ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካብ እግዚኣብሔር ምስ እንርሕቕ ንሱ ስሌና ይነብዕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካብ እግዚኣብሔር ምስ እንርሕቕ ንሱ ስሌና ይነብዕ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካብ እግዚኣብሔር ምስ እንርሕቕ ንሱ ስሌና ይነብዕ

እግዚኣብሔር ኣቦ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ መዳርግቲ ዘይብሉ ዓቢይ እዩ፡ ሞትና ዝመውት ፍቕሪ፡ ከማና ሰብ ኰነ ስሌና እውን ሞተ፡ ስቑል ኢየሱስ ክንርእይ እንከለና፡ ኣክንዳኻ ኣነ እንተዝመውት ዝብል ቃል ዳዊት ንዘክር፡ ወልደ እግዚኣብሔር ዝፈጸሞ ሓቂ እዩ፡ እግዚኣብሔር ደቁ ዘይኽሕድን ኣቦነቱ ዘይኽሕድን እዩ

ዳዊት ስለ እቲ ኣንጻሩ ዝተላዓለ ሕልፈት ወዱ ይነብዕ፡ እዚ ናይቲ እግዚኣብሔር ንኣና ዘለዎ ብኢየሱስ ክሳብ ኣብ መስቀል ንሞት ዝደረዀ ናይ ፍቕሪ ትንቢ እዩ፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝዀነ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣቤሴሎም ወደይ! ኣክንዳኻ ኣነ እንተዝመውት፡ እንክብል ንጉስ ዳዊት ናይ ወዱ ሞት ምስ ሰምዔ ዝተሰምዖ ሓዘን ናብ እግዚኣብሔር የቕርብ፡ ቅዱስነቶ ነዚ ዝበሉ ኣብ ናይ ሎሚ ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ምዕ. 18 ካብ ፍቕዲ 9-10ን ፍቕዲ 14ን ካብ ፍቕዲ 24-25ን 30 ምዕ 19 ካብ ፍቕዲ 1-4ን ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ምንባብ’ዚ እቲ ኣብ መንጐ ንጉስ ዳዊትን ወዱ ኣቤሴሎምን ዝተኻየደ ውግእ ዘዘንትውን ዳዊት እውን ብዛዕባ እቲ ወዱ ሕዝቢ ኵሉ ምስኡ ኣተሓባቢሩ ኣብ ልዕሊኡ ዘካየዶ ውግእ ብዙሕ ከምዘጉሃዮን ዳዊት ሕይወቱ ንኸድሕን እውን ናብ ኢየሩሳሌም ክሳብ ዝሃድም ዝደረዀ ውግእ ከምዝነበረን፡ ጥራሕ እግሩ ርእሱ ሸፊኑን መዓት ጸርፊ ካብ ገለ ገለ ሰባት እናወረዶ .. ገሊኣቶም ኣእማን ይድርብይሉን … እቲ ህዝቢ ብወዲ ንጉስ ዳዊት ተታሊሉ ምስ ወዲ ዳዊት ደው ስለ ዝበለ፡ ብዝኣተወሎም ተስፋ ዘታለሎምን፡

ንብዓት ዳዊት መግለጺ ናይ እግዚኣብሔር ልቢ እዩ

ዳዊት ካብቲ ግንባር ዓውደ ውግእ ሓበሬታ እናተጸበየ እንከሎ፡ መልእኽትይና እውን ናብኡ መጺኡ ብዛዕባ ሞት ወዱ ይነገሮ፡ ወድኻ ኣቤሴሎም ኣብ ውግእ ሞይቱ፡ ዳዊት ሞት ወዱ ምስ ተነግሮ፡ ወደይ ወደይ እናበለ በኸየ፡ ኣክንዳኻ እቲ ሞት ንዓይ እንተዝኸውን እንክብል ዝተሰምዖ መሪር ሓዘነ እናነበዐ ይገልጽ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ እውን ይግረሙ፡ ኣንጻሩ ዝተዋግአ ስለ ዝነበረ።

