ለብዒ ኮቪድ 19 ከብቅዕ ር.ሊ.ጳ. ዘዕረግዎ ጸሎት፡ ብብርቱዕ ማዕበል ንኽንናወጽ ኣይትሕደገና

ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን ፥በሎም። ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሃሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ምኽንያት ዝሰፍሕ ዘሎ ሞትን ሕማምን ምኽንያትን እውን እቲ ለበዳ ከብቅዕ ኣብ ሰገነት ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ኵሉ በዚ ሕማም ተላገብ ምኽንያት ኣብ ቤት ኣብ ዝተወሸበሉ እዋን ምእመናን ክሳተፉሉ ዘይከኣሉ እውን እንተነበረ፡ ብናይ መላእ ዓለም መራኸቢ ብዙሓት ዝተመሓላለፈ፥ “ጐይታ ንዓለም ባርኽ፡ ናይ ኣካል ጥዕና ጸግወናን ልባትና ኣጸናንዕ፡ ንስኻ ትከናኸነና” ዝብል ጸሎት ደጊሞም፡ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንም ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ንሮማ መላእ ዓለምን ናይ ምሉእ ሓጢኣት ስርየት ከምዝሃቡን ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ኵሉ ልክዕ ከም ሓዋርያት ኣብ ሓንቲ ጀልባ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝናም ኣብ ዝነበረሉን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘይ ሓደ ምእመን ጥልቂ ጽሞናን ኣብ ዝወሓጦ ሃዋሁ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ጸሎትን ተስፋን ናቶም ገይሮም ኣብ ዘዕረገዎ ጸሎት፡ እቲ ዝረአይ ዘሎ ዓቢይ ስግኣት፡ መጻኢ ድቡንን ዘየለን ኣብ ዝምስለሉ ዘሎ እዋን ዓቢይ ጾም፡ ልክዕ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ መላእ ሕዝቢ ዓለም ተስፋ ዝተሓትሞ ኵላዊ ጸሎት ከምዘዕረጉን፡ ሕዝቢ ኣብ ከቢድ ፈተና እውን እንተዀነ ናብ እግዚኣብሔር የማዕድው።

ኣብ ኣፈት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ዝርከብ ተኣምራዊ ምስሊ ስቑል ኢየሱስ ተነቢሩን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ቅዱሳት ምስልታትን እቲ ዘሰንብድ ለብዒ ኮቪድ 19 ከብቅዕ ናይ ኵሉ ህዝበ እግዚኣብሔር ጸሎት ናቶም ገይሮም ጸሎት ልመናን ምህለላን ከምዘቕረቡ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ኵሉ ልክዕ ከም ሓዋርያት ኣብ ሓንቲ ጀልባ

ኵሉ ልክዕ ከም ሓዋርያት ኣብ ሓንቲ ጀልባ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 35 ክሳብ 41 ዘተወስደ

በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም። ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃላቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ። ህቦብላ ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣተንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ። ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን ፥በሎም። ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሃሉ።

ምድሪ ዝመሰየ ኰይኑ ካብ ዝረአየሉ እዋን ሰሙናት የቑጽር
ምድሪ ዝመሰየ ኰይኑ ካብ ዝረአየሉ እዋን ሰሙናት የቑጽር

ዝብል ምንባብ ምስ ተነበ፡ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ኣዋርሕ ዘቁጽር ዘሎ ኩነት ልክዕ ዘናውጽ ማዕበል ዝወሓጦ ዝመስል ምዃኑ ገሊጾም፥

