ሓምሻይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም ሓምሻይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም 

ሓምሻይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም

ነዚ ሓምሻይ ኣስተንትኖ፥ ዝስገር ለይቲ ዝብል ኣርእስቲ” ሂቦም፡ ነዚ ኸኣ ኣብ ኦሪት ዘጸኣትን ወንጌል ማቴዎስን ኣሞርኵይዞም ክኸውን እንከሎ፡ እታ ናይ ጭንቀትን ናይ ምጥፋእን ኵነት እተሕድረልካ ለይቲ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ብኵሪያ ሮማና ዝጽውዓ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ሓዋርያዊ ምሕዳራ ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ሓዋርያውያን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍትን ዝርከብዎም ክሳብ ዕለት 6 መጋቢት 2020 ዓ.ም ዝቕጽል ዕለት 29 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዞባ ላዚዮ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣሪቻ ኣብ ዘሎ መለኰታዊ ቤት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ዝተጀመረ መደብ መንፈሳዊ ሱባኤ መሰረት፡ እቶም ነቲ ሱባኤ ብዘቕርብዎ ኣስተንትኖን ስብከትን ንኽመርሑ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተሓርዩ ኢየሱሳዊ ካህን ናይ ቲዮሎጊያን ቅዱስ መጽሓፍን ሊቅ ኣባ ቦቫቲ  ዕለት 4 መጋቢት 2020 ዓ.ም.  ዋዜማ ፋሲካ፥ እታ ዝተሓልፈት ፍርሕን ምጥርጣራትን ዝወለደት ለይቲ፡ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ሓምሻይ ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣፍሊጡ።  

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ሰብ ሓመድ ኢኻ ናብ ሓመድ ክትምለስ ኢኻ ስለ ዝተባህለን በዚ ምኽንያት’ዚ ዝነብሮ ፍርሒ” ዝስገር ብተራን ፍሉጡን ብዝዀኑ ሰኣውያን ክብርታት ብዝፈጥረሉ ንኡስ ሓሴት ዘይኰነ፡ በቲ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ታሪኽ ዝኣትው ቃል እግዚኣብሔርን ነዚ ቃል’ዚ ብምስማዕን እዩ፡ እቲ ኦሪት ዘጸኣት ዘዘንትዎ ታሪኽ ሎሚ እውን እዋናዊ ምዃኑ ብሰፊሕ ዘብርሁ ኣባ ቦቫቲ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ዕለት 4 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ዘቕረብዎ ስብከት፡ ኦሪት ዘጸኣት ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 1-31 ከምኡ እውን ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 22 ክሳብ 32 ዘሎ ቃል መሰረት ገይሮም፡ ካብቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘዘንትዎ ታሪኽ ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ሱባኤ ዝሳተፍ ኣብቲ ብጐይታ ኣብ ዝተወሃቦ ተልእዀ ክስዕቦ ዝግብኦ መገዲ ዘመላኽቶ፡ ሓባሪ መገዲ ዝዀኖ መልእኽቲ ከለልልይ ምዒዶም፡ ንሙሴ ዝተወሃቦ ኣርእስቲ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ኦሪት ዘዳግም መወዳእታ ምዕ. 34 “ሙሴ ባርያ እግዚኣብሔር” (ፍቕዲ 5 ረኣ) ብዝብል ቃል ተመልኪቱ ንረኽቦም፡ ሙሴ ቃል ኣምላኽ ንምስማዕ ምእዙዝን ተባዕን ልኡምን ኰይኑን ካልኦት ነዚ ቃል’ዚ ንኸአንግዱ ዝኽእሉ ኰይኖም ንኽርከቡ ይሓንጽ” ስለዚህ ቅድም ቀዳድም ከም ካህናት ደሓር እውን ኣብቲ ዝተወሃበና ናይ ኣገልግሎት ሓላፍነት ክንመስሎ ዝግብኣና ተክለ ሰብነት ነስተውዕል፡ እዚ ተክለ ሰብነት’ዚ ኣብ ኦርቲ ዘጸኣት ምዕ. 14 ተመልኪቱ ንረኽቦ።

