ፍራንቸስኮ፥ ካህናት ንምእመናን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ስለ ዝነብርዎ ቅርበት የመስግኑ

ኣብዚ ለበዳ ኮቫዲ 19 ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ዝተኣታተው ዘሎ ጽምዋን በይናውነትን እቲ መላእ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ዘዋህድ ናይ ጥልቂ ሱታፌ ዕሴት ዳግም ንኸነለልይ ንዕደም

ኣብዚ ለበዳ ኮቫዲ 19 ኣብ ዝተኸስተሉ ጽንኵር እዋን ኣብ ጽሞና ንዝነበር ዘሎ ሕዝበ እግዚኣብሔር ካህናትን ገዳማውያንን ብዝተፈላለየ ምሕዞኣዊ ኣገባብ ዝነብርዎ ዘለዉ ቅርበት፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 15 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብቓልን ምስልን ውሕዘት ኣዕሪጐም ምስ ኣብቁዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣመስጊኖም፡ ንህሙማንን ነቶም ኣብ ብሕትውና ንዝርከቡ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ከምዘረጋገጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕዝቢ መጓሰይ ከምዘይብሉ በይናውነት ከይጸቕጦን ከይስምዖ መታን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ቅርበቶም ዝገልጹን ዝነብሩን ንዘለዉ ጓሶት ከመስግኑ እንከለዉ፥

ካብ ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያ ዝበጽሓኒ መልእኽቲ፡ ብሓቂ ብዙሓት ካህናት ኣብዚ ጽንኵር እዋን’ዚ ንሕዝቦም ቀረባ ንምዃን ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝነብርዎ ዘለዉ ጉስነት ዘመላኽት እዩ፡ ከመስግኖም እደልይ፡ ሕዝቢ ብዘይ ጓሳ ተሪፉን በይናውነት ከይስምዖ መታን ብዙሓት ካህናት ዝምስክርዎ ዘለዉ ቅርበት ቅንኣት ሓዋያዊ ግብረ ኖልዎ ዘረጋግጽ እዩ፡

ቅዱስነቶም ብፍላይ ዕለት 11 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ደልፒኒ፡ ንሕዝቦም ቅርበቶም ዝመስከሩሉ ኣብ ናሕሲ ናይ ሚላኖ ካቴድራል ደይቦም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ዘዕረገዎ ጸሎት ዘኪሮም፡

ናይ ሰበኽ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ቤት ሕክምና ንህሙማን ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታን ዘዕርግዎ ዘለዉ መስዋዕተ ቅዳሴን፡ ከም ጓሳ ንሕዝቦም ዘለዎም ቅርበት ዘረጋግጽን ዝምስክርን እዩ፡ ብጸሎት ንእግዚኣብሔር ቅርበቶም ይምስክርሩ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናሕሲ ናይ ሚላኖ ሰበኻ ቤተ መቕደስ ደይቦም ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ኰይኖም በማላድነታ ጸሎት ከቕርቡ እንከለዉ ዝረኣኽዎ ምስሊ እዝክር፡

በይንና ኣይኰንናን

እቲ ተላባዒ ሕምማ ኮቫዲ 19 ዘተኣታትዎ ዘሎ ጽምዋን በይናውነትን ጠቒሶም፡

ኣብዚ ለበዳ ኮቫዲ 19 ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ዝተኣታተው ዘሎ ጽምዋን በይናውነትን እቲ መላእ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ዘዋህድ ናይ ጥልቂ ሱታፌ ዕሴት ዳግም ንኸነለልይ ንዕደም፡ ኣብ ክርስቶስ ዝሓበርና እምበር በይንና ኣይኰንና፡ ኣብኡ እቲ ንሱ ርእሲ ዝዀነሉ ሓደ ኣካል ኢና፡ እዚ ውህደት’ዚ ኣብቲ ብኣካል ተረኺብካ ቅዱስ ቁርባን ንኽትቅበል ኣብ ዘይከኣልሉ እዋን ቤተ ክርስቲያን እትላበወና ብመንፈሳዊ ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ጸሎትን ዘጸንዕ እዩ። ንዅሉን ነቶም ንበይኖም ንዘለዉን ዝብሎ እዩ።

ቅዱስነቶም፡ ንኣለይቲ ህሙማንን ነቶም ኣብ ጽሞና ንዝርከቡን ቀረባ

ኣብዚ ጽንኵር እዋን’ዚ ገዛእ ርእሶም ከይበቐቑ፡ ብህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ምኽንያት ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይት ስራሕን ኩሉ ተዓጽዩን ኩሉ ኣብ ገዝኡ ክዕጸው ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን፡ ንሰብ መሰረታዊ ኣድላዪ ዝዀነ ኩሉ ንምቕራብን ኣብ ዝተፈላለያ ኣባይት ጽሕፈት ዕዮኦም ንኸሳልጡ ግዲ ዝዀኖም ሰራህተይናታትን ሓኻይምን ኣለይቲ ህሙማንን ወለንተይናታን ኰሎም፥

ንህሙማንን ንኣለይቲ ህሙማንን ደጊመ ቅርበተይን ጸሎተይን ኣረጋግጽ፡ ከምኡ እውን ንዅሎም ነቶም ንመላእ ኣብ ቤቱ ንኽዕጸው ዝተገደን ሕዝብን ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ነቲ ዝተወሸበ ህዝቢ ንሕይወት ኣገዳሲ ዝዀነ ኩሉ ንምቕራብ ዝዓዩን ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ንዘለዉን ንድኻታትን ግዳም ሓደርን ቅርበቶምን ድጋፎምን ዘቕርቡ ንዘለዉን ደጊመ እመስግን፡ ኣብዚ ጽንኵር እዋን ሓገዝ ንእተቕርቡ ዘለኹም አመስግን!

እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከምዘጠቓለሉ ሳባቲነሊ ይሕብራ።

መላእ ኤውሮጳ ትውሸብ፥ እቲ ለበዳ ኮቫዲ 19 ገና ኣይተዓግተ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ለበዳ ኮቫዲ 19 ሕጂ እውን ይሰፍሕ ከምዘሎን፡ ስፐይን ልክዕ ከምቲ ኢጣሊያ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ ከምዝወሰነትን ግድን ክተርፍ ዘይግብኦ እንተዘይኰነ መላእ ሕዝቢ ካብ ቤቱ ንኸይወጽእ ክትውስን እንከላ፡ ፈረንሳን ጀርመንን በልጂምን ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ መግብን መጋባኣያን ክዕጸው ከምዝወሰና፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንኪ ኮቫዲ 19 ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጥሞም ናይ ዘለዉ ቁጽሪ ክብ ይብል ከምዘሎን፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 2,800 ሰባት ብኮቫዲ 19 ከምእተጠቕዑን 50 ድማ ከምዝዓረፉን፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኮቫዲ 19 ካብ ዝተኸስተሉ እዋን ንመጀመሪያ ግዜ በቲ ሕማም ዝጥቕዑ ናይ ዘለዉ ዜጋታት ቁጽሪ ይንክይ ከምዘሎ ይንገር።

ፍራንቸስኮ፥ ካህናት ንምእመናን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ስለ ዝነብርዎ ቅርበት የመስግኑ
16 March 2020, 17:30