‘እቶም ዚሓዝኑ ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ኪጸናንዑ እዮም’ (ማቴ 5.4)

‘ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዚነብሩ ሕዝብን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ወጊኦም ዝቐተልዎ ኺጥምትዎ እዮም፡ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኪበኽዩሉ፡ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ኪሓዝኑሉ እዮም` (ዘካ 12.10)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ጒዕዞ ሕይወት መንገዲ ብፅዕና ንዝጀመርናዮ ትምህርትና ብምቅጻል ሎሚ ‘እቶም ዝበኽዩ ብፁዓን እዮም፡ ከመይ ክጸናንዑ እዮም’ ንእትብል ካልአይቲ መንገዲ ብፅዕና ክንምልከት ኢና።

በቲ ወንጌል ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ ግሪኽ እዛ ብፅዕና እዚኣ ብገቢር ዓንቀጽ ተገሊጻ ትርከብ እቲ ዓንቀጽ ካብ ውሽጢ ንዝበኽዩ ንዝሓዝኑ ይገልጽ። ዘይሰጋገር ዓንቀጽ እዩ። ነዚ ፍጻሜ እዚ እቶም ቀዳሞት መነኮሳት ምድረበዳ ብግሪኽ ፐንቶስ እንክብሉ ነቲ ምስ ጐይታን ምስ ብጻይን ሓዲስ ርክብ እትፈጥረሉ ውሳጣዊ ጓሂ ሓዘን ቢሎም ይገልጽዎ። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዚ ዓይነት ብኽያት ብክልተ መዳይ ክንምልከቶ ንኽእል። ብቀዳምነት ብሞት እትፈትዎ ሰብ ወይውን ብስቃይ እትነብዖ እንክኸውን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ስለ ሓጢኣትካ ዝፈስስ ንብዓት ማለት ንእግዚኣአብሔርን ንብጻይካን ስለዝበደልካ ብልብኻ ጒሂኻ እተፍስሶ ንብዓት እዩ።  በዚኸስ ናይ ካልእ ሥቃይ ምስታፍ ማለት እዩ። በዚ ጉዳይ እዚ ብዙሓት ዝደሓሩ ኣለው ካልኦት ኣብ ሕይወትና ክሳተፉ እንተዀይኑ ግን ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ምኻድ የድሊ።

 ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ኣስተምህሮታተይ ጸጋ ንብዓት ብሓቂ ዓቢ ህያብ ምዃኑ ኣዘኻኺረ ነረ። ክነፍቅር እንከሎና ኣይምውቕ ኣይዝሑል ኰና ክነፈቅር ይከኣልዶ! ወይውን ንክተምስል ኢልካ ክፍቀር ይከኣልዶ! ተገዲድኻኸ ክፍቀር ይከኣልዶ! ፈጺምካ ኣይከኣልን። ርግጽ እዩ ክተጸናንዖም ዘሎካ ዝሓዘኑ ዝጐሃዩ ዝሳቀዩ ኣለው! ዝገደደ ግን እቶም ዘጸናንዑ ካብ ዓረ ዝተረረ ልቢ ዝውንኑ ኰይኖም ጥብ ትብል ንብዓትን ጓህን ድንጋጸን ዘይብሎም እንተዀይኖም ነዚኦም ክነበራብሮም ኣሎና። ብሓዘን ካልኦት ብሥቃይ ካልኦት ምንም ንዘይስምዖም ሰባት ክነንቅሖም ኣሎና። ብሞት እትፈትዎ ሰብ ዝግበር ሓዘን ብርቱዕ እዩ መሪር እውን እዩ ኰይኑ ግን ንኣዕይንትና ናብ ሕይወትን ናብቲ ብምንም ክትካእ ዘይክእል ክቡር ዋጋ ነፍሲወከፍ ሰብን ንምኽፋት ይሕግዘና። ኣብ ሓዘን ኰፍ ምስ በልና ግዜ ክሳብ ክንደይ ሓጺር ምዃኑ ይስቈረና።

 ናይዛ ምሥጢራዊት ዝኾነት መንገዲ ብፅዕና ካልኣይ መንገዲ ወይውን ትርጉም እቲ ስለ ሓጢኣትካ ምብካይ እዩ።  ኣብዚ ምጥንቃቅ የድሊ ጌጋ ስለዝገበረ ዝበኪ ናይ ትዕቢት ምልክት እዩ። ስለ እቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣትን ክገብሮ እናከኣለ ዘይገበሮ ሠናይ ነገርን ምስ እግዚኣአብሔር ንዝነበሮ ርክብ ብምርኻሱን ዝበኪ ግን እቲ ሓቀኛ ጣዕሳን ንስሓን የመልክት። ዚኣክል ብዘይምፍቃርካ ዝፈስስ ንብዓት ንብጻይካ ኣብ ልብኻ ክንደይ ዚዓቢ ቦታ ከምዝሃብካዮ ምልክት እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሁመት ንእግዚኣአብሔር ብምሕዛንካ ምሳኡ ንዘሎካ ርክብ ብምብታኽካ ነቲ ክትገብሮ እትኽእል ሠናይ ነገር ዘይምግባርካ ከምብዓካ እንከሎ ዓገብ ሓጢኣት ተሰቊሩካ ማለት እዩ። ንዘፍቅሮ ኣቊሲለ እናበሉ ዝሓዝኑ ኣብ ሓቀኛ ናይ ንስሓ ንብዓት ይበጽሑ። ኣብ ከምዚ ዚኣአመሰለ ንብዓት እንተበጺሕና ንእግዚኣአብሔር ነመስግን።

