ድለ

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፥ ጸባዖት ድሕነት ማሕበር ንእንገዳ ስደተይናታት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፥ ጸባዖት ድሕነት ማሕበር ንእንገዳ ስደተይናታት 

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፥ ጸባዖት ድሕነት ማሕበር ንእንገዳ ስደተይናታት

እቲ መእንገዲ ስደተይናታት ኣብቲ ሳን ሎረንዞ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከልን ታሪኻውን ክፍለ ከተማ ሮማ እቲ ካብ ዝቐውም ልዕሊ 130 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ፕሮተስታንት እምነት ክርስትና ኣስተንፎ ዝገበረ ጸባዖት ድሕነት ማሕበር

ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ካብ ዕለት 18 ጥሪ ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን መዓልቲ ጸሎት ዝካየድ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብዚ ናይ ለምዘበን መበል 53 ዓለም ሓቆፍ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን እቲ ጳውሎስ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 28 ፍቕዲ 2 “እቶም ደቂ ዓዲ ኣዚዮም ለውሁልና ..  እንክብል ሕዝቢ ማልታ ንዝገበረሎም እንገዳ ዝተዛረቦ ቃል መርሕ ዝገበረ ብምዃኑ እቲ ናይ ለምዘበን መደብ ጸሎት እቶም ብማያት ባሕርን ብናይ ሕይወት ባሕሪ ጸፍዕን ማዕበላትን ዝናወጹን ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ቢሎም ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጓንፎም ዓቢይ ሽግር ተሓሳቢ ገይርካ ኣብ ምድሓኖም ምእላዮም ኵሉ ክርስቲያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ንቕሑ ዝብል እዩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ክርስቶስ ምዃን ዕለት ብዕለት ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ኢየሱስ ስቡእ ምግባርን ዘእምን እምነት ምምስካርን ይሓትት፡ ነዚ ናይ ለምዘበን ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን መርሕ ቃሉ ማዕቅፍ ዝገበረ እቲ ናይ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ማሕበር ኣካል ዝዀነ ማሕበር ጸባዖት ድሕነት ሎሚ ዕለት 23 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ሮማ ናይ ስደተይናታት መእንገዲ ማእከል ኣመሪቑ ነገልግሎት ክምዘቕረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ፍራንቸሳ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

እቲ መእንገዲ ስደተይናታት ኣብቲ ሳን ሎረንዞ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማእከልን ታሪኻውን ክፍለ ከተማ ሮማ እቲ ካብ ዝቐውም ልዕሊ 130 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ናይ ፕሮተስታንት እምነት ክርስትና ኣስተንፎ ዝገበረ ጸባዖት ድሕነት ማሕበር፥ ኣልቦ ዶብ እንገዳ ብዝብል መጸውዕ ንዘካይዶ ዘሎ ስደተይናታት ብናይ ምእንጋድ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ኣገባብ ተቐቢሉ ዘእንገደሉን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ዘቕርበሉ ማእከል ከምዝዀነን፡ እዚ መደብ’ዚ ምስ ናይ ኢጣሊያ ፈደራላዊ ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያን ብምትሕብባር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሃይማኖትን ዓሌትን ካበይ መንን ዘይብል  ምዃኑ ነቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተኸታተላ ልኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሳባቲነሊ ገሊጸን፡ ናይቲ ጸባዖት ድሕነት ማሕበር ጨንፈር ኢጣሊያን ግሪክን ዋና ኣዛዚ ለተና ኮረኔል ማሲሞ ቱርሲ እቲ ማእከል ብሕጊ ዱብሊን መሰረት ዝቖመን ነቲ ዓለም ሓቆፍ ውሳኔ ዱብሊን መሰረት ዝገበረ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዘቕርብ ምዃኑ ከምዝገለጹ ኣፍሊጠን።

ክርስቲያን ዘይነጽግን ዘአንግድን እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ነቲ እግዚኣብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዘቕረበልና እንገዳ እትምስክር እያ፡ ስለዚህ እንገዳ ናይ ኵሉ ክርስቲያን ሓላፍነት እዩ፡ ዘየአንግድ ሰዓቢ ክርስቶስ እየ ዝብል እንተሎ ሓሳዊ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ ንሓውና ብዘሎና ፍቕሪ ኢና እንገልጾ፡ ሓው ናይቲ ንዘይርአይ እግዚኣብሔር ዘሎና ፍቕሪ ሚዛን ካብ ኰነ ነቲ ኣብ ድኻታትን ሕዙናትን ህሙማንን ገዛእ ርእሱ ዝግለጽ ኢየሱስ ነአንግድ፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዝጸንዓ ግብረ ሰናይ የዋህደና ከምዝበሉ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ኣብዚ ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዕርቅን ብርሃንን ተስፋን እምነትን ሓይልን እንገዳን ምልዋጥን ለጋስነትን  ኣብ ዝብል ቃል ይስትንተን ከምዘሎን፡ እዚ እውን ክርስቲያ እሙንን ዘእምንን ምስክርነት ዘቕርብ ክኸውን ዘነቃቕሕን ንሓድ ሕዶም ይቕረ ክበሃሃሉን ክተሓባበሩን፡ ካብቲ ኣብ መንጐኦም ዝንበር ይቕረታን ምትሕብባርን ተበጊሶም ናብቶም ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ንምባል ዘተባብዕ እውን እዩ።

ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሰሙን፥ ጸባዖት ድሕነት ማሕበር ንእንገዳ ስደተይናታት
22 January 2020, 16:31