ዓርቢ ስቕለት ብር.ሊ.ጳ. ተመሪሑ ኣብ ኮሎሰዩም ዝዓርግ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ዓርቢ ስቕለት ብር.ሊ.ጳ. ተመሪሑ ኣብ ኮሎሰዩም ዝዓርግ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ 

ዓርቢ ስቕለት ብር.ሊ.ጳ. ተመሪሑ ኣብ ኮሎሰዩም ዝዓርግ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ

ስቓይን ሞትን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ምኽንያት ኣብ ከተማታት ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራትን ዝንበር ዘሎ ጽንኩርን ፈታንን ኵነት ንዓይ ምኽንያት ጸሎትን ሰብኣዊ ቅርበትን እዩ፡ … ኣብዚ እዋን’ዚ እግዚኣብሔር እውን ይዛረበና ኣሎ፡ ነቲ ንሱ ዝብሎ ናይ ምስማዕን ጽን ምባልን ናይ ዘርኢ ኣዳም ሓላፍነት እዩ

በቢ ዓመቱ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም፥ ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ ስቕለት ብናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ መሰረት ሮማ ኣብ ዝርከብ ኮሎሰዩም ኣደባባይ ብናይ ሮማ ጳጳስ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ር.ሊ.ጳጳሳት ዝምራሕ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ መእመናን ካህናትን ደናግል ኣሳቲፉ ዝዓርግ ምዃኑ ዝዝከር ከይኑ፡ እነሆ ናይቲ ናይ ለምዘበን ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፓዶቫ ብዝርከብ ቤት ማሕቡስ ዝሰናደው ክኸውን ቅዱስነቶም ናብ ከተማ ፓዶቫ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከተማ ፓዶቫ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. ናይ ኤውሮጳ ወለንተይናታት ርእሰ ከተማ ተባሂላ ዝተሓረየት ምዃና ዘኪሮም እዚ ስያሜ’ዚ እታ ከተማ ኣብ ማሕብራውን ሰብኣውን መዳይ ኣተቕርቦ ኣገልግሎት ልዑል ምዃኑ ዝምስክር እዩ ቢሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኵለን ናይ ኢጣሊያ ከተማታትን ማሕበረሰብን መላእ ሕዝብን ክርስቲያን ማሕበረሰብን ምስ ካህናቶምን ጳጳሳቶም ዘሕልፍዎ ዘለዉ ኵነት ከቢድ እዩ፡ እዚ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ስዒቡ ዝመጸ ከይኑ፡ ከቢድ ኵነት እውን ይሃሉ ናይ ጽቡቕ ድላይን ተግባርን ምስክርነት ዝረኣየሉ ኣጋጣሚ ከምዝዀነ ንነብሮ ዘሎና ሓቒ እዩ እንክብሉ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ሃገራትን ንዝርከቡ እሱራት ብመንፈስን ብጸሎትን ቅርበቶም ንምርግጋጽ ናይቲ ናይ ዓርቢ ስቕለት ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ በቶም ኣብ ፓዶቫ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ብዘለዉ እሱራት ክቐርብ ድላዮም ምዃኑ ከምዝሓበሩ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

እግዚኣብሔረ ኣብ ጽንኵር እዋን እውን ዝዛረበና ኣምላኽ እዩ

ስቓይን ሞትን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ 19 ምኽንያት ኣብ ከተማታት ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራትን ዝንበር ዘሎ ጽንኩርን ፈታንን ኵነት ንዓይ ምኽንያት ጸሎትን ሰብኣዊ ቅርበትን እዩ፡ … ኣብዚ እዋን’ዚ እግዚኣብሔር እውን ይዛረበና ኣሎ፡ ነቲ ንሱ ዝብሎ ናይ ምስማዕን ጽን ምባልን ናይ ዘርኢ ኣዳም ሓላፍነት እዩ፡ እቲ ድምጺ እግዚኣብሔር መንግስቲ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ኣምላኽ ንምሕናጽ ዝመርሕ እዩ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ነዚ ተላባዒ ሕማም ንምብዳህ ብዝተፈላለየ መዳይ ተዋፊሮም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብዝዀነ ደረጃን ብተወፋይነት ንዘገልግሉ ዘለዉ እናሓሰቡ ከምዝዀነ እውን ኣብ ፓዶቫ ዝሕተም፥ ወጋሕታ ፓዶቫ ኣተሰምየ ናይታ ከተማ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሎሚ ሕትመቱ የመላኽት።

