ባሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተአንግድ ትቐራረብ

መላእ ባሪን ተጋባእያን ጳጳሳትን ንቕዱስነቶም ከቕበሉን ቃለ ምዕዳን ክልገሱን ብሓባር ኣብ ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን ሰላም ንምሕናጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግደ ክምስክሩን እዮም፡

ነቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ናይ ክፍለ ሃገር ፑሊያ ዋና ከተማ ባሪ እምነትን ሕውነትን ናይ ሃይማኖት ናጻነትን ውግእን ድኽነትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝመያየጥ ጉባእያዊ ርክብ ኣብ መንጐ ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ሰንበት ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም.  ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳንን ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ዝዛዘም ምዃኑ ክሕበር እንከሎ፡ ከተማ ባሪ ቅዱስነቶም ንኸተአንግድ ብርቱዕ ተምሳጥ ዝዓሰሎ ምድላዋት ተሳልጥ ከምዘላ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኤውጀኒዮ ቦናናታ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ 58 ጳጳሳትን ሊቀ ጳጳሳትን ከባቢ ሃገራት ሜዲትራኒያን ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ርክብ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተ-ሰብን ናይታ ኣብ መዲትራናውያን ሃገራት እትርከብ ኣብ ተመሳሳሊ ጸገማትን ብድሆታትን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጥዕናን ዝመክርን “ንናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ሕዝብታት ትጽቢታት ጽምጺ ምዃን” ዝብል ዕላማ ዝተሰከመ፥ ሜዲትራኒያን ዶብ ሰላም ብዝብል እርእስቲ ዝምራሕን ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሪ ብርቱዕ ድላይን ጻዕርን ተነቓቒሑ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ርክብ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ምእመንን ከባቢ መዲትራኒያንን ሃገራት ብድሆታትን መጻእን ይመያየጥ ከምዘሎን፡ ቅዱስነቶም ኣብኡ ተረኺቦም ብዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ክዛዘም ንናይ ከባቢ ሜዲትራኒያን ሃገራትን ምእመናን ሕዝብን ሰላምን ሰላማዊ ማሕብራዊ ናብራ ዘተባዕ ምዃኑ ቦናናታ ሓቢሮም።

ተልእዀ

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቪንቸንዞ ኮራዶ (ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኰይኖም ዝተሰምዩ ቀዳማይ ዓለማዊ ምእመን) ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ “ቤተ ክርስቲያን ነቲ ብዙሕ ዝተሓላለኸን ጽንኵርን፡ ብዙሕ ተስፋ እውን ዝተነብሮ ኣብ ህልው ኵነት ዘላን እትነብርን እያ” እቶም ካብ 20 ሃገራት ከባቢ ሜዲትራኒያን ዝተዋጽኡ ኣስታት 60 ዝግመቱ ጳጳሳት ቃል ቅዱስነቶም ክጽገውን ንቤተ ክርስቲያናቶም መልእኽቲ መጽንዒ ኣብ እምነት ከቋድሱ እዮም” ኢሎም።

ሃዋሁ

መላእ ባሪን ተጋባእያን ጳጳሳትን ንቕዱስነቶም ከቕበሉን ቃለ ምዕዳን ክልገሱን ብሓባር ኣብ ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን ሰላም ንምሕናጽ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግደ ክምስክሩን እዮም፡፡

ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሳተፉ

ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ልዕሊ ስልሳ ዝግመቱ ጳጳሳትን ሓሙሽተ ሚእቲ ካህናትን ዲያቆናትን ሽዱሽተ ሚእቲ ገዳዳማውያንን ገዳማውያትን ሓሙሽተ ሚእቲ ወለንተይናታትን ኣርባዕተ ሚእቲ ጋዜጠይናታትን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሰብ ሙያን ክሳተፉ ከምዝዀኑን ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ባሪ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኸተአንግድ ትቐራረብ

 

19 February 2020, 16:23