ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት፥ ሓዋርያዊ ቅዋም ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት፥ ሓዋርያዊ ቅዋም 

ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት፥ ሓዋርያዊ ቅዋም

ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርትን ዓዋዲ መልእኽታትን ኣስተምህሮታትን ምዕዶታትን መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ብጥልቂ ከምዝመርመረን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ሓድሽ ቅዋም ብምሉእ ዘንብብ መበል 34 ዓውደ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ንኽካየድ ወሲኑ ከምእተዛዘመ

ናይቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዋቕር - ኩሪያ ሮማና መደብ ሕዳሴ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝዓዪ ናይ ቅዱስነቶም ስድስቱ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካዲናላት መበል 33 ዓውደ ኣኼባ ብቕዱስነቶም ተመሪሑ  ካብ ዕለት 17 ለካቲት ክሳብ ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓ.ም.  ከምዘካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ብመሰረት ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መደብ ሕንዳሴ ላዕለዋይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵሪያ ሮማና ዝምረሓሉ Pastor Bonus - ሕያዋይ ጓሳ  ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም Praedicate evangelium - ወንጌል ኣበስሩ  ብዝብል ኣርእስቲ ንምሕዳስ ዘርቀቖን ዘጽደቖን ሓርፋፍ ሰነድ ኣማእኪሉ ከምዝዘተየን፡ ናይቲ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቖምዎ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብኣባልነት ዝሓቑፎም ናይ ተጉቹጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ በኣወሃሃዲ ስልጣንን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ምሕደራ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጁዘፐ በርተሎን ናይ ቦምበይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራሲያስን፡ ናይ ሙዩኒክን ፍሪሲንጋን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሲን ፓትሪክ ኦማለይን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣልባኖ ጳጳስ ናይቲ መማክርት ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማርቸሎ ሰመራሮን ተወሳኺ ዋና ጸሓፊ ናይ ክረዚማ ስዩም ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖን ኣሳቲፉ ከምእተካየደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

 ኣብቲ ዕለት 19 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዝተዛዘመ መበል 33 ዓውደ ኣኼባ፡ እቲ ሓድሽን ጽባሕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን  ሓዋርያዊ ቅዋም ዝኸውን ብፁዓን ካርዲናላትን ናይ ኩርያ ሮማና ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ከምኡ እውን ኪኢላታትን ንሊቃውንትን ስነ ቅዋም ዘበርከትዎ ርእይቶ መንጽርን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ምቕማጦም ኣብ ሮማ ካብ ዝዀኑ ብፁዓን ካርዲናላት ዝቐረበ ለበዋን፡ ግምት ዝሃበን ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርትን ዓዋዲ መልእኽታትን ኣስተምህሮታትን ምዕዶታትን መሰረት ዝገበረ ሓድሽ ሓዋርያዊ ቅዋም ብጥልቂ ከምዝመርመረን ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ሓድሽ ቅዋም ብምሉእ ዘንብብ መበል 34 ዓውደ ኣኼባ  ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2020 ዓ.ም. ንኽካየድ ወሲኑ ከምእተዛዘመ ኣፍሊጡ።

ጉባኤ ስድስቱ መማክርት ካርዲናላት፥ ሓዋርያዊ ቅዋም
20 February 2020, 17:14