ፍራንቸስኮን ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት ፍራንቸስኮን ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት 

ፍራንቸስኮን ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት

ብመሰረት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሕንዳሴ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ዝምረሓሉ Pastor Bonus - ሕያዋይ ጓሳ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ ብዝብል ኣርእስቲ ንምሕዳስ ዘርቀቖን ዘጽደቖን ሓርፋፍ ሰነድ ኣማእኪሉ

ክሳብ ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዝቕጽል ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማና መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ናይ ቅዱስነቶም ስድስቱ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካዲናላት ዓውደ ኣኼባ ብቕዱስነቶም ተመሪሑ ሎሚ ዕለት 17 ለካቲት 2020 ዓ.ም.  ከምዝጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ብመሰረት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሕንዳሴ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ዝምረሓሉ Pastor Bonus - ሕያዋይ ጓሳ  ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ  ብዝብል ኣርእስቲ ንምሕዳስ ዘርቀቖን ዘጽደቖን ሓርፋፍ ሰነድ ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 17 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ዘንበሮ ሓሳብ መሰረት ገይሩ ይዝትይ ከምዘሎን፡  እቲ መማክርት ካርዲናላት ዘቕረብዎ ሓድሽ ቅዋም’ዚ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ዕለት 28 ሰነ 1988 ዓ.ም. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ Pastor Bonus - ሕያዋይ ጓሳ ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቕዎ 193 ዓንቀጽ ዘለዎን ስዒቡ እውን በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2011 ዓ.ም. ብዝነበሮም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ክልተ ዓንቀጻት ኣጽዲቖምን ኣዊጆምን ክሳዅዕ ዝገበርዎን ድሓር እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓደ ዓንቀጽ ክሳዅዕ ዝገበርዎን ዝትክእ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግልጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ተጉቹጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ በኣወሃሃዲ ስልጣንን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን፡ ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦማለይን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ናይ ክረዚማ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ዝሓቑፍ ከምዝዀነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የዘኻኽር።

ፍራንቸስኮን ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት
17 February 2020, 17:46