ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ረቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ

ቅዱስነቶም ንዅሎም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ምእመናን ካህናትን ገዳማውያንን ጳጳሳትን፥ እዚ ናይ ሊጡርጊያ እዋን’ዚ ምስ እግዚኣብሔር ንኽንዕረቕ እነዅልካ እንብለሉን እንፈቕደሉን፡ ፍቑራት ደቁን ሓጢኣቶም ዝተሓደገሎም ምዃንና ብምስትውዓል ምንባር እንጅምረሉ እዋን እዩ

ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 26 ለካቲት 2020 ዓም. ናይ ለምዘበን እዋን ዓቢይ ጾም ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ከምዘበገሱን፥ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ካብ ልብና ምስሉይነትን እቲ ኵሉ ትእምርቲ ሞት ዝዀነ ልብና ዘእድፍን ዓለም ዘዕንውን ሓመድ ኵሉ ክነወግድ ጻውዒት የቕርቡ፡ እዋን ዓቢይ ጾም ናይ ጸጋን ናይ ፍውስን እዋን እዩ እሞ ሓደራ ከይነስተልም ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኣድማስ ዓለም ሓመድ ኢና፡ እጹብ ዝዀነ ብእግዚኣብሔር ዝተፈቐረ ሓመድ ግና፡ ኣብ ዓለም ዘለና ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ንኽንክውን ስለ ዝዀነ፡ ሓደራ ኣይነስተልም ዝብሉ ቅዱነቶም ብወግዒ መስዋዕተ ቅዳሴ ረቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ ብብጹዓን ካርዲናላን ጳጳሳትን ብበነዲክታውያን መኖኮሳትን ብዶመኒካውያን ካህናትን ተዓጂቦም ዑደት ንስሓን ስርዓተ ሓሙዅሽቲ ኣብ ግንባር ምልካይን ተፈጺሙን፡ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ኣንሰልም ክሳብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ዑደት ፈጺሞም ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ዝሓበራ ሰፒያ ኣስዒበን፡

ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ኣይነምክን

ቅዱስነቶም ንዅሎም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ምእመናን ካህናትን ገዳማውያንን ጳጳሳትን፥ እዚ ናይ ሊጡርጊያ እዋን’ዚ ምስ እግዚኣብሔር ንኽንዕረቕ እነዅልካ እንብለሉን እንፈቕደሉን፡ ፍቑራት ደቁን ሓጢኣቶም ዝተሓደገሎም ምዃንና ብምስትውዓል ምንባር እንጅምረሉ እዋን እዩ። ናብ ፋሲካ እንገብሮ ጉዕዞ፥ ካብ ሓመድ ናብ ሕይወትን እቲ ካልኣይ ከቢድን ዘሕምምን ከኣ ካብ ሕይወት ናብ ሓመድ ዝብል ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ካብ ሓመድ ናብ ሕይወት ዝብል ጐደና ዓቢይ ተስፋ ዝሰነቐ እዩ፡ ፍርሕን ክፋእን ተንኰልን ማሕበረሰብ ክርስትናኡ ክሓክኽ ዝገብር ተግባራት እውን ይሃሉ፡ ዓቢይ ተስፋ ዝሰነቐ ጐደና እዩ፡ እግዚኣብሔር ሓመድ ምዃንና ናብ ክብሪ ዝቕይረሉ።

ዓቢይ ጸሞ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዘይጠቕም  ግብረ ገባውነትን ስርዓትን ብጸቕጢ ዝቐርበሉ እዋን ዘይኰነስ፡ ሓመድ ኣብ ምዃንና ዘሎ ሓሳርነትና ብእግዚኣብሔር ዝፍቀር ምዃኑ እነስተውዕለሉ እዋን እዩ፡ ሕይወትና ዝልውጥ ናይ ጸጋን እግዚኣብሔር ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ እነአንግደሉን እዋን እዩ። ኣብ ዓለም ካብ ሓመድ ናብ ሕይወት ተጓዓዝቲ ኢና፡ ምእንቲ’ዚ ተስፋና ኣይነብንኖ፡ እግዚኣብሔር ኣባና ዘለዎ ሕልሚ ኣይነምክን፡ ኣይነስተልም።

ፍቕሪ ናብ መግስተ ሰማይ ዘሰንይ ናይ መንነት ሰነድ እዩ

ንመንን ምእንቲ እንታይን/ምንታይን እየ ዝነብር? ንገንዘብን ንቑሳዊ ሃብትን ንኽብረትን ንውዳሰን ጽቡቕ ስም ዝናን ንስልጣንን ሃብቲ ንምውህላልን? ምእንቲ እዚ እንነብር እንትድኣ ኰይንና፥ ብሓቂ ንሓመድን ምእንቲ ሓመድን ኢና እንነብር፡ እቲ ኣብ ርእስና በዛ ዕለት እዚኣ ዝንስነስ ሓሙዅሽቲ ነባርን ዘድሕንን ፍቕሪ እዩ እሞ፡ ምእንቲ እቲ ዝበንን እንነብር ንኸይንኸውን ለቡ ዝብል እዩ።

