ኣብ ሶርያ ድምጺ መዳፍዕ ሱቚ ይበል! ብኽያት ሕጻናት ይሰማዕ! ር.ሊ.ጳ

ትማል ሰንበት ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ከተማ ባሪ ሃገረ ጣልያን ዝገበርዎ ሓውጾተ ኖልዎን ርክብ ምስ ጳጳሳት ክሊ ማእከላይ ባሕርን ‘ኣብ ሃገረ ሶርያ ንዘጋጥም ጥፍኣት ንምክልኻል ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሕይወት ሰላማውያን ሰባትን ንጹሓት ሕጻናትን ንምድሓን ዝገደፍና ገዲፍና ክንሰርሓሉ ኣሎና’ እንክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብዘን ዝሓለፋ ሠለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዞባ ኢድሊብ ልዕሊ 900 ሺሕ ሰባት ንብረቶምን ገዛውቶምን መረበቶምን ገዲፎም ንክስደዱ ተገዲዶም። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ጭንቂ እዚ ከኣ እቲ መወዳእታ ዘይረኣየሉ ብዝተፈላለያ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ዝድገፍን ዝውቀስን ብሩስያ ዝድገፍ ሠራዊት ማእከላይ መንግሥቲ ኣሳድን ጸግዒ ቱርኪ ኣለዎም ዝበሃሉ ካብ ነዊሕ ግዜ ተጻይ መንግሥቲ ኣሳድ ዝዋግኡ መልሻን ጽዑቅ ውግእ ዳግም ብምብራዑ እዩ። ኣብ ከምዚ ዚኣመሰል ውግኣት ወትሩ ዚህሰ እቲ ሰላማውን መከላኸሊ ዘይብሉን ሕዝቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብዚ ዞባ እዚ ውግእ ሓድሕድ ሶርያ ካብ ዝጅምር ካብ በዓል ኣለፖ ዝበሃላ ዓበይቲ ከተማታት እናተሰዱ ዝመጹ ሰላማውያንን ምሳኦም ተጽጊዖም ኣብ ዘዝተዓሞም ተጻይ ማእከላይ መንግሥቲ ዝዋግኡ ማልሻን ስለዝርከብዎ ጥይት ኳሕ ኣብ ዝበለትሉ ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ንኩሉ ብኣልማማ ስለዘጥቅዕ እቶም ስደተኛታት ነፍሶም ከድሕኑ ዝገብርዎ ህድማ ወትሩ ምስ ቀጸለ እዩ።

ኣብዘን ዕለታት እዚአን ጥራይ ልዕሊ 500 ሺሕ ሕጻናት ዝርከብዎም ከባቢ 900 ሺህ ዝኾኑ ስደተኛታት መፈጠርካ ኣብ ዘጽልእ ቀዝሕን ዛሕልን በረድን ሕይወቶም ከድሕኑ ክሃድሙ ብባህርያዊ ሓደጋ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ቊጽሪ የብሎምን።

ቅዱስነቶም ስለ ሃገረ ሶርያ ደጋጊሞም ንዘቅረብዎ ጻውዒት ትማሊ እውን ዝሰምዕ እዝኒ እንተረኸቡ ከምዚ ክብሉ ደጊሞም።

“ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ሎሚ ኣብዚ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ዝርከቡ ሕዝብና ሰላም ክረኽቡ ኣብ እንጽልየሉን እነስተንትነሉን ዘሎና ሁመት ኣብ ማዕዶና ብፍላይ ከኣ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ዓቢ ትራደጂ ይፍጸም ኣሎ። ካብ ልቢ እዞም ኣብዚ ተጋቢእና ዘሎና ጓሶት ነቶም ኣብዚ ውግእ ዝሳተፉ ዘለውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ድምጺ ኣጽዋር ሱቚ ክብልን ብኽያት ሕጻናትን ዝከላኸል ዘይብሎም ንጹሓት ሰባትን ይሰማዕ ንብል። ቅድሚ ዝኣገረ ኣብዚ ግጭት እዚ ዓቢ ዋጋ ዝኽፈሉ ናይ ዘለው ሕይወት ሰላማውያን ሰባትን ብዙሃት ንጹሓት ሕጻናትን ምድሓን ይኹን። ጐይታ ንልቢ ተዋሳእቲ ናይዚ ግጭት እዚ ከንቀሳቅስን ካብ ቅርሕንትን ጽልእን ኣተለ በቀልን ተነሲሖም ደቂ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕያዎትን ሕሱማትን ጸሓዩ ዘብርቅ መሓሪ ኣቦ ኰይኖም ምሕረት ንክልመዱ ንጸሊ። ነፍሲ ወከፍና ካብ ዕለታዊ ናኣሽቱ ተግባራት ጀሚርና ክሳብ እቲ ዝዓብየ ተግባራት ሓደስቲ ርክባት ንምፍጣርን ንምርድዳእን ነንሕድሕድና ንምቅባልን ንትዕግሥትን ልባትና ክፉት ንኽገብሮ ንመንፈስ ቅዱስ ንለምን። ንግሥቲ ባሕሪ ዝኾነት ድንግል ማርያም ነዚ ጉዕዞ እዚ ንምፍጻም ትደግፈና ኢሎም።”

24 February 2020, 19:00