ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቶስ ምንጪ ድሕነት እዩ

ኢየሱስ ደኺሙን ጸሚኡን ኣብ ጥቓ ዒላ ያዕቆብ ከዕርፍ ኮፍ ኢሉ እንከሎ ነታ ማይ ክትቐድሕ ዝመጸት ሳምራዊት፥ “ማይ ኮታ ኣስትይኒ” (ፍቕዲ 7) እንክብል ይሓትታ፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ዝዀነ ኵሉ ዓይነት ፍልልያት ይኣልይ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም፥ በቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቫዲ 19 ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያ ብፍሉይ ሕዝብን ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ዘኪሮም፡ ናይ ዕለቱ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ 42 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፡ ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዝኣተዎ ቃል ዘኪሮም፡ ካብኡ እቲ ሓጢኣትና ዝሓኽኽን ይቕረ ዝብለናን ኣባና ሕድሽ ሕይወት ዘመንጭው መንፈስ ቅዱስ ይውሕዝ፡ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤማኑኤላ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ተላባዒ ሕማም ኮቫዲ 19 ምኽንያት ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ብምስልን ቃልን ውሕዘት ብቐጥታ ብዝመሓላለፍ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ኣቐዲሞም በቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቫዲ 19 ኣዚዩ ዝተጠቕዔ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያ ብፍሉይ ሕዝብን ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ዘኪሮም፡ ናይ ሎምባርዲያ ርእሰ ከተማ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ደልፒኒ ዕለት 11 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ሰበኻኦም ርእሰ ኣድባራት ካቲድራል ናሕሲ ደይቦም ኣብ ፊት ቅዱስ ሓወልቲ ቅድስተ ማርያም በማላድነታ ዘዕረግዎ ናይ ፈውስን ምሕረትን ጸሎት ምህለላ ከምዝዘከሩ ዝሓበራ ካምፓኒለ ኣስዒበን፡

ጸጋ እግዚኣብሔር ምልላይ

ቅዱነቶም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ማይ፥ ሕይወት ዘጽንዕን ምስጢርን፡ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብዚ ሳልሳይ ሰንበት ዘዓቢይ ጾም ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 4 ካብ ፍቕዲ 5 ክሳብ 42 ዝተወስደ፡ ኣብ ጥቓ ዒላ ያዕቆብ ኢየሱስ ምስ ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ከምእተራኸበ ዘዘንትው ምንባብ፡ ኢየሱስ ደኺሙን ጸሚኡን ስለ ዝነበረ ነታ ብኣይሁዳውያን ዝተናዕቐት ሳምራዊት ሰበይቲ፥ ማይ ኮታ ኣስትይኒ ክብል ይሓትታ፡ በዚ ኣገባብ እዚ ኣቢሉ ድማ ኢየሱስ ነቲ ቆይሙ ዝነበረ ፍልልይ ይኣልዮ፡

ኢየሱስ ደኺሙን ጸሚኡን ኣብ ጥቓ ዒላ ያዕቆብ ከዕርፍ ኮፍ ኢሉ እንከሎ ነታ ማይ ክትቐድሕ ዝመጸት ሳምራዊት፥ “ማይ ኮታ ኣስትይኒ” (ፍቕዲ 7) እንክብል ይሓትታ፡ በዚ ኣቢሉ ድማ ዝዀነ ኵሉ ዓይነት ፍልልያት ይኣልይ፡ ነታ ሰበይት ናይ ማይ ምስጢር ይገልጸላ፡ ማለት መንፈስ ቅዱስ፡ ህያብ እግዚኣብሔር ምዃኑ ይገጸላ፡ ነቲ ንሳ ዘርኣየቶ መልሰ ግብሪ፡ “ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑ እንተ ትፈጢስ ንስኺ ምለመንክዮ ኔርኪ” (ፍቕዲ 10) እንክብል ይምልሰላ፡

 ምሉእ ርውየት ድልያናን ጽምእናን ኣብ ክርስቶ እንተድኣ ኰይኑ፡ ድሕነት ኣብ ግኡዝ ነገራትን ዘይኰነ ኣብቲ ዘፍቐረናን ወትሩ ዘፍቅረናን ኢየሱስ መድሕንና ምዃኑ ነስተርእይ፡

እግዚኣብሔር ምንጪ ናይ ሕይወት ማይ እዩ

ብናይ ቕዱስ መጽሓፍ ባህሊ ናይ ሕይወት ምንጪ እግዚኣብሔር እዩ፡ ካብኡ ምርሓቕ እቲ ዝኸፍኤን ከቢድን ደርቂ እዩ ዘኸስት፡ ልክዕ ከምቲ ብሙሴ ኣብ ምድረ በዳ ዝምራሕ ዝነበረ ሕዝበ እስራኤል ዝዀኖን ዘጓነፎን፥

