ድለ

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ኮንተን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ኮንተን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ኮንተን

ኢጣሊያ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምዳህ እተካይዶ ዘላ ጻዕር ኣፍሉጦ ዝሃበን እዚ ጥራሕ ዘይኰነ ኢጣሊያ ኣብ ልቢ ቅዱስነቶም ህልውነታ ፍሉጥ ምዃኑ ዘረጋገጸ ርክብ ምንባሩ ይሕብር

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሓበሮ ዕለት 30 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዘፐ ኮንተ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ክፍለጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“መንግስታትና ስለ እቲ ዝወስድዎ ውሳኔ ስሌኦም ንጽልይን ሕዝቢ ብጸሎት የሰንዮምን” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ከኣ እቲ ናይ ሕዝቢ ጉዳይ ዘበለ ኵሉ ዝመርሑ ዘይ ሕዝባውያን ኮይኖም ፍቱዋትን ቅቡላትን ንምዃን ዘይኰነ ምእንቲ ንናይ ኵሉ ረብሓ ዝወስኑ ብፍሉይ ከምዝሓሰቡ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ንግላዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ጁዜፐ ኮንተ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ዛዕባ ዝተመያየጡሉ ዝክረ ነገርን ትሕዝቶን ከምዘይተሓበረ ኣመላኺቱ፡ ጁዘፐ ኮንተ ብግሊ ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ጠቒሱ፥ ኢጣሊያ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ንምዳህ እተካይዶ ዘላ ጻዕር ኣፍሉጦ ዝሃበን እዚ ጥራሕ ዘይኰነ ኢጣሊያ ኣብ ልቢ ቅዱስነቶም ህልውነታ ፍሉጥ ምዃኑ ዘረጋገጸ ርክብ ምንባሩ ይሕብር።

ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱ ክሌኣዊ ርክባት

ብጀካ እቲ ዕለት 30 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስነቶም ዕለት 30 ነሓሰ 2019 ዓ.ም. ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ኣኪለ ሲልቨስትሪ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት እቲ ብመራሔ መንግስቲ ኢጣሊያ ኮንተ ዝምራሕ ዳግማይ መንግስቲ ምስ ቆሞ ተራኺቦም ከምዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣዘኻኺሩ፡ ዕለት 15 ታሓሳስ 2018 ዓ.ም. እውን ተራኺቦም ነርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ዝኣክል ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ማሕበራዊ ዒማዕርነትን ጸኣት ስደተይናታትን መሓድሮን ሰላምን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ከምዝተመያየጡ የዘኻኽር።

31 March 2020, 21:06