ዝስገር ጸላም ለይቲ

ነዚ ሓምሻይ ኣስተንትኖ፥ ዝስገር ለይቲ ዝብል ኣርእስቲ” ሂቦም፡ ነዚ ኸኣ ኣብ ኦሪት ዘጸኣትን ወንጌል ማቴዎስን ኣሞርኵይዞም ክኸውን እንከሎ፡ እታ ናይ ጭንቀትን ናይ ምጥፋእን ኵነት እተሕድረልካ ለይቲ፡ ብኻልእ መዳይ እውን ለይቲ፡ ናይ ዓቢይ ሚስጢር ኵነት፡ እቲ እግዚኣብሔ ዝግለጸሉ ኵነት፡ ለይቲ ዝሕለፍ እዩ፡ ኣብ ሕይወት ዘጋጥም፡ ኣብ ምጥርጣራትን ፍርሕን እትርከበሉ ግዜ እዩ፡ ስለዚህ ቃል ኣምላክ መንገድኻ ነኸብርሃልካ ትምሕጸን፡ … እግዚኣብሔር ኣቋራጺ መገዲ ማለት ኣይኰነን፡ ኵሉ ቀሊልን ቍልቍለትን ዝገብር ሚሳል ኣይኰነን፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ሙሴ ታሪኽ ከም እነንብቦ፡

ናይ ግዚያውነትን ምድንጋራትን ትርጉም

ሰብ ሓመድ ምዃኑ ዝለ ዝስምዖን ዝፈልጥን ይፈርሕ፡ ይርዕድ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ግራት ዝቦቍል ብቕጽበት ድማ ዝጠፍእ ሳዕሪ፡ እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍና ተመክሮ እዩ፡ እዚ ተመክሮ’ዚ ከኣ ምድንጋርን ፍርሕን ይፈጥረልካ፡ … እቲ ኵሉ እግዚኣብሔር ቃል ዝኣተዎን ደሓር እውን ብመሰኻኽር ዝተነግረን ቃል ኪዳን፡ … ኣብ ሕቶ ተእትው፡ ናጻ ኰይንካ ካብ እትቕተል ጊላ ኰይንካ ምንባር ይሓይሽ ዘብል መንፈስ፡ ናይቲ ዝተኣተወ ቃል ዝነግሮ ሓለፋ ዘይምርኣይ።

ዘበራትዕ ምስጢር

ኣብ ምድንጋርን ምጥርጣርን ፍርሕን ኵነት፡ ነቲ ዝተኣተወ ቃል ኣብ ሕቶ ብምእታው ዘይምምስጋንን ነቲ ናይ ተስፋ ቃል ከም ዕሽነት ምምልካትን … ዘይኰነ ኣብቲ ዝተቐበልካዮን ኣሜን ዝበልካዮን ቃል ዘሎ ብርታዔን ዝፈጥረልካ ምብርታዕን ምንባር፡ ስለዚህ እቲ ብርታዔ ኣብ ናይ ሰብኣውያን ክብርታት ዝጸንዕ ኣይኰነን፡ ናይ እግዚኣብሔር ሰብ ተልእዀ ነቲ ኣብ ምጥርጣርን ዘይርጉጽነትን ዘሎ ምብርታዕ እዩ፡ ልቢ ሰብ ኣብ እግዚኣብሔር ኣሜን ዝብልን ዝተኣማመንን መታን ክኸውን፡ እቲ ብእግዚኣብሔር ንሙሴ ዝተወሃበ ሓይሊ፡ ምትሃታዊ ዘይኰነ ውጹዓትን ድኻታትን ሕዙናትን ዘጸናንዕ ናይ ድሕነት መንጐይና ንኽኸውን ዘብቅዖ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ሓይሊ እዩ።

