ኣብ ዘመነ ጾመኣርብዓ ካብ ተለቪዥንን ተለፎንን ፍልይ ኢልና ንኢየሱስ ጽጉማት ብምርዳእ ንከተሎ! ር.ሊ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓም ነቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስትምሃር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ባሪኾምን ዕለቱ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ጾመ ኣርባዓ እትጅምረሉ ስለዝኾነ ብዛዕባ ዘመነ ጾመ ኣርብዓ ስፍሕ ዝበለ ትምህርቲ ኣብ ዘቅረቡሉ `እንተወሓደ ኣብዚ ዘመነ ጾምኣርብዓ ካብ ተለቪዥንን ተለፎን ፍልይ ኢልና ንጽጉማት ብምርዳእ ኣሰር ኢየሱስ ንከተል’ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ቃል ኣምላኽ፡ - ‘ኢየሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ካብ ዮርዳኖስ ተመልሰ። ነርብዓ መዓልቲ ብዲያብሎስ እናተፈተነ ኸኣ ኣብ ምድረ-በዳ ብመንፈስ ይምራሕ ነበረ። በተን መዓልታት እቲአን ድማ ገለኳ ኣይበልዐን’ (ሉቃ 4.1-2)

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን!

ብሮቡዕ ናይ ሓሙዂሽቲ ዝፍለጥ ሎሚ መዓልቲ ምጅማር ጒዕዞ ጾመኣርባዓ ኰይኑ ክሳብ እታ ሕመረት ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ ዝኾነት በዓለ ፋሲካ ንኣርባዓ መዓልቲ እንጾመሉ እዋን እዩ። እዚጒዕዞ እዚ ነቲ ኢየሱስ ኣብ ምጅማር ኣገልግሎቱ ኣብ ምድረበዳ ከይዱ ነርብዓ መዓልቲ ብሰይጣን እናተፈተነ ዝጾሞን ዝጸለዮን ጒዕዞ ዝስዕብ እዩ። ሎሚ እምበር ትርጉም ምድረበዳ እንታይ ምዃኑ ክገልጽ እየ። ብዓይኒ መንፈሳውነት እንክንጥምቶ ወላ ንኣና ነቶም ኣብ ከተማታት እንነብር ምድረበዳ እንታይ ማለት ኮን ይኸውን።

ኣብ ምድረበዳ ከምዘሎና ገርና እሞ ንሕሰብ። እታ ቀዳመይቲ ምልክት ጭው ብዝበለ ሱቚታ ምኽባብ ኰይኑ እንትርፎ እቲ ኣብ ከባቢ ዝነፍስ ንፋስን እስትንፋስናን ሓሸው ዝብል ድምጺ ኣይንሰምዕን። እነሀ እምበአር ምድረበዳ ክንብል እንከሎና ካብቲ ከቢቡና ዘሎ ጨርባሕባሕ ግልል ምባል ማለት እዩ። ዘረባ የለን እዚ ከኣ ነቲ ካልእ ዘረባ ማለት ቃል እግዚኣአብሔር ቦታ ንምፍጣር ኰይኑ ከምቲ ናይ ኤልያስ ኩሉ ሃዲኡ ፈይፈይ ዝብል ህዱእ ንፋስ ምስ መጸ እግዚአብሔር ብቃሉ ንልብና የረስርሶ (1 ነገ 19,12)። ምድረበዳኸስ ናይታ ቀንዲ ቃል ቃለእግዚአብሔር ቦታ እያ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣአብሔር ኣብ ምድረበዳ ምስ ደቂሰብ ክዛረብ ከምዝፈቱ ንምልከት። ንኣብነት ንሙሴ ዓሠርቱ ቃላት ኣብ ሲና ክህቦ እንከሎ ኣብ ምድረበዳ ነበረ። ሕዝቡ ካብኡ ሸፊቱ ከም ሓንቲ ዘይእምንቲ መርዓት ክኸውን እንከሎ እውን ‘ስለዚ እነሆ ከም ብሓድሽ ናብ ምድረ በዳ ዅአስዳ እየ። ብፍቅሪ ሓባቢለ ኸኣ ክማርኻ እየ . . ኣብኡ ኸምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፣ ከምቲ በታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ’ (ሆሴ 2.14) ይብል። ኣብ ምድረበዳኸስ ከም ፈልፈል ዝብል ጥዑም ንፋስ ቃል እግዚአብሔር ይስማዕ። መጽሓፈ ነገሥት ቃል እግዚኣአብሔር ኣብ ጽምዋ ከም ዝስማዕ ድምጺ ይብሎ። ኣብ ምድረበዳ ምስ እግዚኣአብሔር ዘሎካ ጥቡቕ ርክብ ፍቅሩ ዳግም ይርከብ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እናሻዕ ንክጽሊ ናብ ምድረበዳ ይኸይድ ነበረ (ሉቃ 5,16)። ነቲ ኣብ ጸጥታ ንዝዛረብ እግዚአብሔር ኣቦ ከመይ ጌርና ክንረኽቦ ከምእንኽእል ምሂሩና። ኣብ ልብና ሱቊታ ክንፈጥር ቀሊል ኣይኮነን ምኽንያቱ ንሕና ኩሉ ግዜ ክንዛረብ ንደሊ ምስ ካልኦት ክንከውን ንደሊ።

