ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ሕይወትኩም የንጸባርቅ! ር.ሊ.ጳ

'ብርሃን እምነት ካብ ሓጢኣት ሓራ የውጽኣና ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ሕማቅ ነገር ከኣ የቃጽሎ' ዝበሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ራብዓይ ሰንበት ዘመነ ጾም ኣብ እንዝክረሉ በቲ ለበዳ ሕማም ኮረና ዘስዓቦ ናይ ህጹጽ ግዜ ኩነታት ዕለት 22 መጋቢት 2020 እውን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባዶ ኰይኑ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝተመሓላለፈ ጉባኤ መልአከ እግዚአብሔር ንኩሎም ምእመናን ከምቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ምስ ተፈወሰ ንካልኦት ከብርህ ዝተረኽበ ኣብነቱ ተኸተሎም ሕይወቶምን ሕይወቶም ካልኦትን ከብርሁ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌለ ዮሓንስ 9 ኰይኑ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ነቲ ዕውር ኰይኑ ዝተወልደ እሞ ኩሉ ጸልሚትዎ ዝነበረ ሰብኣይ ብጸብሪ ገይሩ ምስ ፈወሶ ንኩሎም ብዘደንቅ መንገዲ ምስቶም እናረኣዩ ዝዓወሩ ብቀትሩ ዝጸልመቶም ፈሪሳውያንን መማህራን ሕግን ዝገበሮ ክትዕ ዘመልክት ነበረ። እዚ ሓዲስ ብርሃን ዝረኸበ ኣካላዊ ምሕዋይ ዓይኑ ጥራይ ዘይኮነ ልቡን መንፈሱን እውን ከምዝበርሀ እሞ ብቀጥታ ናብ እምነት ወልደ እግዚአብሔር ከምዝተሰጋገረ ብሓቂ ከምዝተለወጠ ዘመልክት ኰይኑ እዚ ፍጻሜ እዚ ማለት ውሳጣዊ ለውጢ ልቢ ዳርጋ ንኩሉ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ተኣምር ዘሰኒ ኰይኑ ናብ ሕድገት ሓጢኣትን ለውጥን መሪሑ ብብርሃን እምነት ይዛዘም።

ብርሃን እምነት!

እቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ኢየሱስ ብርሃን ዓይኒ ዝዓደሎ ምስዚ ብርሃን እምነት እውን ሰልዝሃቦ ነቶም ነቲ ተአምር እናረኣዩ ክኣምኑ ዘይደሉ ፈሪሳውያን ደጋጊሞም እንክሓትዎን ብዘይከውን እንክኸስዎን ነቲ መድሓኒ ዓለም ዝኾነ መሲሕ ድሮ ኣለልይዎስ ክሰብኮም ይጅምር። እንተንሶም እናረኣዩ ብምዕዋሮም ዝኸውን ዘይከውንን ክስን ጠቀነን እናመስረቱ ንኣኡስ ይኹን ነቲ ወሃብ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ሓጢኣተኛታት ኢሎም ይፍርጅዎም።

“ነዛ ንመሲሕ ኣለሊኻ ምኽኣል ንሕና እውን ክነስተማቅራ ንኽእል! ብብርሃን እምነት እቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ሓዲስ መንነት ይለብስ። ሓዲስ ፍጥረት ኰይኑ ኣብ ሕይወቱን ኣብ ዓለምን ሓዲስ ብርሃን ይርኢ። ከመይ ምስ ክርስቶስ ምስ ተወሃሃደ ሓዲስ ሕይወት ረኺቡ ንኩሉ ከኣ ብሓዲስ ጠመተ ክዕዘቦ ክኢሉ።ደጊም እቲ ኣብ ዘፈር መንገዲ ኰይኑ ዝልምን ዝነበረ ብዕውሩ ዝተወልደ ኣይኮነን! በቲ ሕዝቢ ዝተጓነየን ባርያ ዑረትን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ኣይኮነን! እዚ ናቱ ጉዕዞ ብርሃን ንዓና እውን ብከመይ ዝበለ መንገዲ ካብ ሓጢኣት ሓራ ክንከውን ከምእንኽእል ህያው ኣብነት እዩ። ከመይ ምሕረት እግዚአብሔር ንጸልማት ሓጢኣት ብዝደጒሕ ብርሃኑ ይኣልዮ ኢሎም።”

ምሕረት እግዚአብሔር ንድቅድቅ ጸልማት ይጋልህ!

ቅዱስነቶም ኣብ ዘሎናዮ ኩነታትን ግዜን ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ካብ ድቅድቅ ጸልማት ናብ ብርሃን ምስግጋር ናይዚ ብዕውሩ ዝተወልደ ንዓና እውን ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓን ከይፈቶና ኣብ ብሕትውና ተገዲድናሉ ዘሎና ህጹጽ ኩነታትን ነቲ ንኩሉ ዘብርህ ምሕረት እግዚአብሔር ኣቦ ሃሰስ ኢልና ክንረኽቦን ክነስተማቅሮን ንዕደም ኢሎም። ሓጢኣት ከም ሓደ ጸሊም መጐልበብ ኰይኑ ገጽና ሸፊኑ ንገዛእ ርእስናስ ይኹን ንዓለምና ኣነጽርና ከይንርኢ ይኽውለና።

“ምሕረት እግዚኣአብሔር ኣቦ ግና ነዚ መጐልበብ እዚ ቀንጢጡ ካብ ጽላልን ጸልማትን ከም እንወጽእ እሞ ሓዲስ ብርሃን ከምእንረክብ ይገብረና። እዚ ናይ ሎምዘመን ፍሉይ ጾመኣርባዓኸስ ምሕረት እግዚአብሔር ክንልምንን ዝተፈላለየ ጸጋታት ክንረኽበሎም እንኽእል መዝገብ ቤተክርስትያንን ብምጥቃም ናብ ጐይታ ክንቀርብ ምሩጽ ግዜ እዩ ኢሎም።”

ንካልኦት ብርሃን ምዃን!

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓደራ ዝበልዎ ከምቲ እቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ንካልኦት ብርሃን ዝኾነ ንሕና እውን ብርሃን ካልኦት ክንከውን ብምዝኽኻር ነቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ወንጌለ ዮሓንስ 9ይ ምዕራፍ ብምሉኡ ክነንብቦ እሞ ኣብነት እቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ክንክተል ሓደራ ኢሎም።

“ብርሃን ክርስቶስ ምቅባል በይኑ እኹል ኣይኮነን ንሕና እውን ብግደና ብርሃን ክንከውን ኣሎና። ነፍሲወከፍና ነዚ መለኮታዊ ብርሃን ክንቅበል ዝተጸዋዕናና ኢና ነዚ ከኣ ብግደና ባሕይወትና ከምዘንጸባርቅ ገርና ንካልኦት ክነብርህ ኣሎና። ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ 'ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ` (ኤፈ 5.8) ክብል ይላበወና። እቲ ኣብ ጥምቀት ዝተቀበልናዮ ዘርኢ ሓዲስ ሕይወት ኣብ ሕይወትና ከም ቊልዒ ሓዊ ኰይኑ መጀመርያ ንዓና የጽሪ ኣብ ልብና ንዘሎ ሕማቅ ነገር የቃጽል እሞ ብርሃን ኰና ንካልኦት ከም እነንጸባርቅ ይገብረና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
22 March 2020, 09:17