ብርሃን ክርስቶስ ኣብ ሕይወትኩም የንጸባርቅ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌለ ዮሓንስ 9 ኰይኑ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ነቲ ዕውር ኰይኑ ዝተወልደ እሞ ኩሉ ጸልሚትዎ ዝነበረ ሰብኣይ ብጸብሪ ገይሩ ምስ ፈወሶ ንኩሎም ብዘደንቅ መንገዲ ምስቶም እናረኣዩ ዝዓወሩ ብቀትሩ ዝጸልመቶም ፈሪሳውያንን መማህራን ሕግን ዝገበሮ ክትዕ ዘመልክት ነበረ። እዚ ሓዲስ ብርሃን ዝረኸበ ኣካላዊ ምሕዋይ ዓይኑ ጥራይ ዘይኮነ ልቡን መንፈሱን እውን ከምዝበርሀ እሞ ብቀጥታ ናብ እምነት ወልደ እግዚአብሔር ከምዝተሰጋገረ ብሓቂ ከምዝተለወጠ ዘመልክት ኰይኑ እዚ ፍጻሜ እዚ ማለት ውሳጣዊ ለውጢ ልቢ ዳርጋ ንኩሉ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ተኣምር ዘሰኒ ኰይኑ ናብ ሕድገት ሓጢኣትን ለውጥን መሪሑ ብብርሃን እምነት ይዛዘም።
ብርሃን እምነት!
እቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ኢየሱስ ብርሃን ዓይኒ ዝዓደሎ ምስዚ ብርሃን እምነት እውን ሰልዝሃቦ ነቶም ነቲ ተአምር እናረኣዩ ክኣምኑ ዘይደሉ ፈሪሳውያን ደጋጊሞም እንክሓትዎን ብዘይከውን እንክኸስዎን ነቲ መድሓኒ ዓለም ዝኾነ መሲሕ ድሮ ኣለልይዎስ ክሰብኮም ይጅምር። እንተንሶም እናረኣዩ ብምዕዋሮም ዝኸውን ዘይከውንን ክስን ጠቀነን እናመስረቱ ንኣኡስ ይኹን ነቲ ወሃብ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ሓጢኣተኛታት ኢሎም ይፍርጅዎም።
ምሕረት እግዚአብሔር ንድቅድቅ ጸልማት ይጋልህ!
ቅዱስነቶም ኣብ ዘሎናዮ ኩነታትን ግዜን ምልስ ይብሉ እሞ እዚ ካብ ድቅድቅ ጸልማት ናብ ብርሃን ምስግጋር ናይዚ ብዕውሩ ዝተወልደ ንዓና እውን ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓን ከይፈቶና ኣብ ብሕትውና ተገዲድናሉ ዘሎና ህጹጽ ኩነታትን ነቲ ንኩሉ ዘብርህ ምሕረት እግዚአብሔር ኣቦ ሃሰስ ኢልና ክንረኽቦን ክነስተማቅሮን ንዕደም ኢሎም። ሓጢኣት ከም ሓደ ጸሊም መጐልበብ ኰይኑ ገጽና ሸፊኑ ንገዛእ ርእስናስ ይኹን ንዓለምና ኣነጽርና ከይንርኢ ይኽውለና።
ንካልኦት ብርሃን ምዃን!
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ሓደራ ዝበልዎ ከምቲ እቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ንካልኦት ብርሃን ዝኾነ ንሕና እውን ብርሃን ካልኦት ክንከውን ብምዝኽኻር ነቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ወንጌለ ዮሓንስ 9ይ ምዕራፍ ብምሉኡ ክነንብቦ እሞ ኣብነት እቲ ብዕውሩ ዝተወልደ ክንክተል ሓደራ ኢሎም።