ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማሊ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ካይታን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማሊ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ካይታን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማሊ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ካይታን

ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማሊን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ርክብን ብዛዕባ ውሽጥዊ ህልው ኩነታት ረፓሊካዊት ማሊን ብፍላይ ብምኽንያ ምስፋሕ ሃይማኖታዊ ጸንፈይናነትን ኣኽራርነትን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሰብኣውን ጸጥታን ሰላምን ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላውን ዘማእከለ ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ማሊ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ካይታን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ናይ ማሊ ርእሰ ብሔር ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን እውን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 13 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ማሊ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ካይታን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ቡባካር ካይቲ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክሌኣዊ ክርብ ከምዘካየዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ልባዊ ምቅርራብ ዝተራእየሉ ኣብ መንጐ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን ናይ ረፓብሊካዊት ማሊ ርእሰ ብሔርን ዝተኻየደ ክሌኣዊ ዘተ፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ማሊን ዘሎ ሰናይ ክሌኣዊ ርክብን ብዛዕባ ውሽጥዊ ህልው ኩነታት ረፓሊካዊት ማሊን ብፍላይ ብምኽንያ ምስፋሕ ሃይማኖታዊ ጸንፈይናነትን ኣኽራርነትን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሰብኣውን ጸጥታን ሰላምን ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላውን ዘማእከለ ሰፊሕ ምይይጥ ምክያዱ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብ ዞባ ሳሔል ዝረአይን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ መግባዊ ኢውሕስነትን ጸኣት ስደተይናታትን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምርግጋጽን ዕቃበን ሰላም ዘጠቓለለ ብዛዕባ ዞባውን ዓለም ለኻዊ ኣርእስታት ዓሚይቕን ሰፊሕን ምይይጥ ምክያዱ የመላኽት።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማሊ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ከይታን

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ማሊ ርእሰ ብሔር ኢብራሂም ቡባካር ከይታን
13 February 2020, 17:40