ታሽዓይ ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ታሽዓይ ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም 

ታሽዓይ ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም

እውነተይና ደቀ መዝሙር ተዓጽዩ ዝተርፍ ዘይኰነ ናብ ዓለም እግዚኣብሔር ዘብጽሕ እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዘቕረብዎ ታሽዓይ ኣስተንትኖ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ዝርከብዎም ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ላዚዮ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዘሎ መለኰታዊ ቤት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዝተጀመረ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ ዕለት 6 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ነቲ ሱባኤ ንኽመርሑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ዝተሓርዩ ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያን ቅዱስ መጽሓፍን ሊቅ ኣባ ቦቫቲ  ዕለት 6 መጋቢት 2020 ዓ.ም.፥ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ እውነተይና ደቀ መዝሙር ተዓጽዩ ዝተርፍ ዘይኰነ ናብ ዓለም እግዚኣብሔር ዘብጽሕ እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዘቕረብዎ ታሽዓይ ኣስተንትኖ ከምእተዛዘመ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።  

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክርስቶስ ኣብቲ ንደቀ መዛሙርቲ ንዝሃቦም ተልእዀ ምእዙዛት ኣብ ዝዀኑሉ ተግባራቶም ኵሉ ህያው እዩ። … ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጉዳያት ከይተዓጸዉ ጸጋ እግዚኣብሔር ብዅሉ ተበጻሒ ክኸውን ዝዓዩ፡ እዚ ተልእዀ እዚ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ተኣፋፍነት ተመክሮ ንዝገበሩ ዝተወሃበ እዩ። ኣብቲ “ክሳብ መወዳእታ ዓለም ኣነ ምሳዅም እየ” ኣብ ዝብል ቃል ኢየሱስ እምነቶም ንዘንበሩ።

ሙሴን ሕዝበ እግዚኣብሔርን

“ህላዌ እግዚኣብሔር” ኦሪት ዘጸኣት ምዕ. 33 ካብ ፍቕዲ 7-17፥ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 28 ካብ ፍቕዲ 16-20፥ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 90፥ ጐይታ ኣብ ሕይወትና ህልው እዩ፡ ኣማኑኤል ንዓና፡ ኣብ ጉዕዞና ዘሰንየና፡ ነዚ ኣቐዲሙ ዘስተውዓለ ሙሴ እዩ። ንሕዝቢ እስራኤል ከምዘመላኸቶ፡ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንምምራሕን ኣብ ጉዕዞኡ ንምስናይ ንእግዚኣብሔር ምእዙዝ ምዃን ከምዘድሊ የረጋግጸልና፡ ኢየሱስ ብሕቡእ ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ጸልዩ እዩ ዝብል፡ ስለዚህ ጸሎት ትያትር ወይ ትርኢት ክኸውን የብሉን፡ ኣብ ሕይወት ኣብነት ምዃን ወሳኒ እዩ፡ ጸላይ ምዃን ኣብነት ካብ ምዃን ዘይፍለይ ተግባር እዩ፡ … እዚ ሰባት ናብ እግዚኣብሔር ዝማርኽ ይኸውን።

ጉዕዞን ተልእዀን

ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሙሴን ዝካየድ ዘተ፡ ኣብቲ ዘተ እግዚኣብሔር ዝህቦ ትእዛዝ፡ ጽን ምባል፡ እቲ መለኰታዊ ትእዛዝ፡ ክንየው ዓቕሚ ሰብ ኣይኰነን፡ በንጻሩ እውን ብዘይ ድኻምን መስዋዕትነትን ዝፍጸም ኣይኰነን፡ እቲ ትእዛዝ ህላዌ እግዚኣብሔር ዘረጋጽ እዩ፡ እቲ ህላዌ ነቲ ትእዛዝ ንኽፍጽም ጸጋን ሓይልን መንፈስን ዝጽግው እዩ፡ በይንኻ ኣይኰንካን።

ናብቲ በሪኽ ስፍራ ደይብ ዝብል ትእዛዝ፡ እዚ ምድያብ’ዚ ብሓደ ሸነኽ ናጽነት ብኻልእ መዳይ ከኣ ናብቲ ልዕሉ ዝዀነ እግዚኣብሔር ኵለንተናኻ ምቕናዕን የመላኽት።