ብሓባር ነቲ ጽንኵን ኵነት ምብዳህ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣክንዲ ምጽጋን ምድርባይ፡ ኣክንዲ ምልጋብ ብምትታኽ፡ እዚ ንግኡዝ ነገራት ዝምልከት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረትን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻልን ብቕዓት ዘይብሎምን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝፍጸም እዩ። … ንዝዀነ ይዅን ሰብኣዊ ፍጥረት ሓልዮት ፍቕርን ቆላሕታ ፍቕርን ሰናይ ድጋፍን ክንጸጐ የብሉን” ከምዝበሉ ዲኒኒ ኣፍሊጠን።

ንፍቕሪ ምግልጋል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፓዶቫ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ወለንተይናነት ርእሰ ከተማ ኰይና ምሕራያ፡ ናይታ ከተማን ህዝባን ለጋስነትን ተኻፊልካ ናይ ምንባርን ልምዱን ባህሉን ዝምስክር እዩ፡ … ናይ ፍቕሪ ስራሕ ልበ ወለዳዊ ድርሰት ነይሩ እተዝኸውን ክንደይ ደስ ዘብል ዝማርኽ ምዕራፍ ዝሓቁፈ ምዀነ ነይሩ ቢሎም፥ እቲ ናይ ለምዘበን ዓርቢ ስቕለት ናይ ዝዓርግ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ ኣብ ፓዶቫ ብዝርከብ ቤት ማሕቡስ ክቐርብ ምምራጾም እውን ብዘይ ምኽንያት ከምዘይኰነ ዶኒኒ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ጠቒሰን ይሕብራ።

ትንሳኤ ናይታ መላእ ሕዝባ እትሓቁፍ ከተማ

ፍኖተ መስቀል ኣብ 14 ምዕራፋቱ እግዚኣብሔር ናይ ነፍሲ ወከፍና ናይ ሕይወት ታሪኽ መጋበርያ ገይሩ ኣብ ታሪኽ ዝዛረብ ብዛዕባ ታሪኽ ዝዛረብን ምዃኑ የረጋግጸልና ዝበሉ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ለምዘበን 2020 ዓ.ም. ዓርቢ ስቕለት ናይ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ በቲ ኣብ ከተማ ፓዶቫ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ክድረስ ምሕራዮም ከብርሁ እንከለዉ፡ “ሎሚ ከም ቀደም መገድታትና ዝሕብሩ ትሑታትንን ዝተናዕቁን ምዃኖም ንምዝኽኻር እዩ፡ እሱራትን ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዘገልግሉ ኣባላት ሓለዋ ጸጥታን ኣብ ኣባይቲ ማሕቡስ ዝዓዩ ወለንተይናታትን ናይ እሱራት ኣባይቲ ስድራን ደያኑን ንናይ እሱራት ሕንጸት ዝዓዩ ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኻይንም ካህናትን ንጹሓንን ዓቢይ ግምት ብምሃብ እዩ። … ኣሕዋት ናይቲ ዝተጋገየን ዝኣበሰን ዝበደለን ከምዝዀንናን ብሓባር ንምጉዓዝን ኣብ ከበድ ሕይወትን ሓጢኣትን ምትንሳእ ዝተዓደለና ምዃኑ ንምምልኻትን እዩ፡ ኵላትና ሓጥኣን ኢና፡ … እቲ ዘይተገዳስነት ብለውሃትን ሓልዮትን ዝትክእ ኵሉ እግዚኣብሔር ይባርኰ ቢሎም፡ ናብ ከተማ ፓዶቫ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ብዘጋጠሞም ሓዘንን ስቓይን ንዝነብዑ ዘለዉን ህሙምንን ኣረጋውያንን እሱራትን በቲ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ከቢድ ኩነት ንዝርከቡን ኵሎም ቡራኬኦም ኣመሓላሊፎም ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዲኒኒ ሓቢረን።

ዓርቢ ስቕለት ብር.ሊ.ጳ. ተመሪሑ ኣብ ኮሎሰዩም ዝዓርግ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣስተንትኖ
11 March 2020, 16:37