ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቻይና ብሓድነት ምእንቲ ክትዓቢ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወርሒ መጸ ኣብ ሓንቲ ሃገር ወይ ሓደ ጉዳይ ብምትኳር ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዝገልጹ ዝዝከር ኰይኑ ንወርሒ መጋቢት 2020 ከኣ ኩልና ስለታ ኣብ ሃገር ቻይና እትርከብ ካቶልካዊት ቤተክርስትያን ንዘሎ ምምቃላት ሰጊራ ኣብ እምነት ወንጌል ምእንቲ ክትጸንዕ ንጸሊ ኢሎም። ነዚ ሓሳብ እዚ በቲ ሓሳብ ጸሎቶም ዘሰናዱ ዓለምለኸ ቤትጽሕፈት ተቀቢሉ ብርእየት ወይ ቪድዮ ዘርጊሕዎ ይርከብ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ እኳ እንተኾነት ብ1957 ሃገራዊ ካቶሊካዊ ማሕበር ቻይና ካብ ዝቀውም ምምቅቃልን ምጒጅጃልን ተፈጢሩስ ካልእ ብስቱር እትጐዓዝ ሕብእቲ ቤተክርስትያን እውን ተተኺላ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንሓድነት ይሥራሕ ኣሎ። እዚ ምምቅቃል እዚ ዘተሓሳሰቦም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብዚ ወርሒ እዚ ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረ ቻይና ከወሃህድ ዝኽእል እንኮ መንገዲ ሓድነትን ኣብ ወንጌል ምእማንን ከምዝኾነ ጠቂሶም ኩልና ምእንታኦም ክንጽሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርእየት ምስማዕ መልእኽቲ ገሊጾም።

“ቤተክርስትያን ንሃገረ ቻይና ብዓቢ ተስፋ ትጥምታ ኩሎም ክርስትያን ቻይና ከኣ ሓቀኛታት ክርስትያንን ሕያዎት ዜጋታትን ክኾኑ ትደሊ። ብዘይ ምንም ክተስድዕ ምድላይ ንወንጌል ክተደንፍዕ ነቲ ኣብ መግንጎኣ ዘሎ ፍልልይ ኣልያ ናብ ሓድነት ካቶሊካዊ ማሕበረ ክርስትያን ንክበጽሑ ይሥርሑ። እዛ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ እምነት ወንጌል ክትጸንዕን ኣብ ሓድነት ክትዓብን ንጸሊ ኢሎም።”

ነቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካውያን ዘሎ ምፍልላይ ንምጽባብ ብ2007 ልሂቅ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ ናብ ካቶሊካውያን ቻይና ኢሎም ዝጸሓፍዋ ከምኡ እውን ብ2018 ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናብ ካቶሊካውያን ቻይናን ኩላዊት ቤተክርስትያንን ኢሎም ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ስዒቡ ኣቡናት ኣብ ምሻም ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ ቅድስት መንበርን ሃገረ ቻይናን ካብቲ ቀስ ብቀስ ዝምዕብል ዘሎ ውህደት እንክኸውን ገና እቲ ብውሽጢ ውሽጢ ዝነበረ ምምቅቃል ምሉእ ብምሉኡ ኣይተወደአን። ስለዚኸኣ እዮም ቅዱስነቶም ስለሓድነትን ምድንፋዕ ስብከተ ወንጌልን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረ ቻይና ክጽለ ዘተሓሳስቡ ዘለው።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

06 March 2020, 16:51