2020.02.10 ር.ሊ.ጳ ንፈረሰኛታት ኮሎምቦስ 2020.02.10 ር.ሊ.ጳ ንፈረሰኛታት ኮሎምቦስ  

ካብ ቤት ንብረቶም ንዝተሰጒን ስለ እምነት ንዝስደዱ ምልክት ፍቅሪ እግዚአብሔር ኢኹም! ር.ሊ.ጳ ንፈረ

ሚእቲ ዓመት ይገብር ብመገልገሊ ኣምላኽ ማክጊቨኒ ዝተመስረተ ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ ንድኻታት ንምርዳእ ዝዓለመ ኰይኑ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ከኣ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ንግዳያት ውግእን ጥሜትን ስደትን ዝኾነ ዜጋታት ይረድኡ ኣለው። ር.ሊ.ጳ ተወከልቲ ናይዚ ማሕበር ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ስለ እዚ ሠናይ ተግባር ኣመስጊኖሞም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣባላት ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ፈረሰኛታት ኮሎምቦስ መበል ሚእቲ ዓመቶም ኣብ ዝዝክሩሉ ምስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብሓባር ከብዕልዎ ስለዝደለዩ ትማሊ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ዝርከብ ኣደራሽ ክለመንቲና ተራኺቦም ቃል ምዕዳን ሂቦም ኣመስጊኖም ባሪኾም ኣሰናበትዎም።

ብዙሕ ግዜ ብፍቅሪ እግዚአብሔር ተደፊኦም ቅዱሳን ሰባት ኣብ ሕጽኒ ቤተክርስትያን ዝምሥርትዎም ከምዚ ዓይነት ናይ ግብረ ሠናይ ማሕበራት ኣብ ግዜ ወግእን ጥሜትን ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎም። እዚ ማሕበር እዚ ናይ ሎሚ ሚእቲ ዓመት ይገብር ቀዳማይ ውግእ ዓለም ተወዲኡ ዓለም ብዓለማ ኣብ ዓዘቅቲ ጥሜትን ድኽነትን ሽግርን ተሸሚማ እንከላ ካልእስ ይትረፍ ዝቊረስ ዝለሓስ እንጌራ ተሳኢኑሉ ኣብ ዝነበረ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ንኩሎም ማሕበራት ግብረ ሠናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ቊምስና ክሳብ ሰበኻ ክረድኡ ጻውዒት ምስ ኣቅረቡ ብቀዳምነት መልሲ ዝሃቡ እዚኦም ነበሩ።

ናይቲ ግዜቲ ጸገማት ብኩሉ እኳ እንተዘይኮነ መብዛሕትኡ ተፈቲሑ ካብ ሕጹጽ ረድኤትን ኣፈርክቡን ምስ ተሰግረ እውን እዞም ማሕበራት እዚኦም ንመንእሰያት ዝኸውን መምሃሪ ክፍልታትስ ይኹን መጻወቲ ሜዳ ገዛ ንዘይብሎም ገዛውቲ ብምሥራሕ ብዙሕ ረዲኦም ካብኡ ቀጺሎም እውን ኣብ ትምህርትን ኲስኰሳ ትምህርተ ክርስቶስን ተዋፊሮም ብዙሕ ኣበርከቱ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝገብርዎ!

ቅዱስነቶም ኣብ ቃለ ምስጋናኦም እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ስለዝገብሮ ፍሉይ ምግባረ ሠናይ እዩ። ብሓቂ ከኣ ነቶም ካብ ቤትንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ፈቀዶ መቀበሊ ዳሳት ዝነብሩ ንዘለውን ስለ እምነቶም ንዝስደዱን ዝገብርዎ ረድኤት ምልክት ፍቅሪ እግዚአብሔር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ነቲ ሕይወት ወዲሰብ ቅዱስ ህያብ ኣምላኽ ምዃኑ እትህብዎ ተኣማኒ ምስክርነትኩም ኣብ ዘሎኹምዎ ከባብስ ይኹን ኣብ ምሉእ ዓለም ዝምስገን እዩ። እዚ እምነት እዚ ከኣ ንዋታውን መንፈሳውን ሓገዝ ነቶም ዝሳቀዩ ዘለው ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ዝርከቡ ብዓመጽን ውግእን ድኽነትን ንዝደሃኹ ዘለው ወገናት እትበርክትዎ ዓቢ ነገር እዩ። ነቶም ካብ ቤትንብረቶም ተመዛቢሎም ዘለውን ዝደዱ ዘለው ክርስትያንን ከም ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ጌርኩም ስለእተገልግልዎም ብልቢ አመስግነኩም እዚ ከኣ ምልክት መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር እዩ። ሓደራ ዝብለኩም ናብ ኩሉ ዝላባዕ ንዘሎ ሸለልትነትን እንታይ ገደሰኒ ዝብል ኣተሓሳስባን ክተሸንፉ ተቃለሱ።”

ዓውለማነት ሸለልትነት ክሽነፍ ዘለዎ ዝንባሌ!

ንጽጉማት ንምርዳእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብር.ሊ.ጳ ገቢራ ቪካርዩስ ክሪስቲ ዝብል ማሕበር ግብረሠናይ ኣቊማ ብዓለም ለኸ ደረጃ ክትረድእ ትቃለስ ኣላ። ነዚ ቅልጡፍ መልሲ ካብ ዝሃቡ እቶም ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ብመገልገሊ ኣምላኽ ሚካኤል ማክጊቭኒ ዝቆመ ኮይኑ እዚ ኣብነታዊ ማሕበር እዚ ኣብ ዘመንና ንብዙሕ ዓብሊሉ ዘሎ ሸለልትነት ክቃለሶ ቅዱነቶም ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

“ኣብዛ ብምምቅቃልን ዘይማዕርነትን ቈሲላ ዘላ ዓለምና ንስኹም እትበርክትዎ ንጽጉማት ዝግበር ኣገልግሎት ነቲ ዓውለማዊ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ሸለልትነት ከሸንፍን ብሓባር ንኩሉ እትቅበልን ፍትሓዊትን ኅብረተሰብ ንምህናጽ ከኽእለና እዩ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
11 February 2020, 13:45