ምድሪ ዝመሰየ ኰይኑ ካብ ዝረአየሉ እዋን ሰሙናት የቑጽር ኣሎ፡ ኣብ ኣደባባያትናን መገድታትናን ከተማታትናን ኵሉ ጹዑቕ ጸልማት ዝረኣየሉ ኰይኑን ዘደንጽው ጽሞና ንዅሉ ዝዓበለለሉ፡ ዘሰንብድ ባዶነት ኵሉ ዘልምስን ኣብ እዋናዊ ሃዋሁን ወስታን ጠመተን ኩሉ ልምሰት ኣብ እንርእዮ ዘሎና እዋን፡ ፍርሕን ምጥፋእን ዝኸበበና፡ ልክዕ ከምቲ ከም ደቀ መዛሙርቲ ኣብቲ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ከምዘሎ፡ በቲ ዝተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ሰንቢዶም ጠፋእና ዝበልዎ፡ ኣብታ ጀልባ ከምዘለና ዘስተውዓልናሉ ኩነት፡ ተኣፈፍትን ዘይምስሩቓትን ምዃንና ዘስተዕልናሉ፡ ይዅን ደኣ እምበር ኣብዚ ዓይነት ኵነት’ዚ እቲ ዘድልን ዘገድስን ንኽንሓብር ስለ ምጽዋዕና እዩ፡ ኣብታ ዘለናላ ጀልባ እቲ ዘድልይና ድማ ንሓድ ሕድና ምድግጋፍ እዩ።

ኣንነትና ዘቃልዕ ብርቱዕ ህቦብላ

ደቀ መዝሙር ዘጓነፎም ዘሰንብድ ኩነት፡

እቲ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ተኣፋፍነትና የቃላዕን እቲ ዝሃነጽናዮ ፈሰስን ናይ ሓሶትን ዝዀነ ውሕስነትን ዝክረ ነገራትናን ውጥናትናን ልማዳትናን ቀዳምነት እንሆቦን ኩሉ እንታይነቱ የቃልዕ፡ እቲ ንማሕበረሰብና ዘበራትዕን ዝድግፍን ንሕይወትና ሓይሊ ዝህብን ከታኽስ ንበይኑ ሓደግናዮ፡ ናይ ሕዝብና መንፈስ ዝመገበ ረሲዕናዮን … ኣናስርና ረሲዕና፡ ናይ ኣበው ዝኽሪ ዘንጊዕና፡ ጸላኢና ከጥቅዓና ዘይክእል ምዃኑ ካብቲ ዘረጋግጸልና ከሃሌ ኵሉ ርሒቕና፡ ምስቲ ብርቱዕ ህቦብላ ምስ ተላተምና… እቲ ኢጐነትና እንኽውለሉ ዘበለ ኩሉ ተቓሊዑ፡ እቲ ዝተባርከ ኵላትና ኣይፋል ክንብሎ ዘይከኣለና ኣሕዋት ምዃንና ዝገልጽ ሓባራውነትና ጐሊሑ ክረአይ ይገብር ኣሎ።

እዋኑ ናይ ፍርዲ ዘይኰነ ናይ ሕርያ ግዜ እዩ

ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ፍጥረትን ሰብኣዊ ፍጥረት ዘውረዶ ማህሰይቲ፡ ብዘይተገዳስነት መሬት በቲ ዝወርዳ ስቓይ ትግዕር፡ ካብቲ ኣዚዩ ዘፍቕረና ጐይታ፡ ብርቱዓትን ኵላዊ ብቕዓት ዘለዎም ኰይኖም ዝስምዖም እናዀንና ኣብ ምርሓቕ ካብኡ ንውንጨፍ፡

ንመኽሰብ ዝሃርፉ፡ ብነገራት ክንወሓጥን ብታህዋኽ ክንናወጽን ዝፈቐድና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኽሰት መተሓሳሰቢ ኵሉን ኣብ ቅድሚ ውግእን ዓለም ለኻዊ ኢፍትሓውነትን ደው ቢልና ንኽነስተውዕል ኣይፈቐድናን ናይ ድኻታት ገዓርን ነቲ ከቢድ ማሕሰይቲ ዝወረዶ ዓለምና ስቓይ ጸማማት ኰንና፡ … ኣብቲ ዝሓመመ ዓለም ጥዑያት ኮይኖም ዝስመዖም ኰንና ኣሎና፡ ኦ ጐይታ ኣብ ዝናወጽ ባሕሪ ኣብ ምርኻብና ተንስእ ኣድሕነና ክንብሎ እኰለና፡ ስለምታይ ትፈርሑ፡ ከመይ እምነትዶ የብልኩምን ይብለና ኣሎ፡ ናይ እምነት ጻውዒት የቕርበልና። ህልው ምዃኑ ንምፍላጥ ጥራሕ ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ናባኻ ምምጻእን ኣባኻ እምነት ምግባርን እዩ፡ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም፡ “ተለወጡን ብምሉእ ልባትኩም ናባይ ተመለሱን” (ኢዮ. 2,12 ረኣ) ይብለና ኣሎ። … ሕይወትና ናብኡ ገጻ ንኸተብልን ናብኡ ኣብ ምባልና ናብ ካልኦት እንብለሉን፡ ኣብ ፍርሕን ጸፍዕን ሕይወቶም ብምውፋይ ናይ ብዙሓት መጓዕዝትና ኣብነት ከነስተውዕል ንኽልእ። …

