ር.ሊ.ጳ.፥ ብለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ንዝዓረፉ ይጽልዩ

ኣብ ኦሪት ዘጽኣት ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ፥ “ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኪጓዓዙ እግዚኣብሔር ብመዓልቲ መገዲ ክመርሖም ብዓንዲ ደመና ብለይቲ ከኣ ኬብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቕቂድሚዕም ይኸይድ ነበረ፡ ብመዓልቲ ዓንዲ ደመና ብለይቲ ኸኣ ዓንዲ ሓዊ ካብ ቕድሚ እቶም ሕዝቢ ከቶ ኣይተፈልየን “ 13. 20 – 21)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብምስልን ቃልን ውሕዘት ብቐጥታ ዝመሓላለፍ  ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ስለ እቶም ብኮቪድ 19 ሕማም ንዝተለኽፉ ዜጋታትን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ምቕራብ እንከለዉ ዝዓረፉ ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ሓኻምን ወለንተይናታን ከምዝጸለዩን፡ ኣብዚ ጽንኵር እዋን እግዚኣብሔር ቀረባና ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ንሕድ ሕድና ክንተሓላለይ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ብምኽንያት ኮቪድ 19 ዝዓረፉን ብፍላይ ነቶም ዝተለኽፉ ኣብ ምግልጋ ንዝዓረፉ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታትን ሓሳብ ገይሮም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ኦሪት ዘዳግም ምዕ. 4 ፍቕዲ 1ን ካብ ፍቕዲ 5 - 9ን ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 5 ካብ ፍቕዲ 17 – 19 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡

እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዝህቦ ሕጊ፡ ኢየሱስ ኣብ ፍጻሜ ዘብጸሖን፡ እግዚኣብሔር ንሙሴ እቲ ሕጊ ክህቦ እንከሎ “ከምቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና ከምኡ ኣምላኹ ዚቐርቦ ካእል ዓቢይ ሕዝቢ የልቦን” እንክብል ሙሴ ይዛረብ፡ እቲ ሕጊ ቅርበት እግዚኣብሔ ንሕዝቢ ዘረጋግጽ እዩ፡ ናይ ሓደ መንግስቲ ትእዛዝ ኣይኰነን፡ እዚ ዓይነት መንግስቲ ካብ ሕዝቢ ዝረሓቐን ምልካውን ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ … ብግልጸት እግዚኣብሔር ብሕጉ ኣቢሉ ቀረባን ህዝቡ ዘሰንይን ከምዝዀነ ንፈልጥ፡  እግዚኣብሔር ቀረባና እዩ፡ … “ከምቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና ከምኡ ኣምላኹ ዚቐርቦ ካእል ዓቢይ ሕዝቢ የልቦን” እናበልና ዕለት ብዕለት ንጽልይን ንጽውዖን ዶ?

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ናይ ቅርበት ኣምላኽ እዩ፡ ቀረባን ሓቢሩ ምስ ሕዝቡ ዝጓዓዝን፡ ኣብ ኦሪት ዘጽኣት ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ፥ “ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኪጓዓዙ እግዚኣብሔር ብመዓልቲ መገዲ ክመርሖም ብዓንዲ ደመና ብለይቲ ከኣ ኬብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቕቂድሚዕም ይኸይድ ነበረ፡ ብመዓልቲ ዓንዲ ደመና ብለይቲ ኸኣ ዓንዲ ሓዊ ካብ ቕድሚ እቶም ሕዝቢ ከቶ ኣይተፈልየን “ 13. 20 – 21) ከምዝብሎ እዩ።

