ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔት ሃገር ክሮኣሺያ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔት ሃገር ክሮኣሺያ 

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔት ሃገር ክሮኣሺያ

ብናይ ኮሮኣሺያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተን ዕስራን ኣርባዕተን ደቓይቕ 5.4 ልክዕ ኣብ ፍርቂ ሰዓት ርሓቐት እውን 4.6 መጠን ምንቅጥቃጥ ዘመዝገበ ርእደ መሬት ተኸሲቱ መጠነይና ዕንወትን ማህሰይትን ከምዘውረደን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ክርኣሺያ ርእሰ ከተማ ዛጋብሪያ 5.4 መጠን ምንቅጥቃጥ ዘመዝገበ ክስተት ርእደ መሬት ምኽንያት ንዝተጐድአ ህዝቢ ዕለት 22 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቕዑ ዘኪሮም፡ ሕዝቢ በቲ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ምኽንያት ንዘጋጠመ ሓደጋ ክገጥም ኣብ ዘካይዶ ጻዕሪ ጐይታ ሓይልን ደጋፍን ክዀኖ ንጸልይ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብናይ ኮሮኣሺያ ሰዓት ኣቆጻጽራ ወጋሕታ ሰዓት ሓሙሽተን ዕስራን ኣርባዕተን ደቓይቕ 5.4 ልክዕ ኣብ ፍርቂ ሰዓት ርሓቐት እውን 4.6 መጠን ምንቅጥቃጥ ዘመዝገበ ርእደ መሬት ተኸሲቱ መጠነይና ዕንወትን ማህሰይትን ከምዘውረደን ሓደ ወዲ 15 ዓመት መንእሰይ ጥራሕ ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘጋጠሞ ክንገር እንከሎ፡ ብምኽንያት ቲ ዝርአይ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 መንግስቲ እታ ሃገር ሕጹጽ ናይ እዋን ሃደጋ ኣዋጅ መሰረት ሕዝቢ ኣብ ኣባይቱ ክዕጸው ከምዝገበረ እውን ዝዝከር ከይኑ፡ ነዚ ግምት ብምሃብ እውን ናይታ ሃገር ናይ ውሽጢ ጉዳያት ሚንስትር ዳቮር ቦዚኖቪች ኣብቲ ብርእደ መሬት ኣብ ዝተጠቅዔ ከባቢ ዝነብር ሕዝቢ ካብ ቤቱ ክወጽእን ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 እውን ናይ ውሕስነት ርሕቐት ከኽብር የተሓሳስቡ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ ብኮቪድ 19 ዝተጠቕዑ ዜጋታት 235 ምዃኖም ከምዝሓበሩ ሰፒያ የዘኻኽራ።

ካብቲ ርእደ መሬት ዝተራእየላ ከተማ ዛጋብሪያ 60 ኪሎ ሜትር ርሑቐት ኣብ ስሎቨኒያ ኣብ ዝርከብ ናይ ኑክለሳዊ ጸዓት ማእከል ኪርስኮ ሓደጋ ከምዘይሰዓበን ዝሓበራ ሰፒያ ኣስዒበን፡ ናይቲ ማእከል ሰራሕተይናታትን ሓለፍትን ነቲ ናይ ኑክለሳዊ ማእከል መሳርዕ ኵሉ ካብ ሓደጋ ናጻ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ሓደጋ ንኸየጋጥም ኣቀዲምካ ናይ ምክልኻል ዕዮ የሳልጡ ከምዘለዉ የመላኽታ።

ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔት ሃገር ክሮኣሺያ
23 March 2020, 16:39