ኣብ ዓለም ምዃንና ምእንቲ እቲ ዝበንን ዘበለ ንምንባር ኣይኰነን፡ ምእንቲ ፍቕሪ ናይ እግዚኣሔር ሕልሚ ንምኽዋን እንነብር ኢና፡ ክብሪ ምንባርና ዓቢይን ልዑልን እዩ፡ ኣብ ግንባርና ሓሙዅሽቲ እንልከይ ፍቕሪ እግዚኣብሔር መታን ክውላዕ እዩ፡ ዜጋውያን ሰማይ ኢና፡ ስለዚህ ንእግዚኣብሔርን ንብጻይን ዘሎና ፍቕሪ ናብ መንግስተ ሰማይ ዘሰንይ ናይ መንነትና ሰነድ እዩ፡ ሃብቲ እዛ ዓለም፡ እንውንኖ ሃብቲ ኵሉ ኣይክጠቕመናን እዩ፡ በናኒ እዩ፡ እቲ ዘድሕነና ኣብ ኣባይቲ ስድራን ኣብ ናይ ዕዮ ቦታን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን እንጽግዎ ፍቕሪ እዩ፡ ፍቕሪ ነባሪ እዩ።

ካብ ቤተ ክርስቲያን ሓመዳውነት ምውጋድ

እቲ ካልኣይ ጐደና፡ ካብ ሕይወት ናብ ሓመድ ዝብልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ እቲ ኵሉ ዓለም ዘዕንውን ልቢ ዘእድፍን ቤተ ክርስቲያን ዘመራስሕን እውን ናይ ሞትን ጥፍኣትን ዝዀነ ሓመድ ዘበለ ኵሉ ኰኒኖም፡

ዕንወትን ውድቀትን ፍርስራስን ውግእን፡ ዝንጸሉ ንጹሓን ዕሸላትን፡ ናይ ዝንጸጉ ድኻታት ሕይወትን ከም ጓሓፍ ናይ ዝሕሰቡ ኣረጋውያን ሕይወትን፡ ገዛእ ርእስና ዝጐድእን ናብ ሓመድ ዘምልሰና መገዲ እዩ፡ ኣብ ርክባትና ክንደይ ሓመድ ኮን ይህሉ፡ ኣብ ቤትናን ኣባይቲ ስድራናን፡ ባእስን ምዕርምራምን ውግእን ምስሓባባትን ምቱኽታኻትን፡ ይቕረታ ኣይትሓዘለይ ንምባል ዓቐበት ዝዀነና፡ ክንመሓርን ክንምሕርን ዝሰኣነና፡ ይግብኣንን መሰለይን ክብረይን ንምባል ጥራሕ እንቀዳደም፡ ፍቕሪ ዘመራስሕን ሕይወትና ዘኽፍእ ማእለያ ዘይብሉ ሓመድ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤት እግዚኣብሔር እውን ኵምራ ሓመድ ንፈቅድ፡ ናይ ዓለም ናይ ምዃን ሓመድ መአከብ ንገርብራ።

ኣይፋል ንምስሉይነትን ክልተ ገጻውነትን (ኣታላልነትን)

ኣብዛ ኣብ ግንባርና ሓሙዅሽቲ እንልከየላ ዕለት፡ ኢየሱስ ግብረ ሰናይ ንኽንፍጽም ክንጸውምን ክንጽልን ጥራሕ ዘይኰነ ዝላበወና፡ እቲ እንፍጽሞ ግብረ ሰናይን ጸሎትን ጾምን ብዘይ ተምየንን ኣታላልነትን ንኽንነብሮ እዩ ዝሓትተና፡

ክንደይ እዋን ካልኦት ንኽውድሱናን ከጽድቑናን መታን ንዓይን ጻዕራማት ተመሲልና ሸበድ በድ ንብል፡ ምእንቲ ንናይ ገዛእ ርእስና ተክለ ሰብነትን ንናይ ገዛእ ርእስና ኣነነትን፡ ክንደይ እዋን ክርስቲያን ኢና እናበልና ንእውጅ ብድሕሪት ነቲ ጊላዎት ዝገብረና ተምሳጥ ክንንብርከኽ ንርከብ፡ ክንደይ እዋን እንብሎን እንገብሮን ዘየሳንዩ ኰይንና ንርከብ፡ እንሰብኮን እንፍጽሞን፡ እዚ ዘእድፍን ፍቕሪ ዝዕፍን ሓመድ እዩ!

ንኽትዕረቑን ንዕርቅን እንፈቕድ ክንከውን

ዓቢይ ጾም፡ ናይ ፈውስን ምልዋጥን እዋን፡ ልብና ካብቲ ዝተመልኦ ሓመድን ዶሮናን እነንጽሓሉ፡ ነቲ ናይ ሓጢኣትና ሓመድ ናይ ጐይታ ፍቕሪ ክንድዶን ክኣልዮ መታን ናይ ዕርቂ እዋን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ሰፒያ ኣስዒበ፡ ሓሙዅሽቲ ኣብ ምንስናስ ስነ ስርዓት ናይ ቅድስቲ ሳቢያ ስዩም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካዲናል ጆሰፍ ቶምኮ ንቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሶም ሓሙዅሽቲ ምስ ነስነሱ ቅዱስነቶም ንዅሎም ነቶም ኣብቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ኣብ ርእሶም ሓሙዅሽቲ ናይ ምልካይ ስነ ስርዓት ከምዝፈጸሙ ኣፍሊጠን።

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ረቡዕ ናይ ሓሙዅሽቲ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ
27 February 2020, 18:09