ር.ሊ.ጳ. ንዓለማውያን ምእመናን ስፐይን ር.ሊ.ጳ. ንዓለማውያን ምእመናን ስፐይን 

ር.ሊ.ጳ. ንዓለማውያን ምእመናን ስፐይን

ቤተ እግዚኣብሔር “እጀታኣ ዓጺፋ ብዘይ ምንም ዓይነት ቅድመ ፍርድታትን ብዘይ ምዅናንን ኢዳ ዘርጊሓ ነቲ ዝወደቐ ሓፍ ንኸተብልን ንኽትድግፍን ንኸተተባብዕን ኣብ ጐደና ሕይወት ንኸተሰንይን ምስ ካልእ ንምርኻብ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ እያ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብይብጻሕ ናብ ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ብላስከዝ ፐርዝ፡ ናብቲ ኣብ ስፐይን፥ “ሕዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ምውጻእ (ገዛእ ርእሱ ከፊቱ ናብ ኣብ ምባል)” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ናብ ዘሎ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝንጽሉን ዘግልሉን ፈላላይ መናድቕ ንምፍራስ እቲ ህያው ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ብውዕዉዕ ስምዒትን ብሓሴት ክርስቲያናዊ ምስክርነት ክስበኽ ኣለዎ” ምእንቲ እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናብ ነፍሲ ወከፍ ኵርናዕ ማሕበረ-ሰብ ንኽትኣትዉን ክሳብ ወሰናስን ጫፍ ከተማታት ንኽትበጽሑን ናይ ሕዝቢ ኣቑሳል ንኽትንክፉ ኣትሪርኵም ረጊጽኩም ኣብ መገዲ ምጉዓዝ ከየፍርሓኩም። ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጺእካ ምስ ካልእ ንምርኻብ ኪዱ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ራቪያርት እስዒቦም፥

ኣገዳስነት ሲኖዶሳውነት

ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ቫላዶሊድ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ስፐይን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሪካርዶ ብላዝከዝ ፐረዝ ብዝብል ኣርእስቲ ናብቲ ናይ ስፐይን ዓለማውያን ምእመናን ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ካብ 2016 ዓ.ም. ኣትሒዙ ዝወጽእ ህዝበ እግዚኣብሔር (ናብ ዝብል ህዝበ ኣግዚኣብሔር) ብዝብል ኣርእስቲ ተሓንጺጹን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ኣብ ስፐይን ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ገምጋም ዘካይድ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ተመክሮን ሓሳብን ኣብ ምክፋል ዘሎ ጽባቔ፡ ነፍሲ ወከፍ ዓለማዊ ምእመን ንዝርከበሉ ጭቡጥ ኩነት ዘሀብትምን ነቲ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ዘዕብን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ካብ ክህነታውነት ፈተና ምጥንቃቕ

“ናብ ኵሉ ዓለም ኵዱ ወንጌል ኣብጽሑ” ዝብል ተልእዀ፥ ኵሉ ከከም ጸዋዕታኡ ዝነብሮ እዩ፡ ዓለማውያን ምእመናን ናይ ዓለም ከይኮኑ ግና ኣብ ዓለም ምስ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን ናይ እንርከበሉ ሕብረተሰብ ህርመት ጽን ይበል” ቢሎም፥” ካብ ክህነታውነትን ምናኔን ካብ ንስልጣን ምፍሕፋሕን ካብ ደረቐይንነትን ኣሉታውነትን ክቑጠቡ” ይምዕዱ ዝበሉ ራቪያርት ኣተሓሒዞም፡

እግዚኣብሔራዊት ስድራ ቤት

ቤተ እግዚኣብሔር “እጀታኣ ዓጺፋ ብዘይ ምንም ዓይነት ቅድመ ፍርድታትን ብዘይ ምዅናንን ኢዳ ዘርጊሓ ነቲ ዝወደቐ ሓፍ ንኸተብልን ንኽትድግፍን ንኸተተባብዕን ኣብ ጐደና ሕይወት ንኸተሰንይን ምስ ካልእ ንምርኻብ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ እያ”፡ ነዚ ንምፍጻም ምስቲ ኣብ ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለቶ ጸጋ ስሙር ዝዀነ ሕይወት ክትነርብ ይግብኣ”፡ “እዚ ኸኣ ብመሰረቱ ናይ ሓደ ማሕበረ ሰብ ክርስቲያን ኣባል ከምዝዀነት ምስትውዓል ማለት እዩ”። “ጉጁል ምትእኽኻብ ወይ ከኣ ናይ ሓደ ዘይመንግስታዊ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣባል ምዃን ማለት ዘይኰነስ እንታይ ደኣ ኣብ ዙሪያ ጐይታ ንኽትእከብ ዝተጸወዓት ስድራ ቤት እግዚኣብሔር እያ”።

ቃለ ወንጌል ኣብ ኤውሮጳ ንምቅላሕ

“ቤተ ክርስትያን ሎሚ ዕለት 14 ለካቲት ናይ ኤውሮጳ ሓለውቲ ቅዱሳት ቀርሎስን ሜጠዶስን ኣብ እተብዕለሉ ዕለት ተልእዀ ወንጌል ወትሩ ኣገዳስን ኣድላይን እዋናውን ምዃኑ ዘኪርና፡ ኣብ እነነብረሉ ከባብን ሃገርን ክፍለ ዓለምን ወንጌል ነቃልሕ፡ ብፍላይ ንስኻትኵም ኣብታ ሓድሽ ቃል ብስራት ዝተዓበጠላ ናይ ሞትን ቀቢጸ ተስፋነትን ድምጽታት ጫው ጫው ዝብለላ ኤውሮጳ ወንጌል እተቃልሑ ኩኑ” ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።  

ር.ሊ.ጳ. ንዓለማውያን ምእመናን ስፐይን
14 February 2020, 17:19