ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰውራ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰውራ  መዘኻኸሪ

ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰውራ

ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሶውራ፡ እቲ ብኢየሱስ ዝተፈጸመ ምኻኑ ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 27 ክሳብ 33 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ኣስዒቦም እውን ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ዘካይዶ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ተግባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን ናይ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ቤተ መዝገብ፡ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝምልከቱ ሰነዳት ብወግዒ ክኽፈት ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውሳኔ መሰረት ዕለት 2 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ክኽፈት ምዃኑ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተወሃበ ሓበሬታን ኣማእኪሎም ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰውራ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበር መርሓ ፍጻሜታት መዘክራዊ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ ካቶሊካዊ ሕንጸት ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር እቲ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ ቃል ኪዳን መደብ ሕንጸት ኣማእኪሉ ንዝመክር ዓውደ ጉባኤ መንጽር ገይሩ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ምሉእ ጉባኤ ተግባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ሕውነታዊ ሰብኣውነትን ምትሕልላይን ንማንም ዘይንጽል ሓቛፊ መንፈስ ዝዓስሎን ኣብ ሕውነት ዘዕብዮ ሶውራዊ መደብ ሕንጸት ከምዘድልዮ ዘብርህ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ እዋናዊ ዓለም ናብ ምግምማዕን ናብ ርእሰ ኣምልዀ (ኣምልኾ ኤጐ) ኣብ ዘድሃበሉ ዘሎ እዋን፡ “ነቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረጥ ሰብኣዊ ኣካሊት ተማራዃስነት ንምሕናጽ ብቕዓት ዘለዎ በሳል ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣብ መደብ ሕንጸትን ስነ ትምህርትን ዓለም ሓቆፋዊ ቃል ኪዳን ወሳኒ እዩ”፡ ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ትብዓት የድሊ፥ “ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል ናይ ምግባር ትብዓት .. ንመላእ ፍጥረት ኣዳም ንምግልጋል ስንድዋት ዝዀኑ ተባዓት ኣካላት ምፍጣር” ኣድላዪ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡ ስለዚህ ምስ ገዛእ ርእስኻን ምስ ካልኦትን ምስ መሓድሮን ምስ እግዚኣብሔርን ውድናዊ ርክብ ክህልወካ ዝድግፍ ናይ ሕንጸት ሰውራ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሰፊሕ ኣብሪሆም።

ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል ናይ ምግባር ትብዓት
ሰብኣዊ ፍጥረት ማእከል ናይ ምግባር ትብዓት

ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሶውራ፡ እቲ ብኢየሱስ ዝተፈጸመ ምኻኑ ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 27 ክሳብ 33 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥ ነቲ ኢየሱስ መን ትብሉኒ እንክብል ንዘቕረቦ ሕቶ ጴጥሮስ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ እንክብል ይምልስ፡ ኑዛዜ እምነት፡ ኣስዒቡ ኢየሱስ፡ ብዛዕባ ክቕበሎ ዝዀነ ስቓይን ሞትን ይዛረብ፡ ሕጂ እውን ጴጥሮስ እቲ ኑዛዜ እምነት ዘቕረበ፡ ንኢየሱስ ካብ ካልኦት ኣግልል ኣቢሉ እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ እንክብል ንኽመኽሮ ይፍትን ቅድሚኡ ኰይኑ ንኽምዕዶ፥ “ኣታ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብ ኢኻ እሞ፡ ካባይ ረሓቕ - ብድሕረይ ኵን” ከምዝበሎ ጠቒሶም፡ ሞቱን ትንሳኤኡን ምንዛዝ የድሊ፡ ንስኻ ወልደ እግዚኣብሔር ኢኻ ቢልካ ምንዛዝ ንበይኑ እዅል ኣይኰነን፡ ንስኻ ምእንታና መጺእካን ምእንታናን ሞይትካን ሞት ስዒርካ ተንሲእካን ሕይወት እትህብ ኢኻ፡ መገድና ንኽመርሕ መንፈስ ቅዱስ ዝለኣኽካልና ኢኻ ዝብል እምነት ክውሰዀ ኣለዎ፡ ንኢየሱስ ምንዛዝ ነቲ እግዚኣብሔር ንኣኡ ዝሓረየሉ መገዲ - ትሕትናን ውርደትን ምቕባል ይሓትት፡ ነዚ መገዲ እዚ ዘይስዕብ ክርስቲያን፡ ናይ ዓለም እዩ ዝኸውን፡ ኢየሱስ ክስዕብ እንከሎ ግና፡ ሰውራዊ ይኸውን፡ ምኽንያቱ እቲ ልቢ ካብ ሱር መሰረቱ ዝልውጥ ጸጋ ሞቱን ትንሳኤኡን ስለ ዘአንግድ ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ ይሕብሩ።

