ር.ሊ.ጳ.፥ ኵላትና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና፡ ካብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ብሓባር ክንድሕን ር.ሊ.ጳ.፥ ኵላትና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና፡ ካብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ብሓባር ክንድሕን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኵላትና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና፡ ካብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ብሓባር ክንድሕን

ዓቢይ ጸገም፡ ብጸሎንትን ጾምን ኣብ ናይ ካልኦት ስቓይን መከራን ንኽንሓብርን ነቶም ዝሳቐዩ ቀረባ ንኸውን፡ ነታ ንዅሉ እትኹልዕን መገድታት እተብህርን ብርሃን እናማዕደውና፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ከቢድ ማዕበልን ጸፍዕን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንኢየሱስ፥ “መምህር ጠፋእና” እንክብሉ ዘቕርቡሉ ጸሎት ዘኪሮም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ላ ስታምፓ ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ዕለታዊ ጋዜጣ ልኡኽ ጋዜጠይና ዶመኒኮ ኣጋሶ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ “ጸሎት ተኣፋፍያን ምዃንና ንኸነስተውዕል የብቅዓናን ጽንዓት ካብ ጐይታን ቅርበት ጐይታን ኣባና የሕድር”፡ ቢሎም ኣብዚ እዋንዚ ኵላትና ሓዘንን ስቓይን የጋጥመና እውን ይሃሉ፡ ብሓባር፥ ከም መላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብዚ ጽንኵር ኩነት’ዚ ክንወጽእ ኢና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚ ጽንኵር እዋን’ዚ ብትዕግስትን ብምትሕልላይን ብተስፋን ምንባር የድሊ፡ ብዙሕ እዋን ኣብ ሕይወትና ጽልሙው ኵነት ዘጋጥምን ከምዘሎን እውን ንዝንግዕ፡ ንኻልእ ዘጋጥም ጥራሕ ገይርና ንሓስቦ፡ ይዅን ደኣ እምበር ልክዕ ኣብዚ እዋን እዚ ከምእነስተውዕሎ ንዅሉ ዘጋጥም ምዃኑ እዩ፡ ስቓይን ጸላልሞ ዝረኣየሉን፡ ስቓይን ጸልማትን ኵሉ ኣብ ኣባይትና ይኣትው፡ ንኻልእ ዘጋጥም ሓደጋ እዩ ዘይትብለሉ፡ ንዅሉ ከጋጥም ዝኽእል ምዃኑ ነስተውዕል፡ ስለዚ ኵላትና ብሓባር እንነብሮ ጸገም እዩ።

