ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤቶም ንዝተዓጽዉ ኣባይቲ ስድራን ደቃቶምን

እቲ ተቐባል ቀረጽ፡ … “ኣብ ርሑቕ ደው ቢሉ፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኸይደፈረ፡ ‘ኦ ኣምላኸይ ንኣይ ንሓጥእ ምሓረኒ’ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ኩሉ ኣብ ቤቱ ከምእተወሸበን በዚ ምኽንያት’ዚ እውን ኣብ ቤቶም ንዝተዓጽዉ ኣባይቲ ስድራን ሕጻናት ደቃቶምን ንጸልይ ከምዝበሉን፡ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ጻድቕ እየ ብዘይብል ዘይዕቡይ መንፈስ ብትሕትና ንኽንጽልይ ይምዕዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ውሕዘት ኣብ ዝተመሓላለፈ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅድሴ፥ ለብዒ ኮቪድ 19 ካብ ዝተራእየሉ ዕለት ኣትሒዙ ወትሩ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅድሴ ነዚ ህልዉ ኩነት ሓሳብ ዝገበረ ክኸውን ከምዝገበሩ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ናይ ሎሚ ዕለት 21 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ኩሉ ኣብ ቤተ ከምእተወሸበን ዘኪሮም፥

ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣብ ቤቶም ንዝተዓጸዉ ኣባይቲ ስድራ ብፍልዩ ክዝክር እፈትው፡ … ወለድን ሕጻናትን መናእሰይ ደቃቶምን ኣብ ቤቶም ዝተዓጽዉ፡ ኣብዚ ኵነት’ዚ ሓድሽ ዓይነት ምራኻብ ክረኽቡን፡ ብሓባር ኣብ ናይ ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ዝጸንዕ ርክብ ክሓንጹን ከምስተማቕሩን፡ ብሓባር ነቲ ኣብ ስድራ ቤት ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሻቕሎት ክብድሁን ንጸልይ፡ ሰላም ንኣባይቲ ስድራ፡ ኣብዚ ቅልውላው እዋን፡ መሃዝቲ ክዀኑ እውን ንጸልይ!

ቢሎም፡ በዚ መንፈስ እዚ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ነቢይ ሆሴዕ ምዕ. 6 ካብ ፍቕዲ 1-6ን ካብ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 18 ካብ ፍቕዲ 9-14 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ኣብ ናይ ትማሊ ካብ ትንቢት ሆሴዕ ምንባብ፡ “ተመለስ፡ ናብ ቤትካ ተመለስ” ዝብላ ቃላት ከምዝሰማዕና ዝዝከር እዩ፡ ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ሆሴዕ፥ “ ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ” ይብለና፡ ልብና ምስ ተተንከፈ እንህቦ መልሲ፡ “ናብ ቤተይ ክምለስ ዝብል እዩ፡ ናብ ጐይታ ንመለስ፡ “እግዚኣብሔር ሰላልዓና ግናኸ ብርግጽ ኬጥዕየና እዩ እሞ ንዑናይ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ” … “ወቐዓናን ግናኸ ብርግጽ ኪዝንነና እዩ፡ … ሕያዋን ኪገብረና እዩ፡ … ብርግጽ ከም ወጋሕታ ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ” ኣብ እግዚኣብሔር እምነት ምግባር ርግጸይናነት እዩ፡ “ከምቲ ንምድሪ ዜጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኺመጽእ እዩ”፡ በዛ ተስፋ እዚኣ እቲ ሕዝቢ ናብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣብ ዝወስዶ መገዲ የእጋሩ የንብር፡ እቲ ሓደ እግዚኣብሔር እንረኽበሉ ኣገባብ፡ ጸሎት እዩ፡ ንጐይታ ንጸልይ፡ ናብኡ ንመለስ።

ኣብቲ ዝሰማዕናዩ ናይ ዕለቱ ወንጌል፡ ተክለ ሰብነት ክልተ ሰባት ንረክብ፡ እቲ ንኽጽልይ ዝኸይድ ርእሰ ምኩሕ፡ … ክሳብ እግዚኣብሔር ጸገማት እንተለካ ኣነ ክፈትሓልካ እየ ንምባል ዝደፍር፡ ናይ ሕጊ መምህር ፈሪሳዊ ልክዕ እቲ ሕጊ ዝብሎ ዝፍጽም ዝነበረ፡ “ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር አውጽእ” … ንፉዕ እየ፡ እዚ ነቲ ናይቲ ጠፊኡ ዝነበረ ናብ ቤት ኣቦይ ቢሉ ናይ ዝተመሰ ውላድ ቦኽሪ ታሪኽ የዘኻኽረና፡ “ኣነ ዝበልካኒ ዝገብር ንፉዕ ክነሰይ ነቲ ብዅን ውላድካ በዓል ትገብረሉ” ቢሉ ዝጓሃየ ምኩሕ፡ ከምኡ እውን ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ከምዝሰማዕናዮ ታሪኽ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ ብዘይ ስም ወንጌል ዝገልጾ፡ ናይ ካልኦት ሓሳርን መከራን ስቓይን ቅጭጭ ዘይብሎ፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሃብቲ ዝተኣማመን ምኵሕ” ታሪኽ ዘዘኻኽረና እዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል እቲ ካልክኣይ ተክለ ሰብነት ንረክብ፡ እቲ ተቐባል ቀረጽ፡ … “ኣብ ርሑቕ ደው ቢሉ፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኸይደፈረ፡ ‘ኦ ኣምላኸይ ንኣይ ንሓጥእ ምሓረኒ’ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ” … ልክዕ ከምቲ ጠፊኡ ዝነበረ ውላድ፡ ‘ናብ ቤት ኣቦይ ክምለስን ኦ ኣቦይ ሓጥእ እየ፡ ከም ውላድካ ዘይኰነ ሓደ ከምቶም መገልገልትኻ ክትቅበለኒ’ ከምዝበሎ፡ እዚ ነቲ ድኻ ኣልኣዛር የዘኻኽረና፡ ኣብ ኣፈት ሓደ ሃብታም ቤት ዝነበረ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ምኵሕ ሕሰሙ ዝነብር ዝነበረ፡ እዚ ዓይነት ክልተ ተክለ ሰብነት ብዙሕ እዋን ወንጌል እናራኸበ ዘነጻጽሮታሪኽ ኰይኑ ንረኽቦ።

በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢሉ ጐይታ ከመይ ክንጽልን ከመይ ንኽንቀርቦን ከምዝግብኣና ይምህረና፡ ብትሕትና! ኣብ ዓመታዊ በዓል ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ ዝዓርግ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዝንበብ ጸሎት ዝደጋገም ሓሳብ ኣሎ፡ … እቲ ህዝቢ ንኽጥመቕ ናብ ማየ ዮርዳኖስ ቀረበ … ነፍስን ኣእጋርን ብዕሩቑ” ዝብል፡ እወ ብዘይ ተጐልበበ መንፈስ፡ ከም ምፍጣርካ፡ ብዘይ መጸባበቕን መሕብእ ገጽን … ንሱ ሓጢኣተይ ዝምሕር እዩ፡ ግናኸ ሓጢኣተይ ክንገሮን ክናዘዞን ካባይ እዩ፡ … ንኣና እውን ከምቲ ምኵሕን ቦኽሪ ውላድን ገዛእ ርእስና ንውድስ ንኸውን፡ እዚ ገበርኩን ፈጸምኩን እናበልና … ናብ ጐይታ ክንከይድ እንኰሎና ብዘይ ተጐልበበ መንፈስ ይዅን፡ “ ናብ ጐይታ እኸይድ እየ፡ ምስኡ ገጽ ንገጽ ክዛረብ እየ” እቲ ናብኡ ዝወስድ መገዲ እቲ ጭቡሕ ኩነት እዩ፡ እቲ ተቐባሊ ቀረጽ እዩ ነቲ ጭቡጥ መገዲ ዘለለየ፡ “ንስኻ ጐይታ ኢኻ ኣነ ግና ሓጥእ እየ” ዝበለ፡ እዚ እዩ እቲ ክውንነት፡ ሓጥእ ምዃንካ ብልሳን ዘይኰነ ብግብሪ ምእማን።

ነዚ ጐይታ ዘቕርበልና ትምህርቲ ኣይንረስዕ፡ ገዛእ ርእስኻ ጻድቕ ምግባር፡ ትዕቢት እዩ፡ ገዛእ ርእስኻ ክብ ምባልን ምንኣድን፡ ዘይኰንካዮ ኰይንካ ምቕራብ፡ ሓሳርነት ኣብ ውሻጠ እዩ ዘስምዕ፡ ከምቲ ገዛእ ርእሱ ዘመጻድቕ ፈሪሳዊ። ብዘይ ምምጽዳቕ ብቐጥታ ሓጢኣትካ ምንዛዝ፡ ብዘይ ምኽኒት፡ እቲ ዓንቂፉኒ ናተይ ጌጋ ኣይኰነን ከይበልና፡ ብዘይ ተጐለበ መንፈስ።

ጐይታ ነዚ ይምሃረና፡ … ካብ ጸሎት ብምብጋስ፡ ገዛእ ርእስና ብዘመጻድቕ ጸሎት እንተድኣ ክንጽልይ ጀሚርና … እዚ ጸሎት ኣይኰነን፡ ምስ መረጼን ምዝራብ እዩ ዝኸውን፡ ስለዚ ምስ ገዛእ ርእስኻ ኢኻ ትዛረብ ማለት እዩ፡ እቲ ጸሎት ካብ ጭቡጥ ዝብገስ - “ሓጥእ እየ…” ካብ ዝብል ክውንነት ዝብገስ እንተድኣ ኰይኑ ብጐይታ ንኽንጥመት ንፈቅድ ኣሎና ማለት እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ናይ ጸሎት መገዲ፡ ኢየሱስ ሎሚ ዝምህረና ነዚ እዩ።

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ከምቲ ድሕሪ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ሕማም ምኽንያት ወትሩ ንጐሆ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን በስተንትኖን ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባን ዝፍጽምዎ ክኸውን እንከሎ ቅድሚ ቡራኬ ቅዱስ ቁርባን ቅዱስነቶም፥

ኢየሱሰይ ኣብዚ መንበረ ታቦት ኣብ ዘሎ ቅዱስ ቁርባን ህልው ምዃንካ እአምን፡ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ኵሉ የፍቅረካ፡ ነፍሰይ ሃረር ትብለካ፡ ሕጂ ክቕበለካ ስለ ዘይከኣለኒ፡ ብመንፈስ ንዓ ንስኻ ናብ ልበይ እተው፡ ከምቲ ዝገበካዩ ኵሉ፡ እሓቑፈካን ኩሉ ኣባኻ አሕብሮን፡ ካባኻ ፈጺመ ንኽርሕቕ ኣይትሕደገኒ!

ዝብል ቅዱስ ቁርባን ንምቕባል ሃረርታኻ እትገልጸሉ ጸሎት ከዝድገሙ ኣፍሊጡ።

21 March 2020, 16:27