ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ማሕበረ-ሰብኣዊ ሱታፌ ኣብ መዳይ ሕንጸት ስለ ዝቦዀረ ናይ ሕንጸት ኪዳን ተበቲዅ ከብሃል ንሰምዕ፡ ንምሕናጽ ናይ ሓንጐልን ናይ ልብን ናይ ኣእዳውን ቋንቋ ምውሃድ የድሊ፡

ናይ ስራሕ ሰሙን ሰኑይ እቲ ሰሙነ ሊጡርጊያ ከኣ ሰንበት ኣሃዱ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙን ዓርብ ይጅምር፡ ዓርቢ ክኸውን ዝገበሮ ኸኣ ዓርቢ ዘምሕረት ብዝብል መርሓ ግብሪ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ሓልዮትን ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ህሙማንን ድኻታትን ዝተነጸሉን ክፍሊ ሕብረተሰብ ቅርበትን ሓልዮትን እግዚኣብሔር ዝምስክር ተግባር ዝፍጽምሉ ዕለት ብምዃኑ እዩ። ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘምሕረት ይነብሩን ንኽንነብሮ እውን ብቓልን ሕይወትን ይምዕዱ፡ ስለዚ ናይ ቅዱስነቶም ሰሙን ካብቲ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ መምዘኒኡ ካብ ዝዀነ ንብጻይካ ብፍላይ ንድኻታት ምፍቃር ዝብል ምዃኑ ካብ ዘተሓሳስብ ዓርቢ ዘምሕረት እዩ ዝብገስ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ፥ ኣማዞን፡ ሓደስቲ ኪደት  ንቤተ ክርስቲያንን ንኵለንተናዊ ስነ መሓድሮን ዝብል ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብምቕራብ ዝተዛዘመን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተፈተኺ ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ቃለ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዕለት 12 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቕዔን፡ ኣብቲ ቃለ ምዕዳን  ነቲ ናይ ኵሉ መሬት ዝዀነ ኣማዞን ዘለዎም ኣርባዕተ ዓበይቲ ሕልምታት ይዝርዝሩን የብርሁን፡ ማሕበረ-ሰብኣውን ባህላውን ስነ መሓድሮን መክብባዊ-ቤተ ክርስቲያን ዝብሉ ሕልምታቶም ብሰፊሕ ኣብሪሆም ምስ ኣብቅዑ ንሕልምታቶምንነቕድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም ይዛዝሙ። ናይቲ ቃለ ምዕዳን ሸቶ፡ ምኽባር ንደቀባት ሕዝብታትን ብፁዓን ጳጳሳት ብትብዓት ብዘነቓቕሕዎ ተልእዀ ወንጌል መሰረት ኣማዞናዊ ወጅሂ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ምቛም ዝብል እዩ።

ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ ምቛም

ቅዱስነቶም ዕለት 7 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ጳጳሳት ነቲ ካብ ኢየሱስ ዘርሕቕ መገዲ ዓለም ከይስዕቡን ከይተዋረድካ ትሕትና ዝበሃል ከምዘየለ ኣስተውዒሎም መገዲ ውርደት ንምምራጽ ተባዓት ክዀኑ ይምዕዱ፡ ኣስዕቦም ኣብታ ዕለት ነቶም “ስነ ሕንጸት፥ ዓለም ለኻዊ ኪዳን” ኣብ ዝብል ናይ ዕዮ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም፡ ወለዶ ብመምሃራን ኣባይቲ ስድራን ናይ ባህልን ናይ ሃይማኖትን ተቕዋማት ተደጊፎም ናይ ዓለም ከይኰኑ ንዓለም ርሁዋት ክዀኑ ክምዕዱ እንከለዉ፥

ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ማሕበረ-ሰብኣዊ ሱታፌ ኣብ መዳይ ሕንጸት ስለ ዝቦዀረ ናይ ሕንጸት ኪዳን ተበቲዅ ከብሃል ንሰምዕ፡ ንምሕናጽ ናይ ሓንጐልን ናይ ልብን ናይ ኣእዳውን ቋንቋ ምውሃድ የድሊ፡

ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ይዝከር።

ኣብ ኣገልግሎት ጸረ ንግድ ሰብ  ሕርኵት ጻዕሪ

ዕለት 8 ለካቲት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ጁዘፒና ባኪታ ሱዳናዊት ንሓደጋ ጊልያነት ተቓሊዓ ዝነበረት ኣብ እትዝክረሉ ዕለት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይቲ ታሊታ ኵም እተሰምየ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ኵለ መደያዊ ኣገግሎት ዝተዋፈራ ናይቲ መረብታዊ ማሕበር ኣባላትን ናይ ማሕበር ጋሊለዮን ተቐቢሎም ቃል ምዕዳን ለጊሶምን፡ እተን ካብ ዝተፈላለያ ናይ ደናግል ማሕበራት ዝተዋጽኣ፡ ኣብ ጸረ ንግድ ሰብ ዝዓያን፡ ናይ ንግድ ሰብ ኣደዳ ንዝዀና ካቢቲ ዝወደቓሉ መጻወዲያ ኣላቒቕን ኵለመደያዊ ኣገግሎት ዘቕርባን ነዚ ዘካይድኦ ኣገልግሎት መሳለጢ ዝውዕል ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝሕተተሉ ጻዕራማት ፈለስቲ  ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኸፈት ሓድሽ ድረ ገጽ ከምዝመረቑ ይዝከር።

ጻውዒት ሰላም ነታ ኣብ ስቃይ እትርክብ ሃገረ ሶርያ

ዕለት 9 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ መንፈሳዊ ነጋዶ ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖምን ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ነታ ኣብ ስቓይ እትርከብ ፍቕርቲ ሃገር እንክብሉ ዝገልጽዋ ሶሪያ፥

“ካብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ዘሰቅቅ ዜና ገና ይውሕዝ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኩነታት ናይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ናይ ብዙሓት ካብቲ ዝጐሃሃር ዘሎ ውግእ ዚሃድሙ ዘለውን ዘሕዝን ዜና እዩ። ዝሰምዕ እዝኒ እንተሎ ምናዳ ንዓለም ለኸ ማሕበረ-ሰብን ንዅሎም ኣብቲ ውግእ ኢድ ንዘለዎምን ጻውዒት ኣቅሪቦም። ሽሕ’ኳ ኩሉ ዚኣምነሉ ሓደ’ኳ ዘይትብሮ ዘየለ እንተኾነ እቲ እንኮ መፍትሒ ዘተ እዩ፡ ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ኣካላት ንዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰል ዝሓለወ ብምምይያጥ ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ሕይወት ብዙሓት ንጹሓት ሰባት ከድሕን ይኽእል። ክንዮ ጻውዒት ምቅራብን ሓደራ ምባልን እታ እንኮ ከም ክርስትያን ክንገብራ ዘሎና ጸሎት እያ”

እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ይዝከር።

ዕለት 10 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን፡ ነቲ ድኻታት ምርዳእ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ኣብዚ እዋን’ዚ  ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንግዳያት ውግእን ጥሜትን ስደትን ዝኾኑ ዜጋታት ኵለ መደያዊ ሓገዝ ዘቕርብ ዘሎ ናይ ኮሎሞብስ ፈረሰይናታት ማሕበር መበል ሚእቲ ዓመት ምስረታኡ ኣብ ዝዝክሩሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ዝዝከር እዩ።

ቅርበት ንህሙማንን ንዝሳቐዩን

ዕለት 11 ለካቲት ንመበል 28 ግዜ ዝዝከር ዓለም ለኸ ዕለተ ሕሙማን ምኽንያት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዕለት 3 ጥሪ 2020 ዓም ‘ኣንቱም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን ኵልኹም ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ’ (ማቴ 11.28) ብዝብል መሪሕ ቃል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ዕለት 11 ለካቲት፡ ኣብ ትዊተር ማሕብራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንተፊክስ ብዝብል ይድራሻኦም ኣቢሎም

ንዅሎም እቶም ጾር ሕማማ ተሰኪሞም ዝጐዓዙን ንዝናብይዎም ኣባይቲ ስድራኦምን ኣለይቲ ሕሙማትን ናብታ ፈዋሲተ ሕሙማን ዝኾነት ድንግል ማርያም አማዕቚብ፡ ንዅሎም ከኣ ብፍሉይ ፍቅሪ ኣብ ጸሎተይ ከምዝዝክርዎም  ቅርበተይ እገልጽ ¡

ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ይዝከር።

ክልተ መደብ ጉዕዞ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያታ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ኣቸራ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ሓጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ዘእንግዶም ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ዲ ዶና ከምዝሓበሩን፡ ካብ ናይ ረፓብሊካዊት ማልታ ርእሰ ብሔርን ካብ ናይታ ሃገር ሰበ ስልጣናትን ኣብ ማልታ ካብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝቕረበሎም ዕድመ መሰረት እውን ዕለት 31 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ማልታ ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱን ምዃኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዘፍለጠ ዝዝከር እዩ።

ሸውዓተ መዓልቲ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ
14 February 2020, 17:15