ንምልዋጥ ምቹእ እዋን ንምልዋጥ ምቹእ እዋን  መዘኻኸሪ

ንምልዋጥ ምቹእ እዋን

“እቲ ኢየሱስ ሞይቱን ሞት ስዒሩ ተንሲኡን” ዝብል ወንጌላዊ ብስራተ ቃል ብፍጹም ክንዝንግዖ የብልናን

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ዕለት 24 ለካቲት 2020 ዓ.ም. መርሓ ፍጻሜታት መዘክር፥ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ 2020 ዓ.ም. ዓቢይ ጾም መልእኽቲ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ ኣብ ዕለቱ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዝፈነውዎ መልእኽትን ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ማሕበር ደጋፊ መንበረ ጴጥሮስ ተራኺቦምን ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን ዝምልከት ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ኣብ ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንምልዋጥ ምቹእ ዝዀነ እዋን” ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ዓቢይ ጾም መልኽቶም፡ “ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና” (2ቆሮ. 5. 20)፡ ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሖም ዘመሓላለፍዎ ከምዝዀነን፡ ኣብ ቅድሚ ዘሕዝንን ዘሰንብድን ኣብ ናይ ሕይወትና ክፋእ ኩነት፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን እውን፡ “እቲ ኢየሱስ ሞይቱን ሞት ስዒሩ ተንሲኡን” ዝብል ወንጌላዊ ብስራተ ቃል ብፍጹም ክንዝንግዖ የብልናን፡ ኣብዚ ቃል ብስራት’ዚ ዝኣምን፡ ነቲ ህይወትና ከም ሓቂ እንተድኣ ኴይኑ ካብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕርን ካብቲ ፍድፋደ ሕይወት ንምሃብ ካብ ዝብል ድላዪ እዩ፡ አዚ ዝቕበል ኣናስር ሕይወትና ገዛእ ርእስና ኢና፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕይወት ኣናስር እየ ንዝብል መንፈስ ሓሶት ዓለም ይነጽግ፡ እንተዘይኰነ ነቲ ዘእምን ዝመስል ናይ ሓሶት ጐይታ ዝብሎ ኣስተውዕሎን ኣተኵሮን እትህብ ኴይንካ ናብ ደልሃመት ትርጉም ኣልቦነትን  ኢኻ እተንቆልቁል፡ ገና ብዓንተውኡ ገሃነም እሳት ከመይ ምዃኑ ኣብዛ ምድሪ ተመክሮ ትገብር ማለት እዩ፡ ከምቲ ብዙሕ ናይ ውልቅን ማሕበራውን ዘሕዝን ኩነት ከምዘረጋግጾ እዩ። እዋን ዓቢይ ጾም ምስቲ ትረት ልብና ምስ ዝሓክኽን ብእምነት ኣብቶም ብዙሓት ዝሳቐዩ ናይ ኢየሱስ ኣካል ክንራኸብን ክንትንክፍን ምስቶም ድኻታትን ኣብ ሕሰምን መከራን ንዝርከቡን ዘለና ከነካፍል ምስ ዝገብር ኢየሱስ ቅኑዕን ጥልቅን ዘተ እንፍጸመሉ ናይ ጸጋ ጊዜ እዩ። ናይ ዓሚዪቕ ጸሎት እዋን።

