ኣብ ሶርያ ድምጺ መዳፍዕ ሱቚ ይበል! ብኽያት ሕጻናት ይሰማዕ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣብዘን ዝሓለፋ ሠለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ሶርያ ኣብ ዞባ ኢድሊብ ልዕሊ 900 ሺሕ ሰባት ንብረቶምን ገዛውቶምን መረበቶምን ገዲፎም ንክስደዱ ተገዲዶም። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ጭንቂ እዚ ከኣ እቲ መወዳእታ ዘይረኣየሉ ብዝተፈላለያ ርእሰ ሓያላን ሃገራት ዝድገፍን ዝውቀስን ብሩስያ ዝድገፍ ሠራዊት ማእከላይ መንግሥቲ ኣሳድን ጸግዒ ቱርኪ ኣለዎም ዝበሃሉ ካብ ነዊሕ ግዜ ተጻይ መንግሥቲ ኣሳድ ዝዋግኡ መልሻን ጽዑቅ ውግእ ዳግም ብምብራዑ እዩ። ኣብ ከምዚ ዚኣመሰል ውግኣት ወትሩ ዚህሰ እቲ ሰላማውን መከላኸሊ ዘይብሉን ሕዝቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብዚ ዞባ እዚ ውግእ ሓድሕድ ሶርያ ካብ ዝጅምር ካብ በዓል ኣለፖ ዝበሃላ ዓበይቲ ከተማታት እናተሰዱ ዝመጹ ሰላማውያንን ምሳኦም ተጽጊዖም ኣብ ዘዝተዓሞም ተጻይ ማእከላይ መንግሥቲ ዝዋግኡ ማልሻን ስለዝርከብዎ ጥይት ኳሕ ኣብ ዝበለትሉ ደብዳብ ነፈርትን ከቢድ ብረትን ንኩሉ ብኣልማማ ስለዘጥቅዕ እቶም ስደተኛታት ነፍሶም ከድሕኑ ዝገብርዎ ህድማ ወትሩ ምስ ቀጸለ እዩ።
ኣብዘን ዕለታት እዚአን ጥራይ ልዕሊ 500 ሺሕ ሕጻናት ዝርከብዎም ከባቢ 900 ሺህ ዝኾኑ ስደተኛታት መፈጠርካ ኣብ ዘጽልእ ቀዝሕን ዛሕልን በረድን ሕይወቶም ከድሕኑ ክሃድሙ ብባህርያዊ ሓደጋ ሕይወቶም ዝሰኣኑ ቊጽሪ የብሎምን።
ቅዱስነቶም ስለ ሃገረ ሶርያ ደጋጊሞም ንዘቅረብዎ ጻውዒት ትማሊ እውን ዝሰምዕ እዝኒ እንተረኸቡ ከምዚ ክብሉ ደጊሞም።