ዓቢይ ጸገም፡ ብጸሎንትን ጾምን ኣብ ናይ ካልኦት ስቓይን መከራን ንኽንሓብርን ነቶም ዝሳቐዩ ቀረባ ንኸውን፡ ነታ ንዅሉ እትኹልዕን መገድታት እተብህርን ብርሃን እናማዕደውና፡ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ከቢድ ማዕበልን ጸፍዕን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንኢየሱስ፥ “መምህር ጠፋእና” እንክብሉ ዘቕርቡሉ ጸሎት ዘኪሮም፡ ጸሎት ድኻምነትናን ተኣፋፍነትናን ንኸነስተዕል ይገብረና፡ … ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሕይወት ኵነት’ዚ በይንና ኣይኰንናን፡ ጐይታ ምሳና ምህላዉ ምስትውዓል የድሊ፡ … ጐይታ ብዝተፈላለየ መገድታት ኣቢሉ የጸናንዓና፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምጥሓል ሓደጋ ወዲቑ ንዝነበረ ጴጥሮስ ኢዱ ሰዲዱ ከምዘድሓኖ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘካየድዎ ነዊሕ ቃለ መሕትት፡ ኣማንን ኢኣማንን ዝብል ፍልልይ ከይገበሩ፡ ኵላትና ሰብኣውያን ፍጡራት ኢና፡ ስለዚህ ከም ሰብ ከኣ ኣብ ናይ ሓባር መርከብ ኢና ዘሎና፡ ኵሉ ዝካፈሎን ዝነብሮን ሰብኣዊ ኵነት፡ ክርስቲያን እውን ካብዚ ኵነት’ዚ ዝረሓቐ ኣይኰነን፡ ሰብኣዊ ኵነት ናይ ኵሉን ንዅሉን እዩ፡ ኵሉ ይሳቐይን ይነብዕን፡ ሰብኣውነትን ስቓይን፡ ሱታፌና እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ ኣብ ምድማርን ንሓድ ሕድና ኣብ ምድግጋፍን የበርትዓና። ሓላፍነትን መስዋዕትነትን እትርእየሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኵላትና ደቃቱ ኢና፡ ኵላትና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና፡ ስለዚህ ኣማንን ኢኣማንን ዝብል ፍልልያት ምግባር ኣየድልን … ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅዱስነቶም ናይ ኣባይቲ ስድራ ምጽንናዕ ከይረኸቡ ኣብ ብሕትውና ዝዓርፉ ዘለዉ እናሓሰቡ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝረአይ ዘሎ ኵነት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሰማዕክዎ ልበይ ዝተንከፈንን ዘሕዘነንን - ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ዝርአይ ዘሎ ጽንኵር ኵነት፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦ፥ ሕይወቶም ትሓልፍ ከምዘላ የስተውዕሉ እሞ ካብ ኣባይቲ ስድራኦምን ፍቑራቶም ክሰናበቱ ይደልዩ፡ ኣብቲ ቤት ሕክምና ዝኣልዮም ንዝነበረ ሰብ ሞይ ክንክን ጥዕና ንወዲ ወዶም ብናይ ኢድ ተለፎን ደዊሎሉ ገጹ ርእዮም ብሰላም ከምዝዓረፉ ይሓትዎ፡ ነቲ ዝበልዎ ምስ ፈጸመሎም ዝብል ዘሕዝን ታሪኽ ይዝክሩ፡ ኣባይቲ ስድራ ዘይብሉ ምጽንናዕ ዘይትረኽበሉ ስቓይን ሞትን፡ … ብዙሓት ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን፡ ኣብዚ ከቢድ እዋን’ዚ ንብዙሓት የሰንዩን ኣብ ሓዘንን ሰቓይን ብቐዳምነት ዘገልግሉ፡ ኣብ ስቓይ ናይቶ ዝሓመሙ ይሳተፉን፡ ብዙሓት ወለንተይናታት ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን እውን ከምኡ፡ … እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ኣባይቲ ስድራኻ ዝፈልይን ንበይንኻ ዘትርፍን ዘሎ እዩ፡ ነዚ ርኢኻ ናይ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ካብ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ሰገር ዝብል ከምዝዀነ ተስተውዕል።

ኣብቲ ነዊሕ ቃለ መሕትት ካልእ ቅዱስነቶም ዝተንከፍዎ ሓሳብ፡ መጻኢ ዝብል እዩ፡ እቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ጽንኵር እዋን፡ መላእ ዘርኢ ሰብ ሓደ ማሕበረሰብ ምዃኑ ዝገልጽን ሰብኣውነት ሓደን እንኰን ማሕበረሰብ ምዃኑ የረጋግጸልናን፡ ስለዚ ኵለንተናዊ ሕውነት ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ንኸነስተውዕል ይድርኸና፡ ልክዕ ነቲ ድሕሪ ዓበይቲ ውግእ ዓለም ዝነበረ ኵነት ዘዘኻኽር እዩ፡ ካባኻ ዝተፈለየ ካልእ ዘይኰነ፡ ንሕና ዝብል ኵነት ዘስምዕ፡ ስለምንታይ ካብዚ ጽንኵር ኵነት ብሓባር ኢና ንላቐቕ፡ ኣናስርና እነስተውዕለሉን፡ ንኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍሉይ  ቀረባ እንዀነሉን፡ ንሕና ንዝብል እውነተይና ሕውነት እንሕነጸሉን፡ ናይቲ ዝሓለፈ ጽንኵር ኩነት ህያው ተዘክሮ ምግባር፡ ብተስፋ ንቕድሚት ምባል፡ ተስፋ ጥራሕ እዩ ዘየደናግር፡ እዚ ኸኣ ኰሉ ብሓድሽ መንፈስ ንምጅማር ዝድርኸና ይኸውን፡ ዝኽርን ሕውነትን ተስፋን ብዝብሉ ዕሴታት ሓድሽ ሕይወት ንኸነበግስ ይድርኸና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኵላትና ደቂ እግዚኣብሔር ኢና
20 March 2020, 17:24