ከምቲ እቲ ናይ ቅዱስነቶም ናይ 2020 ዓ.ም. ናይ ዓቢይ ጾም መልእኽቲ ብወግዒ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉብኤ ኣዳራሽ ንናይ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋ ሮማ ናይ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መንበር፥ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ኣደ መንበር ማሬሪየላ ኤኖክ፥ “ኣብ ዝሓለፉ ናይ ወመዳእታ ዓመታት ኣብ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ልዕሊ 100 ዝግመቱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ከቢድ ሕማም ዝሓደሮም ሕጻናት እንገዳ ተገይሩሎም ዘድልዮም ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ከምእተወሃቦምን፡ እዚ ብናይ ሰብኣዊ ሓልዮ መደብ ግብረ ሰናይ ዝተፍጸመን፡ ዘድልይ ወጻኢታት እውን ብማሕበር ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስን ለጋሳት ዜጋታትን ከምእተሸፈነ እውን ገሊጸን፡ እቲ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ፡ ኣብ ሶሪያን ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃን፡ ኣብ ዮርዳኖስን ታንዛኒያን ኣብ ህንድን ኢትዮጵያን ኣብ ቻይናን ካምቦጃን፡ ዝተፈላለየዩ መደባት ሕንጸት ኣብ ክንክን ጥዕና የሳልጥ ከምዘሎን ኣዚ ኸኣ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ር.ሊ.ጳ. ጭቡጥ ግብረ ሰናይ ኣብ ዓለም ቤት ሕክምና ንደቂ እግዚኣብሔር ዘማዕብል እዩ፡ “ንሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ዘአውን መደብ ሕንጸትን ክንክን ሕጻናት ኣብ ዓለም ንምምዕባል እዩ ቢለን፡ ናይቲ ናይ ምሕረት ልኡኽ (ዲፕሎማት) ምዃን ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ምዕዳን ብጭቡጥ ዝትንትንን ዝገለጽን እዩ ቢለን፡ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሳቐዩ ሕጻናት ዝእለይሉ ማእከል እውን ከምዝቖመ ኣተሓሒዘን ከምዘፍለጣ ቸንቶፋንቲ የመላኽቱ።

ቅዱስነቶም ዕለት 24 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንኣባላት ማሕበር ደገፍቲ መንበረ ጴጥሮስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ “ኣብዚ ካብ ምዃን ምውህላል ዝብል፡ ስልጣንን ክብርን ውዳሰን ኣብ ዝድለየሉ ዓለም እቶም ትሑታንን ነኣሽቱን ዕሽሽ ክበሃሉን ክንጸጉን ይረአይ”፡ ኣብዚ “ሸበድበድ ዝረኣየሉን ርግእ ምባል ዝተሳእኖ ኩሉን ብቝልጡፍን ዝብል፡ ቀስ ምባል ዘሕፍርን ከም መሰናኸሊ ክእለይ ኣለዎ ዝብል፥ ብዕድመ ዝደፍኤን ኣካለ ስንኩልን ድኻታትን ገና ዝወለዱን ዘየምርቱ ስለ ዝዀኑ ምንጻግን ምሕራግን ዝብል ባህሊ ኣብ ዝነበረሉ ዘሎ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ንድኻታትን ዝተናዕቁን ሓለፋ ትብል፡ እዚ ኸኣ ሓሴት ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ - ሰብ ጽቡቕ ድላይን ወንጌል ብዝሰረጾምን ኣቢላ ተበስር” ከምዝበሉን፡ ምስክርነት ኣብ ሕይወት ክርስትና - ይብሉ ቅዱስነቶም - “ብልግስን ንኻልኦት ኣተኵሮ ብምሃብን እዩ ዝግለጽ፡ ብፍላይ ኣብቲ ውልቃውነትን ኢጐነትን ዘይተገዳስነትን ዝዕብልለሉ ኣብ ዘሎ ዓለም” ከምዘበሉ ዘዘኻኸሩ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፥

ንምልዋጥ ምቹእ እዋን
ንምልዋጥ ምቹእ እዋን

ምልዋጥ ማለት ንዓለም ብኻልእ ዓይነት ኣጠማምታ ምምልካት ማለት እዩ፡ ዕለት 24 ለካቲት 2020 ዓ.ም. በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም እውን - “ኵላትኵም ሕይወት ካብ ላዕሊ ካብቲ ሰማያዊ ትርኢት ክትምልከቱ እላበው፡ ነገራት ኵሉ ብናይ እግዚኣብሔር ዓይኒ ምጥማት፡ ብወንጌላዊ መንጽር ምምልካት” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ኣዘኻኺሮም ዘቕረብዎ መዘክራዊ ሓታታ የጠቓልሉ።

ንምልዋጥ ምቹእ እዋን
25 February 2020, 16:22