ዘዐውት ኣጽዋር፡ ጸሎትን ብጽሞና ምግልጋል ዝብል እዩ

ኣብዚ ብኸቢድ ለብዒ ኣብ ዝናወጽ ዘሎ ዓለም

ብዙሓት ሓኻይምን ሰብ ሞይ ክንክን ጥዕናን ኣብ ንሕይወት መሰረታዊ ዘበለ ኵሉ ኣብ ምቕራብ ዝዓዩን ናይ ጽርየት ሰራሕተይናታትን ኣለይትን ናይ መጓዓዚያ ሰራሕተይናታትን ሓይሊ ጸጥታን ወለንተይናታትን ካህናትን ገዳማውያንን ካልኦት ብዙሓት በይንኻ ምድሓን ዘይከኣል ምዃኑ ዘስተውዓሉ እያቶም። እውነተይና ምዕባለና ዝምዘን ኣብ ስቓይ እዩ፡ “ኵሎም ሓደ መታን ክዀኑ” (ዮሓ. 17, 21 ረኣ) እትብል ናይ ኢየሱስ ክህነታዊ ጸሎት፡ ዘለለዩን ዘስተማቕሩን እያቶም። … ፍርሕን ራዕድን አይዘርኡ ንኻልኦት ብምክንኻን ዕለት ዕለት ትዕግስቲ ዝለማመዱን ተስፋ ዘውሕዙን … ኣቦታትን ኣደታትን ኣቦ ሓጐታትን ኣደ ሓጐታትን መምሃራትንን … ንሕጻናት ብንኣሽቱ ነገራት ኣቢሎም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ጽንክር ኣዋን ብኸመይ ክገጥምዎን ክነብርዎን እብነት ዝዀኑ፡ ይጽልዩን ገዛእ ርእሶም ምእንቲ ንናይ ኵሉ ረብሓ ዘወፍዩን ኵሎም፡ ጸሎትን ብጽሞና ዝቐርብ ኣገልግሎት እቲ ዝበርትዔ መጋብርያ እዩ!

ጐይታ የድልየና እዩ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቕረብዎ ስብከት፡ ደጋጊሞም እታ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፡ እምነትዶ የብልኩምን  እንክብል ዘቕረበሎም ሕቶ ደጋጊሞም ብምዝኽኻር፡ ድሕነት ዘድልየካ ምዃኑ ምፍላጥ ናይ እምነት መጀመርታ እዩ፥

ርእሰ ብቑዓት ኣይኰናን፡ ኣብ ርእሰ ብቕዓት ንበይንና ንምጥሓል እንተዘይኰይኑ ርእሰ ምድሓን የሎን፡ ስለዚህ ጐይታ የድልይና፡ ልክዕ ከምቶም ጥንታውያን ባሕረይናታት፡ ኢየሱስ ናብ ጀልባ ሕይወትና ንዓድሞ፡ ፍርሕና ከሰንፎ መታን ኵለንተናና ነቕርበሉ፡ ልክዕ ከም ደቀ መዛሙርቲ ክጥሕሉ ዘይገበሮም፡ ሓይሊ እግዚኣብሔር ሰናይን ንዅሉ ደላይ ሰናይን እዩ፡ … ኣብ ከምዚ ጽንኩርን ኣብ ማእከል ህቦቡላን ጐይታ ንኽንነቅሕ ይጽውዓና፡ ኣባና ኣብቲ ኣብ ሓደጋ ምስ እንርከብ ምትሕብባርን ተስፋን ከጽንዕ እዩ። ኣባና ናይ ፋሲካ እምነት ክበራበር የበራብረናን ጀልባና ዝመርሕ መስቀሉ ኽኸውን መታን፡ … ኣብዚ ምውሻብ ኣብ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ርክባትን ምሕዝነትን ኩሉ ብርሑቕ ንኽንነብሮ ዝተገደድና ኰይና ኣሎና፡ ስእነት ብዙሕ ነገራት ንኸነስተውዕል ገይሩና ኣሎ። እቲ ብስራት ድሕነት ተንስኡን ኣብ መንጐናን ይነብር ኣሎ።

