ምርሓው ቅዱስ ማዕጾ ካተድራል ሳን ኾዘ! ምርሓው ቅዱስ ማዕጾ ካተድራል ሳን ኾዘ! 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንኢዮቤል 100 ዓመት ቤተክርስትያን ኮስታ ሪካ!

ካብ 16 ለካቲት 2020 ክሳብ 16 ለካቲት 2021 ዓም ቤተክርስትያን ኮስታሪካ ኢዮቤል መበል ሚእቲ ዓመት ምሥረታኣ ትገብር ስለዘላ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ከይሰልቸኹም ሕጂውን ንስስብከተ ወንጌል ኣስፋሕፍሑ’ እንክብሉ መልእኽቲ ከምዝሰደዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤ - ዜና ቫቲካን

ብስም ቅዱስነቶም ነታ መልእኽቲ ዝኸተሙ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን እንክኾኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ መልእኽቶም ንኩሎም ነቶም ዕለት 16 ለካቲት 2020 ዓም መኽፈቲ ኢዮቤል መበል ሚእቲ ዓመት ምሥረታ ቤተክርስትያን ዞባ ኮስታ ሪካ ዝተሳተፉ ውሉደ ክህነት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ምእመናንን ሰላምታ ኣቅሪቦም። ድሕሪ ሰላምታ ቅዱስነቶም ኣብቲ እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ እተቅርቦ ንፍረ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ሚእቲ ዓመት ንጐይታ ንምምስጋን ኣብ ዘቅረብዎ ጸሎት ንኩሎም ውሉድ እታ ሃገር ሃገር ንምስናይን ንምትብባዕን ምሳኦም ብመንፈስ ሓቢሮም ከምዘመስግኑ ገሊጾም።

ነታ መልእኽቲ ብስም ቅዱስነቶም ዝኸተሙ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፕየትሮ ፓሮሊን ‘ኣብዚ ዓመት ኢዮቤል ንምጅማር ተጋቢእኩምሉ ዘሎኹም ፍሉይ ዕለት እዚ ነቲ ኩሉ ሓቅን ሕያውነትን ጽባቄን ካብኡ ዝምንጩ ምሕረት ዝመልኦ ፍቅሪ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምቅባል ዝጀመርዎ ስብከተ ወንጌል ኩሎም ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ብሓዲስ መንፈስ ክቅጽልዎን ነቶም ጽጉማትን ርሑቃትን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ሓጐስ ወንጌል ጐይታ ክበጽሖም ክጽዕሩን ነዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሕይወት ክርስትና ብዝህብዎ ምስክርነት ክትገብርዎ ቅዱስነቶም የተባብዑኹም’ እንክብሉ ጽሒፎም።

መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብ መደምደምታ እታ ናይ ኮስታ ሪካ ጠበቃ ዝኾነት ድንግል ማርያም ዘመላእክት ኣደናታዊ ሓለዋኣ ክትህቦም ብምምናይ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንኩሎም ተስታተፍቲ ናይዚ በዓልን ንወለንተኛታት ኣገልገልትን ብምሃብ ይዛዝሙ።

እዚ ዓመት ኢዮቤል ብናይ ቅድስት መንበር ሓዋርያዊ ንስሓ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ጸዲቁ ካብ ዕለት 16 ለካቲት 2020 ክሳብ ዕለት 16 ለካቲት 2021 ዓም ንምሉእ ዓመት ክበዓል ተወሲኑ ዘሎ ነታ ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 ፕረደቸሶሩም ብዝብል ኣዋጅ ብ1921 ዓም ንሰበኻ ሳን ኾሰ ናብ ደረጃ መጥሮጶሊጣ ኣልዒሎም ንሰበኻታት ሊሞንን ኣላዅወላን ዝተኸሉሉ ፍጻሜ ይዝክር። ናይዘን ሠለስተ ካተድራላት ንዓመት ምሉእ ናይ ሥሬተ ሓጢኣት ጸጋ ዝርከበለን ኰይነን ንምሉእ ዓመት ነጋዶን ምእመናንን ዘድልዮም መንፈሳውያን ጸጋታትን ምሉእ ሥሬተ ሓጢኣትን ክረኽቡለን ከምዝተወሰነ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ሓበሬታ የመልክት።

ነዚ በዓልዚ ንኽከታተል ዝቆመ ጳጳሳዊ ኮሚሽን እዚ ዓመት ኢዮቤል እዚ ኣብ ሠለስተ ግዝያት ክፍጸም ምዃኑ፡ እዚ ከኣ መጀመርያ ዕለት 13 ለካቲት ኣብ ካተድራል ኤል ሊሞን ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝተጀመረ ከመይ ሰበኻ ሊሞን ብታሪኽ ብ1502 ንመጀመርያ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝዓረገሉ እዚ ኸኣ ራብዓይ ዳህሳስ ኮሎምቦስ ኣብኣ ብምዕራፎም እዩ። እተን ዝተረፋ ክልተ ግዝያት እታ ሓንቲ ዕለት 19 ሓምለ 2020 ዓም ኣብ ርእሰ ሰበኻ ሳን ኾሰ ኰይኑ እታ ሳልሰይቲ ንሃገራዊ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ኣብ ሰበኻ ኣላዅወላ ዝዓጽውሉ ወርሒ ለካቲት 2021 ዓም ምዃኑ ኣመልኪቱ። ምስዚ ናይ ሠለስቲኤን ሰበኸታት ካተድራላት ቅዱሳት መዓጹ ንምሉእ ዓመት ክፉታት ከምዝኾና ተመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 February 2020, 16:30