መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባሪ ብሓባር ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባሪ ብሓባር ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን 

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባሪ ብሓባር ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን

ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘዳለዎ ኣስተንትኖን መንፈሳውን ማእከል ዝገበረ ናይ 20 ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ብፅዓን ጳጳሳት ኣሳቲፉ ዝካየድ ዓውደ ርክብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘዕርግዎን ብዝልግስዎን ስብከት ዝዛዘክም ከምዝኸውን

“መዲትራኒያን ዶብ ሰላም” ብዝብል ቃል ዝምራሕ ናይ ኣስተንትኖን መንፈሳውን ዓውደ ርክብ ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቅዱስ ኣቦና ብዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም ምዃኑን በዚ ምኽንያት ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብቲ እቲ ዓውደ ርክብ ኣብ እተአንግድ ከተማ ባሪ ሓውጾተ ኖልዎ ከካይዱ እዮም፡ እዚ መደብ’ዚ ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተዳለው እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘዳለዎ ኣስተንትኖን መንፈሳውን ማእከል ዝገበረ ናይ 20 ናይ ከባቢ መዲትራኒያን ሃገራት ብፅዓን ጳጳሳት ኣሳቲፉ ዝካየድ ዓውደ ርክብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘዕርግዎን ብዝልግስዎን ስብከት ዝዛዘክም ከምዝኸውን  ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጓልቲየሮ ባሰቲ ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቋሚ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ዝርዝር መርሓ ፍጻሜታቱ እውን ወግዓዊ ከምዝገበሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ እቲ ርክብ ብኻልእ መዳይ እውን ኣብ መንጐ ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን  ምትሕብባርን ምትሕልላይን ተመክሮታትን ክህልዉ ዝድግፍ ከምዝዀነ እውን ኣፍሊጡ።

ቅዱነቶም ዕለት 17 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ፑሊያን ሳን ጆቫኒ ሮቶዶን ሰበኻታት ዘጠቓለለ ኣብ ባሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣክይዶም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ እዚ ናይ 2020 ዓም. ኣብ ባሪ ዘካይድዎ ምብጻሕ ካልኣይ እግሮም ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 23 ለካቲት ንጐሆ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ መዓርፎ ሄሊኮፕተር ሰዓት ሸውዓተ ንጐሆ ክነቕሉን ሰዓት ሸሞንተን ርብዕን ባሪ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ክሪስቶፎሮ ኮሎምቦ ክኣትዉ  እዮም ይብል።

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ለጊሶምን ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስ ኣዕረጉ፡ ልክዕ ፍርቂ መዓልትን ፈረቓን ብሄሊኮፕተር ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ክንቕሉን ሰዓት ሓደን ፈረቓን ሃገረ ቫቲካን ክበጽሑ ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ ብዘስምዕዎ መደረ ኣብ ዝብገስን ናይ ቦዝኒያን ኤርዘጐቪናን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ቭርህቦና ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲና ቪንኮ ፑልጂችን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዋሚ ፓትሪያርክ ገና ናይ ዘይተመደበሉ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር  ብፁዕ ኣቡነ ፒየርባቲስታ ፒዛባላን ዘረባ ኣብ ዘስምዕሉ ናይ ከባቢ ሃገራት መዲትራኒያ ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ርክብ ክሳተፉን ኣብ ኣልጀሪያ ናይ ኣልጀርስ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፖውል ደስፋርገስ ዘቕርብዎ ናይ ምስጋና ቃል ኣስዒቦም ዕለት 23 ለካቲት ቅዱስነቶም ቃል ከስምዑ ከምዝዀኑን፡ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኒኮላ ቅዱሳት ትሩፋት ኣብ ዝተነብረሉ ናይ በነዲክታውያን ባዚሊካ ትሕተ ምድሪ ናብ ዝርከብ ናይ መቓብር ስፍራ ንግደት ፈጺሞም ጸሎት ክዕርጉን ምስ በነዲክታውያን ካህናት ክራኸቡን ካብታ ባዚሊካ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ንዝርከቡ ምእመናን ሰላምታ ከቕርቡ እዮም።

ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ፥ እቲ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዝካየድ ናይ 20 ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ጉባኤ፡ ኣብዚ እዋ’ዚ ኣብ ገለ ገለ ከባቢ መዲትራኒያ ቅልውላውን ውግእን ኣብ ዝረአየሉን ብሓድሽ ፖለቲካዊ ስነ መጐት ዝተሰነየ ወፍሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝቀላቐለሉ ዘሎ እዋን ዝካየድ ብምዃኑ ዓቢይ ትርጐም ዘለዎን ናይቲ ከባቢ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሱታፌ ምስክርነት ዘቕርብሉን በቲ ዝርአይ ዘሎ ዓመጽን ውግእን ኢፍትሓዊ ማሕበራዊ ትሕተ ቅርጽታትን ብዝሰዕቦ ጸገማት ተስፋ ዘይቖርጹ ምዃኖም ንምምስካርን ሰላምን ሕውነትን ዝላበውሉ እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ ቅዱስነቶም ኣብኡ ተረኺቦም ስልጣናዊ ምዕዳኖም ንኽልግሱ ፍቓደይና ብምዃኖም ነመስግኖም ከምዝበሉ ሲር ናይ  ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

መደብ ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ባሪ ብሓባር ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ከባቢ መዲትራኒያን
22 January 2020, 16:47