ኣብ ቀዳሞት ናይ ቅዱስ ምጽሓፍ ገጻት ነቲ ቅርበት እግዚኣብሔር ስብ ዝሃቦ መልሲ ዘይቀረባነት እዩ፡ ሰብ ብዝህቦ መልሲ ኣቢሉ ካብ እግዚኣብሔር ይርሕቕ፡ ንሱ ቀረባ ክኸውን ንሕና ድማ ንርሕቕ፡ ኣዳምን በዓልቲ በቱ ሄዋን፡ ካብ እግዚኣብሔር ይሕብኡ፡ ይሓፍሩን ይፈርሑን፡ ስለምታይ ስለ ዝኣበሱ፡ ሓጢኣትና ገዛእ ርእስና ንኽንሓብእ ይድርኸና (ኦርቲ ዘፍ. ምዕ. 3. 8 – 10 ረኣ)፡ ብዙሕ እዋን ብዛዕባ ፈራዳይ ዝዀነ እግዚኣብሔር ኣብ ዘብርህ ቲዮሎጊያ ንተርፍ፡ ካብኡ እንሕባእ ፈረዳይ ቢልና ስለ እንርድኦ ጥራሕ እዩ፡ እቲ ካልኣይ ጠባይ፡ ግብረ ቅተለት ምፍጻም ዝብል እዩ፡ “ኣነ ሓላዊ ሓወይ ኣይኰንኵን” (ኦሪት ዘፍ. 4. 9)፡ ዝብል ቃኤላውነት እዩ።

እቶም ክልተ ኣገባባት ዝዀነ ይዅን ዓይነት ምቅርራብ ዝሓኩ እያቶም፡ ሰብ ንናይ እግዚኣብሔር ቀረባነት ኣይፋል ይብል፡ ገዛእ ርእሱ ወናኒ ክኸውን ይደልይ፡ እግዚኣብሔር ቀረባና ኣብ ምዃን ትሕት ይብል ድኽመት ሰብ ናቱ ይገብር፡ ኣብ ማእከልና ንኽሓደር ክመጽእ እንከሎ፡ ሰብን ሓደ ካባናን ይኸውን፡ ክሳብ ሞት፡ ክሳብ እቲ ዝኸፍኤ ብጭካነ ንኽቕተል ገዛእ ርእሱ የወፍይ፡ እዚ ቅርበት’ዚ ንእግዚኣብሔር የዋርድ፡ ምስና ክኸውንን ክጓዓዝን ክድግፈናን መታን ብዅሉ ቀረባና ይኸውን።

እቲ ቀረባ ዝዀነ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ትሕትና ዝዛረብ እዩ፡ ዓቢይን ተፈራሕን እግዚኣብሔር ቀረባ ክኸውን ዘይከኣል እዩ፡ እዚ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት እንርድኦ ሓቂ እዩ፡ እግዚኣብሔር ሰብ ኰነ፡ ክሳብ ሞት፡ … ንደቀ መዛሙርቱ የሰንዮምን ብፍቕሪ ይምዕዶምን ይገንሖምን … እቶም ኣብ ኤማሁስ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ክልተ ደቀመዝሙርቲ ንዘክር፡ ተጨኒቖምን ፈሪሖምን ኣብ በይናውነት ዚጓዓዙ ዝነበሩ፡ ቀረባኦም ይኽውን ናይ ሕይወት ትርጉም፡ ትንሳኤ ምዃኑ ንኸስተውዕሉ መታን (ሉቃ. 24. 13 – 32 ረኣ)።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቀረባን ናይ ቀረባ ኣምላኽ እዩ፡ እዚ ናቱ ንኣና ቀረባ ምዃን ንሓድ ሕድና ንኽንቀራረብ የተባብዓና፡ ብፍላይ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ … ብኣካል ክንቀራረብ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ዘየፍቅደልና እውን እንተዀነ ብጸሎትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ  ንኽንደጋገን ንኽንቀራረብ ይድርኸና፡ … እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቀረባ እዩ እሞ ንሓድ ሕድና ንቀራረብ፡ … ደሴታውያን ኣይኰንና፡ ቀረባውያን ኢና፡ ካብ ጐይታ ዝተወሃበና ውርሻ ቀረባውነት እዩ።

ቀረባ ናይ ምዃን ጸጋ ጐይታ ክዕድለና ንለምኖ፡ ንሓድ ሕድና ንኽንቀራረብ እምበር ከምቲ ቃኤል ዝገበሮ ንኸይንተሓባባእ መታን፡ ስለዚህ “ከምቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዚቐርበና ከምኡ ኣምላኹ ዚቐርቦ ካእል ዓቢይ ሕዝቢ የልቦን” እናበልና ዕለት ብዕለት ንጽልይን ንጽውዖን ዶ?

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ብለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ንዝዓረፉ ይጽልዩ
18 March 2020, 18:21