ዘመነ ጾመኣርባዓኸስ ንቃል እግዚኣአብሔር ንምስማዕ ምሩጽ ግዜ እዩ። ንተለቪዥንን ተለፎንን ዓጺና ቅዱስ መጽሓፍ እንኸፍተሉ እዋን እዩ። ካብ ሞባይል ተለፎና ተፈሊና ምስ ቅዱስ መጽሓፍ እንጣመረሉ ግዜ እዩ። ኣነ ሕጻን ከሎኹ ተለቪዥን ኣይነበረን ረድዮ ነበረ ስለዚ ረድዮ ንከንሰምዕ ንጸውም ነርና። ዘመነ ጾመኣርባዓኸስ ምድረበዳ ኰይኑ ንኩሉ ገዲፍካ ምስ ወንጌል እትዛመደሉ እዩ። ንዘይጠቅም ትርፊ ዘረባ ሕሜት ጸለመ ቶባ ኢልካ እትገድፈሉ ግዜ እዩ። ምስ ጐይታ ልቢ ንልቢ እተዕልለሉ እዋን እዩ። ንንጽሕና ልቢ እትሰርሓሉ እዋን እዩ። ዓለምና ብኩሉ ተበኪሉ ልብና ረሲሑ ተበኪሉ ስለዘሎ ካብቲ ኩሉ ናይ ዓመጽ ዘረባን ከንቱነትን ግልል ምባል የድሊ። ኩሉ ተገላቢጦሽ ኰይኑ ከምዛ ሓደርካ ዝብለካ ዝጸርፈካ ብዙሕ እዩ። ንንግዲ ኢልካ ምግዋሕን ባዶሽ ዝኾነ ቃላት ምድግጋምን ተለሚዱስ ብዛዕባ ዘድልን ዘይድልን ብዙሕ ይዝረብ መንፈስ ዓለም ኣብ ኩሉ ገኒኑ ዓፊኑና ይርከብ። ካብዚ ክንድሕን ናብ ምድረበዳ ምውጻእ እዩ። ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ኣብ ሕልናና ንዝዛረበና ቃል  ኣምላኽ ክንሰምዖ ንጽገም። ኢየሱስ ናብ ምድረ በዳ እንክጽውዓና ነቲ ኣድላይን መሠረታውን ዝኾነ ጽን ኢልና ክንሰምዕ ይዕድመና። ነቲ ፈታኒ ዲያብሎስ ‘ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር እንታይ ደኣ በቲ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ቃል እዩ` (ማቴ 4.4) ቢሉ ዝምልሸሉ ከኣ ነዚ እዩ። ልክዕ ከም መግቢ ዕለት ኣኳ ደኣ ካብኡ ብዝዛየደ መንገዲ ምስ እግዚኣአብሔር ክንዛረብ እሞ በቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ቃላት ክንምገብ እዩ ነዚ ንምግባር ከኣ ምጽላይ የድሊ። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጥራሕ እዩ ዝምባሌ ልብና ክጥዒ እቲ ክልተ ክልተ ዝገብረና ነገራት ክመሖ ዚከኣል። እቲ መካነ ሕይወት እምበር ቦታ ሞት ዘይኮነ ምድረበዳኸስ እዚ እዩ ከመይ ኣብ ጭው ዝበለ ሱቚታ ምስ እግዚኣአብሔር ምዕላል ሕይወትና ዳግም ይህበና።