ናይ ደቀ መዛሙርቲ ፍርሕን ምንጋወ ጐይታን

ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 14፥ ብማየ ማይ ምኻድን ብምንዋጽ ባሕሪ ኣብ ስግኣት ዝኣተወት ጃልባን ታሪኽ፥ ዘስግእ ለይቲ፡ ዝሕለፍ ክነሱ ዘፍርሕ ለይትን ምንጋወ ጐይታን፡ ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ኰይኖ ክስምዖምን ኣብ ስግኣትን ፍርሕን ተዋሒጦ ጠፋእና ክብሉ፡ ኣለዳ ኢየሱስ ንኽራኸቦም ናብኦም ክመጽእ ይርእይዎ፡ ብማየ ማይ እናኸደ፡ እዚ መሊሱ የሰንብዶም፥ ምትሃትን ናይ ሞት መልኣኽን ቢሎም ይሓስቡ፡ ኢየሱስ ግና ኣይትፍርሑ ይብሎም፡ ነዚ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ’ዚ ተምክሮ ገርካ ምምስካር እዩ ዘድሊ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣባይቲ ነዚ ፍቕሪ እዚ ምብጻሕ። ኢየሱስ ልክዕ ከምቲ ንሱ ብማየ ማይ ዝዀዶ ጴጥሮስ እውን ናቱ ተመክሮ ንኽገብሮ ይጽውዖ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ፍርሒ ናብ ኢየሱስ ገጻ ክትጓዓዝ ከምዘለዋ ዘመላኽት እዩ፡ ኢየሱስ ምብጻሕን ፍቕሪ ምብሳርን ናይ ኢየሱስ ተመክሮ ናትካ ክኸውን ይሓትት፡ ተምክሮ ናይ ጭቡጥ ኵነት።

ሓገዝን ድጋፍን ንምቕራብ ዝዝርጋሕ ኢድ

ኣባ ቦቫቲ ኣስዒቦም፡ ኣገልግሎት ምሕረት፡ ኣገልግሎትና ንምሕረት እዩ፡ ናብ ሕይወት ስለ ዝመርሕ፡ ነቲ ኣብ ውሑድ እምነት ዝርከብን ዝናወጽን ብናይ ሞት ፍርሒ ንዝተወሓጠን፡ ድጋፍ ዘቕርብ፡ እቲ ንድጋፍካን ንምድሓንካን ካብቲ ዝወደቕካሉ ጸልማት ንኸናግፈካ ናባኻ ዝዝርጋሕ ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ብርቱዕ ኢድ መግለጺ ዝዀነ ናይ ኢየሱስ ኢድ፥ ንስኻ ወልደ ኣምላኽ ኢኻ ቢልካ ንኽትንዛዘ ዘብቅዕ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ናብቲ ዝደኸመ ኣብ ጸበባን መከራን ዝርከብ ዝዝርጋሕ ኢድ ናይ ፍቕሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ከምቲ ኣእዳው ሙሴ ናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ ዝዀናሉ፡ ንናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ድሕነት ዝዝርጋሓ ኣእዳው (ናይ ኢየሱስ ኢድን እግርን ምዃን)።

ኣባ ቦቫቲ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፥ ንጸሎትን ኣስተንትኖ ዝሕግዝ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 124 ከም ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ነቲ ዘድሕንን ናጻ ዘውጽእን ጐይታ ንምምስጋንን ንምውዳስን ዝድግፍ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ንሱ ፈጣሪርን ናይ ታሪኽ ጐይታን እዩ። እቲ ዝዀነ ንሱ እንተዘይህሉ ኣብ መዓሙቕ ማያት ተዋሒጥና ምተረፍና፡ ሳላኡ ማያት ባሕሪ ኣይወሓጠናን ንሕይወትና ኵሉ ዝኣስር ሰንሰለት በተዀን ናጻ ዄይንና ኢና እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።

ሓምሻይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ዓቢይ ጾም
05 March 2020, 17:37