ሕዝበ እስራኤል ኣብቲ ጉዕዞ ናብ ናጽነት፡ ብጽምኢ ማይ ነቒጹ ኣብ ልዕሊ ሙሴን እግዚኣብሔር ይቑጣዕ፡ ዝስተይ ማይ ስለ ዘይነበረ፡ ብድላይ እግዚኣብሔር ከኣ ሙሴ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ዘሰንይን ሕይወት ዝህብ ሓላይ ምዃኑ ዘረጋግጽ ትእምርቲ ካብ ከውሒ ማይ የፈልፍል፡

እቲ ከውሒ ክርስቶስ እዩ

ኣብቲ ፈልፋሊ ዓይኒ ማይ ከውሒ፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ክርስቶስ ይርእይ፡ እቲ ምንጪ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ክርስቶስ፥

ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቀዳመይቲ ናብ ሰብ ቆሮንጦ መልእኽቱ ምዕ. 10, 4፥ “ኵላቶምውን ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ” እንክብል እቲ ምንጪ ማይ መን ምዃኑ ይሕብረና፡ ህላዌ እግዚኣብሔር ኣብ መንጐ ሕዝቡ ዘረጋግጽ፡ ብርእየት ነቢያት እውን ክርስቶስ እቲ ሕይወት ዘንጽሕን ሓድሽ ሕይወት ዝጽግው መንፈስ ቅዱስ ዘፈልፍል ቤተ መቕደስ እዩ፡ ጽምኢ ድሕነት ዘለዎ ካብ ኢየሱስ ብናጻ ድሕነት ይግልልን መንፈስ ቅዱስ ድማ ምንጪ ምልኣትን ዘለዓለማውን ሕይወት ይኸውን፡ እቲ ኢየሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይት ዝኣትዎ ቃል ህያው ማይ፡ ኣብ ፋሲካ ክውን ይኸውን፡ “ካብ ጐድኑ ደምን ማይን ጸረር በለ” (ዮሓ. 19,34)፡ ዝተሰወኤ ሕያዋይ በጊዕን ዝተንስኤን ኢየሱስ፥ ሓጢኣትና ዝምሕርን ሓድሽ ሕይወት ኣባና ዳግም ክውለድ ዝገብርብ መንፈስ ቅድስ ካብኡ ይፍልፍል።

ካብ ጸጋ ፋሲካ ናብ ምስክርነት

ድሕሪ ምስ ኢየሱስ ምርኻብ ኣፍካ ዓቢስካ ምንባር ዘይከኣል ይኸውን፡ ልክዕ ከምታ ሳምራዊት እቲ ዝተገበረልካን ዝራእኻዮን ከተበስር እዩ ዘነቓቕሓካ፡

ምስ ኢየሱስ ድሕሪ ምርኻብ ሱቕ ምባል ጠሪሹ ዝከኣል ኣይኰነ፡ ስለምንታይ … ልክዕ ከምታ ሳምራዊ ሰበይቲ፡ ዝዀነ ይዅን ምስ ህያው ኢየሱስ ዝራኸብ ኵሎም ኢየሱስ ክናዘዙ መታን፡ ንኸተበስሮ ድላይ ይሓድረካን ነዚ ኸኣ ይፍጽምን፡ እቲ ካብታ ሰበይት ቃል ምስክርነት ዝተቐበለ ሕዝቢ “ብሓቂ ክርስቶስ መድሕን ዓለም ምዃኑ ፈሊጥና” (ዮሓ. 4,42) ከምዝበሎ፡ ንሕና እውን ብጸጋ ጥምቀት ኣብ ሓድሽ ሕይወት ዳግም ዝተወለድና እቲ ኣባና ዘሎ ሕይወትን ተስፋን ንኽንምስክር ዝተጸዋዕና ኢና፡ ድልያናን ጽምእናን ኣብ ክርስቶስ እንተድኣ ምሉእ ዕጋበትን ርውየትን ረኺቡ፡ ድሕነት ኣብቶም ደርቂ ዘፈልፍሉ ነገራት ናይዚ ዓለም’ዚ ዘይኰነስ ኣብቲ ዘፍቀረናን ወትሩ ዘፍቅረናን ከም ናይ ሕይወት ማይ ገዛእ ርእሱ ዘቕርበልና ኣብ መድሓኒና ኢየሱስ ከምዝዀነ ከነስተርእይ ኢና።

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ኣስተንትኖ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተንቶ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዝዛዘሙ ካምፓኒለ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቶስ ምንጪ ድሕነት እዩ
16 March 2020, 17:25