ፍራንቸስኮ፡ ፍጥረት ብምክልኻል ንናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር መልሲ ምሃብ

“ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሕዲግናሉ ክንሓልፍ እንደልይ” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ “እንታይ ዓይነት ዓለም ጥራሕ ዘይኰነ እንታይ ዓይነት ትርጉም ሕይወትን ንሓደ ሕብረተሰብ መሰረት ዝዀኑ እንታይ ዓይነት ክብርታትን ኢና እንሓድገሉ ዘሎና”

ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሰበኻታትን ቁምስናታትን ኣብ ናይ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብን ተቛማትን ነቲ ዕለት 24 ግንቦት 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ዝተፈላለዩ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዘተኵረ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ክካየድ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚ ምኽያት ገይሮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 መጋቢት 2020፥ “ተኸሲቱ ንዘሎ መሓድሮኣዊ ቅልውላውን ናይ ምድሪን ድኻታትን ገዓር መልሲ ምሃብ ይጽናሕ ክበሃል ዘይግብኦ ተግባር እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበራ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ ኣብቲ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዝካየድ “ዓለም ሓቆፍ ቅነ ይሴባሕ” ንዝሳተፉ ኵሎም፥ መሓድሮ ብምክንኻን ንናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር ሓደራ መልሲ ንሃብ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መጻኢ

ቅዱስነቶም በዚ ዓለም ለኻዊ ጐስጓስ ይሴባሕ ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ልክዕ ኣብቲ ዓዋዲ መልእክቲ ከምዝበልዎ፡ “ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሕዲግናሉ ክንሓልፍ እንደልይ” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ “እንታይ ዓይነት ዓለም ጥራሕ ዘይኰነ እንታይ ዓይነት ትርጉም ሕይወትን ንሓደ ሕብረተሰብ መሰረት ዝዀኑ እንታይ ዓይነት ክብርታትን ኢና እንሓድገሉ ዘሎና” ዝብል ሕቶ እውን ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነዚ ሕቶ ዘቕርቡ ከኣ “ኵሉ ፍጥረት ናይቲ ሕይዋይ ኣምላኽ ስራሕን ፍቓድን” ብምዃኑ እዩ እንክብሉ ኣብሪሆም፡

ህልው ኵነታት ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ

ዓለም ሓቆፍ ቅነ ይሴባሕ ምስ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምትብባዕን ምታሕብባርን ዝካየድ ኰይኑ፡ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ናይ ከባቢ ኣየር ሓልዮ ምንቅስቓስን፡ ዝተፈላለያ ኣብ መዳይ ምክልኻልን ምክንኻንን ፍትጥረትን ተፈጥሮን ጐስጓስ ዘካይዳ ካቶሊካውያን ማሕበራትን ማሕበረሰብን ዘተሓባብር እውን ምዃኑ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ፍራንቸስኮ፡ ፍጥረት ብምክልኻል ንናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር መልሲ ምሃብ
03 March 2020, 17:05