣባይቲ ስድራ ብጥበብ ክቆጻጸርዎን ክነብርዎን ንጸልይ፡ ብፍላይ ኣካለ ስንኵላን ንዝርከብወን ኣባይቲ ስድራ፡ መእለዪ ኣካለ ስንኵላን ኣገልግሎት ምሃብ ከየቋርጽን ኣባይቲ ስድራ ኣብዚ ጽንኵር እዋን ሰላምን ሓሴትን ከይጥፍኡ ብሓሴትን ብጽንዓትን መላእ ኣባይቲ ስድራ ንቕድሚት ከብሉ ንጸልይ፡

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል  ሉቃስ ምዕ. 15፡ 1-3, 11-32 ብዛዕባ ጥፉእ ወድን ምሕረት ኣቦን ኣብ ዘዘንትው ንባብ ኣሞርኵይዞም፡

ነዚ ምንባብ’ዚ ወይ ታሪኽ ብዙሕ እዋን ሰሚዕናዮን ኣንቢብናዮን ኢና፡ ኣብ ፍልዩ ኩነት ኢየሱስ ዘዘንትዎ ታሪኽ እውን እዩ፡ ሓጥኣን ይቐርብዎን ምስኦም ሓቢሩ እውን ክምገብ ዝርእዩ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ኣብርቲዖም የጒረምሩሙ፡  እንታይ ኰን እዮም ዝብሉ ዝነበሩ፥ ከምቲ እቲ ምንባብ ዝብለና፥ እዚ ንሓጥኣን ይቕበል፡ ምስኦምውን ይበልዕ እናበሉ የጒረምርሙ፡ ኢየሱስ ከኣ ብዘዘንትወሎም ናይቲ ጥፉእ ወዲ ታሪኽ ኣቢሉ ይምልሰሎም፡ እቶም ሓጥኣን ግና ብጽሞና ዝብልዎ ዝተሳእኖም ኰይኖም እዮም ናብኡ ይቐርቡ ዝነበሩ፡ … ክሰምዕም ጥራሕ እዮም ዝደልዮ፡ እቶም መምሃራን ሕጊ ግን ንኢየሱስ ይወቕስዎን የጒረምርሙን፡ ኢየሱስ ንስልጣን ክሓኽን ከወግድን ዝደለየ ገይሮም ይሓስብዎ፡ … እቲ ዘቕርብዎ ዓቢይ ክሲ፥ ንሓጥኣን ይቕበልን ምስኦም ይበልዕን” ዝብል እዩ ዝነበረ፡

እቲ ሕዝቢ ድሕነት ዝደልይን ምሕረት ዝጸመኦን እዩ፡ እቲ ተራ ሕዝቢ ብምርምርን መጽናዕትን ሰናይን ክፋእን ፈልዩ ዝፈልጥ ኣይነበረን፡ ዝመርሖን ጽምኡ ዘርወየሉን ጓሳ እዩ ዘናድይ ዝነበረ፡ ስለዚህ ድማ ናብ ኢየሱስ ይቕርብ ስለምንታይ ጉስነት ኣብኡ ስለ ዘስተውዕለ እዩ፡ ሕዝቢ መን ጓሳን መን ጉሒላን ፈልዩ ስለ ዝፈልጥ እዩ፡ … እቶም ዶዃትርን ሊቃውነትን … መብዛሕትና እውን መናብርተ ጥበብ ዝኸድናን ሊቕነት ዘመስከርናን … ብዙሓት ኢና፡ ሕጊ ዝብሎ ኣጸቢቕ ንፈልጥ፡ ናይ ሕጊ ትንታኔታት እውን እንፈልጥ፡ ስለዚህ ርእሰ ብቕዓት ዝስምዖም ንኸውንን ነቲ ተራ ሕዝቢ ነስተናዕቕ፡ …

ኣብቲ ናይ ሎሚ ምንባብ፡ ዝግብኣንን ብጽሒተይ ሃበንን ካብዚ ክርሕቕ እደልይ ኣሎዅ” ዝብል ቃል ነንብብ፡ እቲ ከምዚ ዝብል ውላድ፡ ከምቲ ዝደልዮ ኣቡኡ ይፍጽመሉ፡ … እቲ ኣቦ ምናልባት ንሱ ብንእስነቱ ዝገበሮ ንገራት ዝዘከረ እውን እዩ ዝመስል።

ኣቦ፡ ብሱቕታን ኣብ ጽሞናን ስቓዩ ብውሽጡ ምንባር ዝፈልጥ እዩ፡ ግዜን ኩነትን ዝርእን ዝፈልጥን፡ ሕሱም እዋን ክሓልፍ ዝብል ትዕግስቲ ዘለዎ፡ … ገለ ገለ እዋን ኣቦ ኣብ ቅድሚ ጉድለታትን ግድፈታን ደቃቱ እናፈለጠ ከምዘይፈልጥ … ዓሻ ተመሲሉ እውን ነገራት ንኽሓልፉ ዝፈቕድ ይኸውን፡

