ብምኽንያት ኮቪድ 19 በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናብ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምኽንያት ኮቪድ 19 በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናብ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ 

ብምኽንያት ኮቪድ 19 በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናብ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ብምኽንያት ኮቪድ 19 ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ጸሎቶምን ቅርበቶምን ምጽንናዕን

ካብ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅድስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብምኽንያት ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19፥ ጸሎትን ድጋፍን ቅርበትን፡ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ማታረላ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ጋብርኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎ ቀዳማዊ፡ ብምኽንያት ኮቪድ 19 ኣብ ጽንኵር ኩነት ናብ እትርከብ ኢጣሊያ፡ ብይብጻሕ ናብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናብ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ሕዝቢ ኢጣሊያ ተወፋይነትን ጽንዓንትን ብፍላይ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ዘርእይዎ ዘለዉ ተወፋይነት ኣብነት እዩ እንክብሉ ኣድኒቖም፡ ንመላእ ሕዝቢ ኢጣሊያ ብፍላይ ነቶም በቲ ለበዳ ንዝተጠቐዑ ኵሎም ቅርበቶምን ጸሎቶም ከምዘረጋገጹ ዝሓበራ ቸራዞ ኣስዒበን፡

ብምኽንያት ኮቪድ 19 ናይ ሞት ሓደጋ ንዘጋጠሞምን ንኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ጸሎቶምን ቅርበቶምን ምጽንናዕን ኣብዚ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም፡ ንጐይታን መድሕንን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝዓረፉ ዘለዓለም ዕረፍቲ ንኣባይቲ ስድራኦም ምጽንናዕ ክጽግዎም ተማሕጺኖም፡ ፍቕርን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ኣይፈለየና ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ብምኽንያት ኮቪድ 19 በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናብ ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ
23 March 2020, 16:34