መስቀሉ ምሕቛፍ ማለት ኩሉ ዘጋጥምን ህልው ኩነታትን ብትብዕት ምቕባል ማለት እዩ። … ንናይ መንፈስ ቅዱስ መሃዝነት ቦታ ምሃብ ማለት እዩ። … ኣብ መስቀሉ ድሒንና ኢና … ተስፋ ንምሕቛፍን ካብ ፍርሒ ኵሉ ዘናግፈና ኣምነት መታን ክንቕበል ንጐይታ ንቐበሎ!

ቡራኬ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሌና ክወርድ

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ስብከት፥

ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥ ኣብዚ ጽንኵርን ብርቱዕን ዘናውጽ ህቦቡላ ኣብ ዝረአይሉ ዘሎ እዋን ንጐይታ ንጸውዕ፡ በማላድነት እታ ኣብ ምንዋጽ ባሕሪ ኰኾብ ዝዀነት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ኵሉ ንጐይታ አመሕጽን፡ ካብዚ መላእ ሮማ ዝሓቑፍ ቅርዓት’ዚ ቡራኬ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ኵላትኩም ይውረድ፡ ኦ ጐይታ ንዓለም ባርኽ ናይ ኣካልን ነፍስን ጥዕና ጸግው፡ እምነትና ድኽምቲ እያ ይዅን ደኣ እምበር ኣብዚ ብርቱዕ ነውጽ’ዚ ኣብ በይንና ኣይትሕደገና፡ “ኣይትፍርሑ” (ማቴ. 28,5)፡ ንሕና ብሓባር ምስ ጴጥሮስ ኰይንና፡ “ጐይታ ንስኻ ከምእትከናኸነልና ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ዅሉ ሻቕሎታትና ናባኻ ንድርብዮ”!

ቢሎም ምስ ዛዘሙ፡ ኣስተንትኖ ኣብ ፊት ቅዱስ ቁርባን ምስ ፈጸሙ ቡራኬ ቅዱስ ቁርባንን ንሮማን መላእ ዓለምን ባሪኾም ምስ ኣብቅዑ ናይ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ናይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ስርዓት ኣቕሪቦምን፡ እዚ ከኣ ኩሉ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዘሰምብድ ለበዳ ኮቮድ 19 ክናዘን ንቕዳሴ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክኸይድ ኣብ ዘይክእለሉ እዋን፡ ኩሉ ኣብ ቤቱ ተወሺቡ ስለ ዘሎ፡ በዚ ምኽንያት ከም ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ዝእዝዞ ቅዱስ ኣቦና ዝኣወጅዎ ናይ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ስነ ስርዓት ከም እተስፈጸመን እዚ መደብ ጸሎትን ምህለላን ቡራኬን ስነ ስርዓት ናይ ምሉእ ሓጢኣት ስርየትን ኣብ መላእ ዓለም ብዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሓን ከምእተመሓላለፈ ሎሞናኰ ሓቢሮም። 

ለብዒ ኮቪድ 19 ከብቕዕ ር.ሊ.ጳ. ዘዕረግዎ ጸሎት፡ ብብርቱዕ ማዕበል ንኽንናወጽ ኣይትሕደገና

Photogallery

ኵሉ ልክዕ ከም ሓዋርያት ኣብ ሓንቲ ጀልባ
28 March 2020, 16:10