ኦ ጐይታ ገዓር ስደተኛታት ስማዕ! ናይ ወርሒ ለካቲት ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ

ወርሒ መጸ ወርሓዊ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ብዘሰናዱ ዓለምለኸ ቤትጽሕፈት ብርእየት ዝዝርጋሕ ናይቲ ወርሒ ሓሳብ ጸሎት ዝገልጽ ናይ ወርሒ ለካቲት ሓጺር መልእኽቲ ቪድዮ ር.ሊ.ጳ ‘ብንግዲ ደቂሰባት ዝርከብ ገንዘብ ብደም ንጹሓት ዝተጸየቀ እዩ’ ክብሉ ስለ ስደተኛታትን ግዳይ ንግድ ደቂሰባትን ‘ኦ ጐይታ ገዓት ስደተኛታት ስማዕ’ ክንብል ንጸሊ ኢሎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ንዝመጽእ ዕለት 8 ለካቲት ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ለኸ ዕለት ምቍዋም ንግድ ደቂሰባት ዝዘከረ ናይ ወርሒ ለካቲት ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ በዚ ኢሰብኣዊ ተግባር ንዝሳቀዩ ክንዝክር ንገዓሮም ናብ እግዚአብሔር ክነብጽሕ ኦ ጐይታ ገዓሮም ስማዕ እናበልና ክንጽሊ ተማሕጺኖም። ቅዱስነቶም ናይዚ ሓለንጊ እዚ ዝሓሰማ ሠለስተ ነገራት ‘ንክህብትሙ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተጸሚዶም ዘለዎ ዘርእይዎ ብልሽውና ከምኡ እውን እቲ ብደም ዝተጸየቀ ገንዘብ’ ምዃኖም ገሊጾም።

“ናይዞም ኣብ ኢድ እቶም ሕልና ዘይብሎም ነጋዶ ደቂሰባት ዝወደቁን ግዳይ ስደት ዝኾኑን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ስደተኛታት ገዓር ክስማዕን ኣብ ግምት ኪኣቱን ንጸሊ ኢሎም።”

ዓውለማዊ ግድል!

ንግድ ደቂሰባት ዓለምለኻዊ ድራማ ምዃኑ ዝገልጽ ጸብጻባት 2019 ዓም ይገልጹ። ብዓለምለኸ ደረጃ 271 ሚልዮን ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ካብዚኦም 47,9% ደቂ ኣንስትዮ 13% ከኣ ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም የመልክት። እዚ ከኣ ልዕሊ 60% ግዳይ ናይቶም ሕልና ዘይብሎም ነገዲ ደቂሰባት ምዃኖም እዩ። ምስ ናይ 2018 ዓም እንክ ወዳደር እቲ ቊጽሪ ከምዝወሰኸ ይምልከት። ኣብ መንጎ 2014ን 2016 ዓም ናይ 24 ሺሕ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ተመዝጊቡ።

እዚ ኣብ ቭየና ዝተመዝገበ ሰነድ 2019 ዓም 23% ናይዞም ስደተኛታት ሕጻናትን ኣባጺሕን ምዃኖም ይገልጽ።

ዓለምልኸ ዕለት ተቋውሞ ንግድ ደቂሰባት!

ዝመጽእ ቀዳም ናይታ ግዳይ ንግዲ ሰባት ዓባይ ኣፍሪቃዊት ቅድስት ቅድስት ባኺታ በዓል እንክዝከር በዚ ዕለት እዚ ከኣ ዓለምለኸ ዕለት ተቃውሞ ንግድ ደቂሰባት ይዝከር። ቅድስት ባኪታ ብ1869 ኣብ ሱዳን ዝተወልደት ኰይና ቅድሚ ድንግል ምዃና ከም ባርያ ተሸይጣ ብዙሕ ዝተሳቀየት እያ። በዚ ዕለት እዚ ከኣ ንኩሎም ግዳያት ባርነት ክንዝክርን ብዓለም ለኸ ደረጃ ንዝኾነ ንግድ ደቂሰባት ክንቃወምን ንጽዋዕ።

ብድምጺ ንምስማዕ!

 

07 February 2020, 16:34