ስለምንታይ እዩ ዳዊት ዝነብዕ፡ እቲ ዝተቐትለ ወዱ ኣንጻሩ ዝተላዕለ እዩ፡ ኣቦነትካ ኪሑዱካ ዝነበረ ክነሱ ስሌኡ ትነብዕ፡ ጸሪፉካን ኣሳዲዱካንሲ ስሌኡ ትነብዕ? ኣይፋልካ በዓል ከተብዕል እዩ ዝግብኣካ ይብሉ፡ እቲ ንብዓት ዳዊት ታሪኻዊ ሓቅን ትንቢታውን እውን እዩ፡ ልቢ እግዚኣብሔር ዘርእየናን፡ ንሕና ካብኡ ክንርሕቕ እንከሎና ገዛእ ርእስና ብሓጢኣት ከነዕንው እንከለናን ምስርቕናና ኣጥፊእና ኣብ ጥፍኣት ምስ እነብል እግዚኣብሔር ይነብዕ፡ እዚ ሕያዋይ ኣቦ ኣቦነቱ ንውሉድነትና ዘይኽሕድ፡ ወደየ ወደየ ዝብል እዩ።

ሓጢኣትና ክንናዘዝ እንከለና ጐይታ ስለ እቲ ኵሉ ኣበሳና ይነብዕ። ናብ ንስሓ ምኻድ ማለት ናብ ቤት ሕጽቦ ክዳውንት ምኻድ ማለት ኣይኰነስ፡ ናብቲ ስለ ኣበሳይ ዝሓዝንን ዝነብዕብ ኣቦ ምኻድ ማለት እዩ፡

እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣቦነቱ ዘይኽሕድ እዩ

ዳዊት ሞት ወዲ ምስ ሰምዔ፡ ኣክንዳኻ ኣነ እንተዝመውት ምሓሸኒ እንክብል ዝገልጾ ሓዘን፡ ትንቢት እዩ፡ እቲ ኣብ እግዚኣብሔር ዝፍጸም እዩ።

እግዚኣብሔር ኣቦ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ መዳርግቲ ዘይብሉ ዓቢይ እዩ፡ ሞትና ዝመውት ፍቕሪ፡ ከማና ሰብ ኰነ ስሌና እውን ሞተ፡ ስቑል ኢየሱስ ክንርእይ እንከለና፡ ኣክንዳኻ ኣነ እንተዝመውት ዝብል ቃል ዳዊት ንዘክር፡ ወልደ እግዚኣብሔር ዝፈጸሞ ሓቂ እዩ፡ እግዚኣብሔር ደቁ ዘይኽሕድን ኣቦነቱ ዘይኽሕድን እዩ።

ኣብ  ኢየሱስ እግዚኣብሔር ስሌና ሞተ

ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክሳብ መዳርግቲ ዘይብሉ ጫፍ ዝበጽሕ እዩ፡ እቲ ኣብ መስቀል ስሌና ዝዀኖ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ንኣና ሕይወት ንኽህብ ዝተላእከ እግዚኣብሔር ወልደ ኣብ እዩ።

ሕይወት ኣብ ከቢድን ጽንኵርን ኵነት ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ - ኣብ ሓጢኣት፡ ኵላትና ሓጥኣን ኢና፡ ካብ እግዚኣብሔር ኣብ እንርሕቐሉ እዋን፡ … ወደየ ወደየ ኣነ ስሌኻ ሞይተን ሞትካ ሞይተዮ እዮ እሞ ገዛእ ርእስኻ እይትቕተል ዝብል ድምጺ እግዚኣብሔር ኣብ ልብና ጽን ንበል!

ኢየሱስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ንኢየሩሳሌም እናጠመተ ነበዐ፡ ምእንቲ ኢየሩሳሌም ይነብዕ፡ ንሕና ንፍቕሪ ገዛእ ርእስና ኣይፋል ክንብልን ብፍቕሪ ንኽንፍቀር ኣብ ዘይንፈቕደሉ እዋን ይሓዝንን ይነብዕን፡ ካብኡ ክንርሕቕን ብሓጢኣትና ኣብ ፈተናን ኵሉ፥ ወደየ ጓለየ ስለምንታይ ዝብል ሕቶኡ ጽን ንምባል ንፍፈትን እንክብሉ ዝለገስዎ ስክበት ከምዘጠቓለሉ ማሶቲ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካብ እግዚኣብሔር ምስ እንርሕቕ ንሱ ስሌና ይነብዕ
04 February 2020, 17:41