ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ኣደርን ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ኣደርን 

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ኣደርን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ያኖስ ኣደርን ተቐቢሎም ከምዝርዘራረቡን

ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ሃንጋርን ዘሎ ሰናይ ርክብን ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ወርሒ መስከረም 2020 ዓ.ም. ዝካየደ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባንን ማሕበራዊ ፍትሕን እንገዳን ምንቕቓሕ ኣባይቲ ስድራን ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ህልውን መጻእን ኤውሮጳን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝዘተየ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ረፓብሊካዊት ሃንጋሪን ዕለት 14 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ያኖስ ኣደርን ተቐቢሎም ከምዝርዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ኣደር ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሚሮስላው ዋቾውስኪ ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ነቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ሃንጋርን ዘሎ ዝምድና ሰናይ ምዃኑን ዘመመላኸተን ዘድነቐን መበል 100 ዓመት ብጋሴ ስነ ሜላዊ ርክባት ክልቲኣተን ሃገራት ዘቃልሔን መበል 30 ዓመት ዳግም ቅዋሜ ስነ ሜላዊ ርክባተንን ኣብ ወርሒ መሰክረም ኣብ ቡዳፐስ ንኽካየድ ዝተወሰነ መበል 52 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባንን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥ ምክያዱ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ናይ ሓባር ረብሓን ማሕበራዊ ፍትሕን እንገዳን ምንቕቓሕ ኣባይቲ ስድራን ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ህልው ኩነታትን መጻእን ኤውሮጳን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ዝርርብ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ኣደርን

Photogallery

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮን ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ኣደርን
15 February 2020, 17:15