ዘተን ዲፕሎማያዊ ርክብን ኣብ ሲርያ ንዘሎ ውግእ ደው የብል! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 9 ለካቲት 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይ ዕለቱ ጉባኤ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ኣብ ሃገረ ሶርያ ውግእ ኣብ ምንህሃር ኢድ ዘለዎም ኩሎም ኣባላትን ብዘተን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብምሕያልን ውግእ ደው ከብሉ ብምጽዋዕ ልዕሊ ኩሉ ናይቶም ንጹሓት ሕዝቢ መነባብሮን ሕይወትን ብጣዕሚ ከምዘሕዘኖም ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

‘ካብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ዘሰቅቅ ዜና ገና ይውሕዝ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኩነታት ናይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ሕጻናትን ናይ ብዙሓት ካብቲ ዝጐሃሃር ዘሎ ውግእ ዚሃድሙ ዘለውን ዘሕዝን ዜና እዩ።’ ክብሉ ዝተሰመዖም ሻቅሎትን ጓህን ዝገለጹ ቅዱስነቶም ዝሰምዕ እዝኒ እንተሎ ምናዳ ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ንኩሎም ኣብቲ ውግእ ኢድ ንዘለዎምን ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ሽሕ’ኳ ኩሉ ዚኣምነሉ ማንም ግን ዘይገብሮ እንተኾነ እቲ እንኮ ፍታሕ ብዘተ ኰይኑ ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ኣካላት ንዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰል ዝሓለወ እሂን ምሂን ምባል ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ሕይወት ብዙሓት ንጹሓት ሰባት ከድሕን ይኽእል። ክንዮ ጻውዒት ምቅራብን ሓደራ ምባልን እታ እንኮ ከም ክርስትያን ክንገብራ ዘሎና ጸሎት ምዃና ከኣ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

`ስለ እዛ ፍቅርቲ ኰይኑ ግን ብውግእ ትሕመስ ዘላ ሃገር ሶርያ ንጸሊ’ እንክብሉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ነጋድያንን ምእመናንን ምስ ኩሎም ብመራኸቢ ብዙሓን ዝከታተልዎም ዝነበሩን ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ደጊሞም።

ኢሰብኣዊ ውግእ ስለዝኾነ ጻዕርን ዘተን የድልዮ!

እዚ ኢሰብኣዊ ውግእ ተባሂሉ ዝግለጽ ውግእ ሶርያ ካብ 2011 ዓም ጀሚሩ እዩ ሕይወት ብዙሓት ቀጺፉ ብዙሓት ካብ ቤትንብረቶም ተሰጉጎም ፈቀዶኡ ስደተኛታት ኰይኖም ገለን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ገለን ገና ላዕልን ታሕትን ክብሉ ኣብ ባሕርታት ይሞቱ ኣለው። ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ብዘተ ክፍታሕ ጻውዒት ኣቅሪቦም። ድነ ውግእ ናብ ዓለምለኸ ገጹ ዘንቢሉ አመሪካ ክትድብድብ ኣብ ዝተናደነትሉ ግዜ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ጾምን ጸሎትን ኣዊጆም ከምነበሩ እውን ይዝከር። ዝሓለፈ ሰነ 28 2019 ዓም እውን ብቀጥታ ናብ ፕረሲደንት ሶርያ ባሻር ሓፈዝ ኣል ኣሳድ ኩነታት ንጹሓት ዜጋታትን ዕንወት ሕዝቢ ዝግልገለሉ መዕቆቢ ሕሙማትን ኣብያተ ትምህርትን ደው ንከብል ክዛተን ጽቡቅ ድላይ ከርእን ተማሕጺኖም ነሮም።

እዚ ሻቅሎት እዚ ካብ ጽባሕ ሥልጣነ ር.ሊ.ጵጵስናኦም ጀመሮም ኣብ ዕለተ ፋሲካ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኡርቢ ኤት ኦርቢ ነዚ ሕልቂት መወዳእታ ክገብሩሉ ተማሕጺኖም ክሳብ ሎሚ ከኣ ይቅጽልዎ ኣለው። ብ2016 ዓም ኣብ ለስቦ ሃገረ ግሪኽ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ብዙሓት ደቂ ሶርያ ምስ ረኣዩ በይንኹም ኣይኮንኩምን ኣጆኹም ኢሎም ምስታ ንኦኦም ሒዛ ዝተጓዕዘት ነፋሪት ከም ኣጋይሾም ስደተኛታት ሒዞም ከምዝተመልሱ ይዝከር።  

[ Audio Embed ብድምጺ ንምክትታል!]   

10 February 2020, 16:07