ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር

ብዛዕባ ዞባውን ዓለም ለኻውን ርእሰ ጉዳያትን፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክጸንዕ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ

ዕለት 22 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓሊካዊት ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር ኢልሓም ኣሊየቭን ተቐቢሎም ክምዘዘራረቡን፡ ኣብቲ ዝተኽየደ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ውስጠ ባህልታትን ውስጠ ሃይማኖታትን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር ኢልሓም ኣልየቭ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቶም ዝተኻየዱ ናይ ሓባር ዘተ፥ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ኣዘበርጃንን ዘሎ ርክብ ሰናይ ምዃኑ ብኽሊቲኣተን ሃገራት፥ ኣብ ባህላዊ መዳይ ዘሎ ምትሕብባር ከም ኣብነት ብምቅላሕ  ከምእተመስከረን፡  ርእሰ ብሔር አልየቭ ንጥፈታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣዘርበጃን ዝነኣድ እዩ ከምዝበሉ ኣፍልጡ።

መግለጺናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ከምዝሕብሮ፥ ብዛዕባ ዞባውን ዓለም ለኻውን ርእሰ ጉዳያትን፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ክጸንዕ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ባህልታትን ሃይማኖታትን ዝካየድ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ እውን ዘተ ከምእተኻየደ የመላኽት።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኣዘርበጃን ርእሰ ብሔር
22 February 2020, 17:37