እስኪ እንደገና ብዛዕባ ምድረበዳ ንሕሰብ። ከም ሓቑ ምድረ በዳ መሠረታዊ ነገራት እትርደኣሉ ቦታ እዩ። ሕይወትና መነባብሮና እንተተመልከትና ክንደይ ዘድልን ዘየድልን ጋሕ ገልጠም ከቢብዎ ይርከብ! ክንደይ ዘድልዩን ዘየድልዩን ነገራት ከም ቀንድን ኣድለይትን ክነተዓራሪ ላዕልን ታሕትን ንብል ኰይኑ ግን ፋይዳ የብሎምን። ኣብ ሕይወትና ከም ኣድለይቲ ንቈጽሮም ዝነበርና ግን ኣድልይቲ ካብ ዘይኮኑ ነገራት ሓራ እንተንወጽእ ክንደይ ጽቡቕ ነሩ። ከምዚ ብምግባ ነቲ ቀንድን ኣድላይን ነገራት ክነለሊ ኣብ ጥቃና ዘለው ገጻቶም ክንርኢ ክንክእል ኢና። ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ምድረበዳ ወጺኡ ብምጻም ኣብነት ይህበና። ጾም ማለት ካብ ዘይድልዩ ነገራት ምፍላይ ምግዳፎም እሞ ናብቲ መሠረታውን ቀንድን ነገር ምኻድ እዩ። ጾምከስ ንኩሉ ጋሕ ገልጠም ገዲፍካ ኣብ መሠረታውን ኣድላይን ዝኾነ ጥራይ ብምትኳር ንጹር ሕይወት ምምራሕ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ምድረበዳ በይንኻ እትኾነሉ ቦታ እዩ። ሎሚ እውን ኣብ ጥቃና ብዙሕ ምድረ በዳታት ኣሎ። ኣብ ከባቢ ዝርከቡ በይኖም ዝነብሩን ማንም ዘይግደሰሎምን ክንደይ ድኻታት ክንደይ ሽማግለታት ጽምዋ በሊዕዎም ምንም ከይበሉ ኣብ ምድረበዳ ሕይወት ይነብሩ። ብዛዕባ እንክትዛረብ ዝሰማዓካ የለን። ኰይኑ ግን ነዚ ምድረበዳ እንተስዒብናዮ ናብኦም የብጽሓካ። እዚኦም ሱቊ ክብሉ ምንም ከይዛረቡ ዝተገብሩ ስለዝኾነ ብሱቊታኦም ሓገዝና ይልምኑ። ክንደይ ብሱቊታ ዝግበሩ ጠመተ ኣዕይንቲ ድኻታት ንሓግዝና ዘይሓቱ። ኣብ ጒዕዞ ምድረበዳ ጾመኣርባዓኸስ ነዞም ድኹማት ብዝግበር ናይ ምሕረት ሥራሕ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ምግባረ ሠናይ ዝግበር ጉዕዞ እውን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ምድረበዳ ጾመኣርባዓኸስ እቲ መንገዲ መንግዲ ጸሎት ጾምን ምጽዋትን እዩ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብኢሳይያስ ነቢይ ገሩ እግዚኣአብሔር ‘እነሆ ኣነ ሓዲስ ነገር ክገብር እየ ኣብ ምድረ በዳ መንገዲ ከሰናዱ እየ’ (ኢሳ 43.19) እንክብል ዓቢ ተስፋ ይህበና። እዚ ኣብ ምድረበዳ ዝሰናዶ መንገዲ ካብ ሞት ናብ ሕይወት የሰጋግረና። ሃየ እምበአር ምስ ኢየሱስ ናብ ምድረበዳ ንእቶ ሽዑ በቲ ንሕይወትና ዘሓድስ ፍቅሪ እግዚኣአብሔር ተሓዲስና ናብ ፋሲካ ክንበጽሕ ኢና። ከምቲ ኣብ ጸደይ ዝዕምብቡ ምድረበዳታት ክንከውን ኢና። ካብዚ መጸ ዘይንብሎ ስለ ሓጢኣትና ሰቆቃውን ብኽያትን ክውሕዝ እዩ። ሃየ እምበኣር ናብዚ ናይ ጾመኣርባዓ ምድረበዳ ንእቶ ንኢየሱስ ኣብ ምድረበዳ ንስዓቦ ምስኡ ልብታትና ክዕምብቡ እዮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 February 2020, 18:00