ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ወግዓዊ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ወግዓዊ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ. 

ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ወግዓዊ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ.

ሎሚ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ኣብ ናይ ቅዱስነቶም ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረ መደብ መሰረት ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ምክንኻን ዝካየድ መደብ ምስ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ናይ ዝዓዪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዕለት 27 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ መርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ  ከምዘዕረጉን ብዘለዎም መራሕ ፍጻሜታት መሰረት እውን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዘካይድዎም ርክባት ከምዘሎ ከይኑ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ምስ ናይ ሮማ ሰበኻ ካህናት ንኽራኸቡ ዝነበሮም መደብ ከምዘየካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ሰበኻ ሮማ ካህናት ዝሰርዕዎ ናይ ንስሓ ስርዓተ ሊጡርጊያ ክርከቡ ዝነበሮም መደብ ኣብ መርሓ ፍጻሜታቶም ብዝገበርዎ ንኡስ ለውጢ ምኽንያት፡ ከምዘይፍጸምን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ኣመሓዳሪ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 27 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ከባቢ ቅድስቲ ማርታሕ ሕንጻ ክጸንሑ ዝደልዩ ብምዃኖም እዩ ቢሎም፡ ካልእ ኵሉ መርሓ ፍጻሜታቶም ብዘይ ምቅይያር ክፍጸም ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ሎሚ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እቲ ኣብ ናይ ቅዱስነቶም ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ዝገበረ መደብ መሰረት ናይ ሓባር ቤትና ኣብ ምክንኻን ዝካየድ መደብ ምስ ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ናይ ዝዓዪ ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ናይ ስነ መሓድሮ ምንቅስቓስ ኣባላት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ብሩኒ የመላኽቱ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ብሩኒ ኣተሓሒዞም ዕለት 28 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ሰዓት 11.30 ዓመጽ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ጳጳሳትን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ዘካይድዎ መደብ ህርኵት ጻዕርታት ድጋፍ ንኸቕርብ ዝቖመ ግብረ ሓይሊ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ጋዜጣዊ መግለጺ ክወሃብ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ኸኣ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዝጥቀሙሉ መስርሕን ዝኽተልዎ መስመር ንምእዋንን ዝድግፍ ግብረ ሓይሊ ከምዝዀነን፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እውን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ ፍጻሜታት መሰረት ገይሮም እውን ኣገዳሲ መግለጺ ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ወግዓዊ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ.

Photogallery

ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ወግዓዊ መርሓ ፍጻሜታት ር.ሊ.ጳ.
27 February 2020, 18:17