ሙሴ ነዚ ትእዛዝ’ዚ ተቐቢሉ ኣብ ምፍጻሙ፡ ምልክት ድዩ ቃል ኪዳንን ኣይሓተተን፡ እንታይ ደኣ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ናይ ሰናይ መጋበርያ ክኸውን እዩ ዝሓትት፡ ዕለት ብዕለት እቲ ዝተወሃቦ ተልእዀ ንኽፍጽም። እዚ እቲ ብእግዚኣብሔር ዝተሓርየ ጓሳ ክፍጽሞን ክዀነኖን ዝግብኦ ኵነት እዩ ዘመላኽት፡ ሙሴ ናብ ፈርዖን ክኸይድ ተሓባበርቲ ነይሮምዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣሮን ሓብቲ ኣሮም ሚርያምን ኣማሌቃውያን ንምስናፍ ኢያሱን ናይ ሙሴ ኣእዳው ከይደኽማ ዝድግፎን ኣሮንን ሁሩን ምስ ሙሴ ናብ ርእሲ ኣምባ ድይቡ፡ … እዚ ሲኖዶሳውነት የስምዕ። ናይ ሓባር ዕላማን ሸቶን።

ተግባራዊ ልልያ

ኣብ ተልእዀ ልልያ ወሳኒ እዩ፡ እዚ ግና ብምሕዝነትን ብእፈትወካን ትፈትወንን ብናይ ባህሊ ምምስሳልን መምዘኒታት ወይ ከኣ ናይ ብቕዓትን ስሉጥነትን ዝብሉ መዘንንታት ዝገብር ዘይኰነ ድላይ እግዚኣብሔር ንምልላይ ዘኽእል መንፈሳዊ ገምሪ ነቢይነት መሰረት ዝገብር እዩ፡ ነቲ እግዚኣብሔር ዝህበካ ተልእዀ ስንድው ዝገብረካ። …

ንሕዝቢ - ንመጓሰይ ኣብ ዘለዓለማዊ ልሙዕ ሻኻ ዝመርሕ፡ ቅኑዕ መገዲ ዘመላኽት … ሙሴ ካብ እግዚኣብሔር ቶራሕ ይቕበል፡ እዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሔር ኰይኑ፡ እቲ ዝተቐበሎ ቃል ሕዝቢ እግዚኣብሔር እውን ጽን ክብሎ ይድግፍ፡ እዚ ተግባራዊ ልልያ እዩ፡ ድላይ እግዚኣብሔር ንምልላይ፡ …

ኣብ መወዳእታ ኣባ ቦቫቲ፥ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 28 ኣማእኪሎም፡ እዚ ብዛዕባ እቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስን ደቀ መዛሙርቱን ዝተኻየደ ርክብ ዘዘንትዎ ምዕ፡ … ናብታ ጸዋዕታ ዝተቐበሉላ ከተማ ገሊላ ንኽከዱ ይእዝዞም፡ ስለምንታይ እምነቶም ዳግም ንኽሕድሱን ክኽነብሩን መታን፡ … ናብቲ ዝመጻኻሉ ምምላስ ናይ ምንፋቕ ጉዳይ ኣይኰነን፡ ስለ እትናቖ እትፍጽሞ ምምላስ ኣይኰነን፡ ናብቲ ናይ ጸዋዕታኻ ታሪኽን፡ ፍቕርን ቃሉ ጽን ካብ ምባል ዝተቐበልካዮ ጸዋዕታ ንምሕዳስን እዩ፡ … ኢየሱስ ምእንቲ ሕዝቡ ገዛእ ርእሱ ሰዊኡ፡ ስለዚህ እቶም ዝስዕብዎ እውን ንስደትን መከራን ኩሉ ስንድዋት ክዀኑን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንምስፋሕን ድሕነት ንምብሳር ንኢየሱስ ምምሳል ይሓትት እንክብሉ ዘቕረብዎ ታሽዓይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዓቢይ ጾም ከምዘጠቓለሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።

ታሽዓይ ናይ መወዳእታ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም
07 March 2020, 17:56