ናይ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ሰበኻ ኣቸራ ናይ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ሰበኻ ኣቸራ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ሰበኻ ኣቸራ

እቲ ምብጻሕ ምስ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ናይቲ ከባቢ መሓድሮ ንዝተፈላለየ ዓመጽ ዝተቓልዔን ዝተበከለን ኰይኑ ነዚ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ዓመጽ ኵሉ ንምውጋአድ ብሓባር ክዓይን ዘተሓሳስብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያታ ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም ኣብ ኢጣሊያ ሰበኻ ኣቸራ ዕለት 24 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ሓጾተ ኖልዎ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ዘእንግዶም ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ዲ ዶና ኣፍሊጦምን እዚ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ንምእመናንን ነቲ ሰበኻን ጸጋ እዩ ከምዝበሉን ነዚ ብፁዕነቶም ዝሃብዎ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዘረጋገጾ ክፍልፍጥ እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢጣሊያ ኣብቲ እሳተ መሬት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዞባ ካምፓኒያ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ኣቸራ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኵሉ ከምዝፈልጦ እቲ ከባቢ ብዝተፈላለዩ ኣብ ልዕሊ መሓድሮ ገበን ብዝፍጽሙ ኣካላት ዝተጐድኤን ብዙሕን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ዝተበከለን ኰይኑ በዚ ምኽንያት’ዚ እውን እሳተ መሬት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑ ዝፍከጥ ከይኑ፡ ቅዱስነቶም እቲ ብዛዕባ ክንክን መሓድሮን ማለት ናይ ሓባር ቤትናን ስልጣናዊ ሕንጸት ዘቕርብን ዝምዕድን ይሴባ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶ ንንባብ ዝበቐዓሉ ሓምሻይ ዓመቱ ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ብምዃኑ እቲ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዓቢይ ትርጉም ዘለዎን፡ ነቲ ከባቢ እውን ጸጋ ምዃኑ ባዕሎም ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ዲ ዶና ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይሕብሩ።

ሓዋርያዊ መገሻ ዘካይድሉ ዕለት

ናይ ሰበኻ ኣቸራ ጳጳሳ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ምብጻሕ ምስ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ናይቲ ከባቢ መሓድሮ ንዝተፈላለየ ዓመጽ ዝተቓልዔን ዝተበከለን ኰይኑ ነዚ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝፍጸም ዓመጽ ኵሉ ንምውጋአድ ብሓባር ክዓይን ዘተሓሳስብ ምብጻሕ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ዞባ ካምፓኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ምክልኻልን ምክንኻንን መሓድሮ ናይ ምእመናንን ዜጋታትን ሕልና ዘነቓቕሑን ኣብዚ መዳይ ሕንጸት ዘስፍሑን ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከብ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ እውን ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ዝዓዩ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ዕለት 18 ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ናይ ካምፓኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ መላእ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘሳተፈ ተፈጥሮ ምክንኻን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኰረ ምስቲ መደብ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ብምትሕሓዝ መንፈሳውን ባህላውን መደብ ክካይድ ምዃኑ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣፍሊጦም።

ርክብ ምስ ናይ ዞባ ካምፓኒያ ከንቲባታትን ኣባይቲ ስድራን

ቅዱስነቶም ዕለት 24 ግንቦት ኣብ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎ፡ ሰዓት ትሽዓተ ንጐሆ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምዕራጐም ምስ ናይ ካምፓኒያ ዞባ ከንቲባታትን ምስቶም በቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ መሓድሮ ብዘስዓቦ ዝተፈላለየ ሕማም ብፍላይ ሕማም መንሽሮ ምኽንያት ናይ ዝዓረፉ ናይ ምዉታት ኣባይቲ ስድራ ክራከቡን ከምዝዀኑ ብፁዕነቶም ሓቢሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ቀረባ ምዃና ዝምስክር ርክብ እውን እዩ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ንማንጋድ ዝካየድ ዘሎ ምስንዳዋት

መላእ ሰበኻታት ብጸሎትን፡ ቅዱስነቶም ኣብ ምክንኻን መሓድሮ ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ ድዩ ምዕዳን ንዅሉ ብምልላይ ሕዝቢ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ክነቓቓሕን ምስትውዓል ከዕብን ዝድግፉ፡ ይሴባሕ ዘራስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ መሰረት ምስ ኣባይቲ ትምህርቲ ናይ ዞባ ኣመሓደርትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ብምትሕብባር ዝተፈለልዩ መደባት ብምክያድ ንምእንጋዶም ክቀራረብ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 24 ግንቦት2020 ዓ.ም. መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ሰበኻ ኣቸራ
08 February 2020, 17:41