ንኢየሱስ ምንዛዝ ነቲ እግዚኣብሔር ንኣኡ ዝሓረየሉ መገዲ - ትሕትናን ውርደትን ምቕባል ይሓትት
ንኢየሱስ ምንዛዝ ነቲ እግዚኣብሔር ንኣኡ ዝሓረየሉ መገዲ - ትሕትናን ውርደትን ምቕባል ይሓትት

ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማሕበራዊ ፍትሒ እውን ብምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ ትዊተር ማበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፡ “ንድኻታትን ዝተረስዑን ሓለፋ ምባል፡ ካብቲ ቁሳዊ ድኽነት ምሕራርን ጠበቓ መሰሎምን ክብሮምን ምቛምን ማለት እዩ፡ ብፍላይ ምስቲ ዘፍቅሮምን ጥልቂ ክብሪ ምስ ዝህቦምን ኢየሱስ ዕርክነት ክገብሩ ኣብነት ምዃን” ዝብል ብዝፈነውዎ መልእኽቲ ኣቢሎም ስብከተ ወንጌልን ሰብኣውነት ምንቕቓሕን፡ ኣብ ዓለም ክርስቲያን ምዃን እንታይ ማለት ከምዝዀነ የነጽሩ።

ዓው ዓው ከይበልካ፥ ብጽሞናን ብትሕትናን ካልኦት ምድጋፍ፥ ብፁዕ ኣቡነ ሰርጆ ፓጋኖ ናይ ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝፈጸመዎ ዓበይቲ ተግባራት ብፍላይ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ነቶም ሓገዝን ድጋፍን ዘድልዮም ኵሎም “ማእለያ ዘይብሉ ናይ ፍቕሪ ስራሕ - ግብረ ሰናይ ዝፈጸሙ እዮም” ዝብል ሓሳብ ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሓዋርያዊ ቤተ መዝገብ ዘሎ ብፍላይ ንር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝምልከት ሰነድ ዕለት 2 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ክፉት ዝዀነሉ ዕለት መሰረት ገይሩ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ተረኺቦም ኣብ ዘቕረብዎ መግለጺ ዘስመሩሉ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ (1939-1958 ዓ.ም.) ዝምልከት ሰነድ ከምዝዀነን፡ እቲ ንምሁራትን ንናይ ታሪኽ ተመራመርትን ክፉት ዝኸውን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ ሰነዳት እቶም ኣብቲ እዋን ኣደዳ ኣሳዶን ኣድልዎን ንዝነበሩ ኣይሁዳውያን ብሕቡእ ዝፈጸመዎ ናይ ምድሓን ተግባራቶም ኵሉ ዘጠቓልል እውን ምዃኑ ሓቢሮም፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብቲ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፓቸሊ ድሕሪ ቁርብ ዓመታት ዕረፍቶም፡ ኣብቲ ናይ ስቓይን ስደትን እዋን ሱቕታ ዝመረጹ እዮም ዝብልዎምን፡ ንዝሳደዱ ዝነበሩ ሓደ’ኳ ኣይገበሩን ዝብል ጽልማ ሓበሬታን ጽልማ ታሪኽን መልሲ ዝህብ እዩ፡ ኣብቲ ሰነዳቶም ፓቸሊ ኣይሁዳውያን ኣብ ምድሓን ብዝፈጸመዎ ሰናይ ተግባር ካብቶም ካብ ሞትን ብሓገዝ ፓቸሊ ዝተረፉ ኣይሁዳውያን ዝመሓላለፈሎም ዝነበረ መልእኽታት ተጠቓሊሉ ይርከብ፡ ነቶም ዘድሓንዎም፡ ክጥመቑም እምነቶም ክቕይሩን ከምዘይገበርዎምን እውን ይምስክሩ፡ እዚ እዩ ታሪዀም ከምዝበሉ ቸንቶፋንቲ  ጠቒሶም ዘቕረብዎ ናይ ዕለት 20 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቅድስቲ መንበርን መረሓ ፍጻሜታት መዘክራዊ ሓተታ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል 12 ዝፈጸመዎ ዓበይቲ ተግባራት
ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰውራ
21 February 2020, 17:33