 ንእንፍጽሞም በደላት ክንኽተሎ ዘሎና መንገዲኸስ እዚ እዩ። ርግጽ ጽንኩር እዩ ግን ከኣ ኣድላዪ ኣዩ። ንኣብነት ብኽያት ቅዱስ ጴጥሮስ እንተተመልከትና እቲ ንብዓት እቲ ናብ ሓዲስ ፍቅሪ ጐይታ ኣብጺሕዏ። ብርግጽ ከኣ ዘንጽሕን ዘሐድስን ብኽያት ነበረ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ቅዱስ ጴጥሮስን ኣብታ ሕስምቲ ሁመት እቲኣ ዓይኒ ንዓይኒ ተራኺቦም ጴጥሮስ ሽዑ ንሽዑ ኣምሪሩ በኸየ። ልቡ ተሓደሰ። ብኣንጻሩ ናይ ይሁዳ እንተተመልከትና መሽኪናይ ኣብዚ ደረጃ እዚ ክበጽሕ ጌጋኡ ክቅበል ኣይከኣለን ተሓንቀ ከኣ። ሓጢኣትካ ምፍላጥን ምርዳእን ጸጋ እግዚአብሔር ብሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ዚዕደል እዩ። ንሕና በይንናን ባዕልናን ሓጢኣት ክርድኦ ኣይንኽእልን። እዚ ንእግዚኣአብሔር ክህበና ክንልምኖ ዘሎና ጸጋ እዩ። ነዚ ዓቢ ጸጋ እዚ ምስ ተቀበልካ ሓጢኣትካን ክበዱን ይርደኣካ እሞ ናይ ጣዕሳን ንስሓን ንብዓት ክትፈስስ ትጅምር።  

ሓደ ካብቶም ቀዳሞት መነኮሳን ኤፍረም ሶርያዊ ‘ብንብዓት ዝተሓጽበ ገጽ ክትገልጾ ዘይከኣል ጽባቄ ኣለዎ’ ይብል ነበረ። ናይ ንስሓን ጣዕሳን ጽባቄ ናይ ንብዓት ጽባቄ ሓያል እዩ። እዚ ከኣ ኣብ መለኮታዊ ምሕረት እግዚኣአብሔር ብምትእምማን ነፍሲወከፍ ክርስትያን ወትሩ ክገብሮ ዘለዎ እዩ። እቲ ብፍቅሪ ተደፊኡ ስለ ፍቅሪ ዝበኪ ዝነብዕ ጥበበኛን ብፁዕን እዩ ከመይ ካብቲ መግለጺ ርሕራሔን ምሕረትን እግዚአብሔር ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ምጽንናዕ ክረክብ እዩ።  እግዚአብሔር ወትሩ ምስ መሓረ እዩ ነዚ ኣይትረስዑ። እግዚኣአብሔር ነቲ ዝሓሰመ ሓጢኣት እንብሎ ከይተረፈ ወትሩ ምስ መሓረ እዩ። እቲ ጸገም ንሕናን ካባናን እዩ። ምሕረት ምሕታት የድክመና ንስልቹ ወረ ሓንሳእ ሓንሳእሲ ምሕረት ኣይንልምንን። እቲ ጸገምከስ እዚ እዩ ንሱስ ወትሩ ንክምሕረና ምስ ተሰናደወ እዩ።

ከምቲ መዝሙረ ዳዊት ዝብሎ ‘ከም መጠን ሓቲኣትና ኣይቀጽዓናን እዩ፡ ከም መጠን ኣበሳና ድማ ኣይፈድየናን እዩ/ (103.10) ኣብ ልብና እንተሒዝናዮ ኣብ ምሕረትን ርሕራሔን እግዚአብሔር ንነብር ፍቅሩ ከኣ ኣባና ይግለጽ። ጐይታ ፍቅሩ ይለግሰልና! ብፍሕሽው ገጽን ቅርበትን ኣገልግሎትን ንብዓትን እነፍቅር ይግበረና።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 February 2020, 11:24