እቲ ቦኽሪ ገዛእ ርእሱ ቅኑዕ ገይሩ ዝሓስብ፡ ነቡኡ ክነቕፍ ድሕር ዘይብል፡ ኣብቲ ታሪኽ ናይ ሎሚ ወንጌል ከም እነንብቦ፡ … እቲ ሓደ ውላድ ካብ ገዛ ክርሕቕ ይደልይ፡ ምናልባት እታ ዝነብረላ ዝነበረ ቤት ከም ቤት ማሕቡስ ስከ ዝዀነቶ እውን ይኸውን ክኸይድ ዝደለየ … ብጽሒተይ ሃበኒ .. ዝብል ቃል ዝሰምዕ ኣቦ ብውሽጡ ይሳቐይ፡ ብርህራሀን ፍቕርን ንውላዱ የስተውዕሎ፡ … ድሕሪ ዘጓንፎ ጸገም መከራን ናብ ገዛእ ርእሱ ምስ ተመልሰ፡ ናብ ቤት ኣቦይ ይብል፡ ወንጌል ተንሰአ ብዝብል ቃል ይገልጾ፡ ተንሲኡ ናብ ቤት ኣቦይ ይብል፡ … ኣብ ምምላሱ  ኣቡኡ ኣብ ኣፈት ቤት ኰይኑ ክጽበዮ ትርእይ፡ ናይ ደቁ ግዜ ምጽባይ ዝፈልጥ ኣቦ … ብናቱ ግዜ ዘይፈርድ ኣቦ … ካብ ርሑቕ  ይርእዮ ናብቲ ጥፉእ ወዱ ገጹ ይጐዪ”

እቲ ቦኽሪ ውላድ ኣብቲ ናይ ቤቱ ሓጐስ ምእታው ክኣብይን ክጉህን ምርኣይ ብሓቒ ዘሕዝን እዩ፡…

እቲ ቦኽሪ ውላድ ኣብ ቤት ኣቡኡ እዩ ዝነበርን ዘሎን፡ ስለዚህ ኣብ ቤት ኣቦ ምንባር እንታይ መቔረት ከምዘለዎ ብዙሕ ዘየስተውዕል እዩ ዝመስል፡ ግቡኡ ጥራሕ ዝፍጽም፡ ክገብሮ ዝግብኦ ጥራሕ ዝገብር፡ ኣብ መንጐ ውላድን ኣቦን ዘሎ ፍቕሪ ብዙሕ ዘየስተውዕል፡ ልክዕ ከምቶም መምህራን ሕጊ፡ ኣቦ ነቲ ጥፉእ ወዱ ክቕበልን በዓል ክገብረሉን ካብ ስርዓት ወጻኢ ከይኑ ይስምዖ፡ ሕጊ ክጠሓስ፡ እቲ ሓጥኣን መጺኡ ከምቲ ሕጊ ዝብሎ ኣክንዲ መቕጻዕቲ ዝቕበል በንጻሩ በዓል ይግበረሉ፡ … “እቲ ኣቦ ግና ነቲ ዝጓሃየ ቦኽሪ ውላዱ፡ ንስኻ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ፡ እዚ ሓውኻ ግና ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ ክንሕጐስን ባህ ክብለናን ይግብኣና” እንክብል ይምልሰሉ፡ ንቤቱ ከም መቐበሊ ኣጋይሽ ገይሩ እዩ ዝሓስባ ዝነበረ፡ ብዙሓት ንቤተ ክርስቲያን እውን ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ንርእያ ንኸውን፡ ገሊኡ ጋሻ ግሊኡ ኸኣ ወናኒኣ!

እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ውላድ ናብ ቤቱ ክምለስ እንከሎ እቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ኣቦ ረአዮን ናብኡ ገጹ ጐዩን ሓቒፉ እውን ይስዕሞ፡

ውላዱ ካብ ሓጢኣቱ ስለ ዝተመልሰ እቲ ኣቦ ሓቝይፉ ይስዕሞ፡ በዓል እውን ይገብረሉ፡ … ሓጥኣን እየ ዝብልን ብእምነቱ ዝተኣመመንንን ክልተ ዓይነት ምእመን፡ደላይ ምሕረትን ነቲ ለዋህ ኣቦ ምርካብን …

ኣብቲ ናይ ሎሚ ወንጌል ጐይታ ብዙሕ ነገር እዩ ዝዛረበና፡ ነቶም ምስ ሓጥኣን ንዝኸዱን ምስኦምን ዝበልዑን ዘጒረምሩሙን መልሲ ዝህብ እዩ፡ … ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ዘጋጥም እዩ። ናይ ኣቦነትን ሕውነትን መንፈስ ኣብ ዘይብሉ ኣብ ገዛኻ እናነበርና በዓል ገዛ ኰይንካ ዘይምንባር ዝድርኽ ጸገም ንኸነለልይ ዘኽእል ጸጋ ካብ ጐይታ ንለምን እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ሰላም ንጸልይ
14 March 2020, 17:48